Thursday , May 9 2024

ኮረና ቫይረስ

March, 2020

  • 29 March

    ሎቨንን ሊንድን ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ዝተፈላለያ ሃይማኖታት ተራኺቦም።

    ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን፡ ስቴፋን ሎቪንን ሓላፊት ሃይማኖታዊ ጉዳያት ዝኾነት ሚኒስተር ባህልን ስፖርትን ሽወደን፡ ኣማንዳ ሊንድ ትማሊ ዓርቢ ብመንገዲ ኣገልግሎት ቪድዮ ኣቢሎም ምስ ኣብ ሽወደን ዝርከቡ ወከልቲ ሃይማኖታት ክርስትና፡ እስልምና፡ ኣይሁድን ቡድሃን ከምዝተራኸቡ ተሓቢሩ። ዕላማ ናይቲ ርክብ፡ ኩነታት ተኸተልቲ እዘን ሃይማኖታት ንምፍላጥን ኣብዚ ሽወደን ተሕልፎ ዘላ ሕማቕ ግዜ ድማ ሓለፍቲ ሃይማኖታት ንሰባት ተስፋ ኣብ ምሃብን ምርግጋእን ጸላዊ ተረኦም ንኸበርክቱ ዝዓለመ ምዃኑ …

  • 29 March

    ፍቃድ ዝረኸበ ሓድሽ መድሃኒት ቫይረስ ኣብ ሕሙማት ኮሮን ክፍተን እዩ።

    ቅድሚ ሕጂ ለበዳ ኢቦላ ንምዕጋት ኣብ ጥቕሚ ውዒሉ ዝነበረ መድሃኒት ሕሙማት ኮሮና ንምፍዋስ ፈተነ ክግበረሉ እዩ። እዚ ፈተነ ብኤጀንሲ መድሃኒታት ሽወደን ምሉእ ፍቓድ ከም እተዋህቦን። እዚ ስነምግባራዊ ሕቶ ዘልዕል ናይ ፍቓድ ሽግር ካብ ተፈትሐ ኣብ ስቶክሆልምን ዮተበሪን ማልምን ዝርከቡ ግዳያት ክፍተን ምዃኑ እውን ድሮ ተመልኪቱ’ሎ።

  • 29 March

    መነባብሮ ሽወደናውያን ነዚ ሕማም ንምስጋር ፍቱን ኣገባብ ክኸውን ይኽእል እዩ ተባሂሉ።

    ብመስረት ጸብጻብ ቢቢሲ ማሕበራዊ ኮዳት ሽወደን ቅልውላው ኮሮና ንምዕጋት ኣገደስቲ ምዃኖም ካብ ቢቢሲ እተረኽበ ንውሕ ዝበለ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። “ሽወደናውያን ምስ ሰብ ጥብቕ ኢልካ ኮፍ ምባልን ሃንደራእ ኢልካ ምስ ዘይትፈልጦ ሰብ ምዕላልን ኣየዘውትሩን እዮም” ድማ ኢሉ።፡ ጸሓፊት እዚ ጸብጻብ ሎላ ኣኪንማድ ኤከርስትሮም ሓንቲ ካብቶም ቃለመሕትት ዘካየዱ እያ። ሽወደናውያን ኮሮና ቫይረስ ቅድሚ ምምጽኡ ዝጸንሐ ትፍንትት ኢልክ ኮፍ ናይ ምባል ልምዲ ኣለዎም ድም …

  • 29 March

    ዕለተ ምቅያር ናይ ክረምቲ ጎማታት ተሽከርከርቲ (dubbdäck) ተናዊሑ።

     ኣብ ሽወደን ዝርከባ ተሽከርከርቲ ክጥቀማሉ ዝሓገያ ጎማታት ከምቲ ልሙድ ኣብ መፋርቅ ወርሒ ሚያዝያ ክቅየር እኳ እንተነበሮ ናብ ዕለት 30/04/2020 ከምተናወሐ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሽወደን ሓቢሩ።ጎማታት መካይን ንምቅያር ብዙሓት ተገልገልቲ ናብ ገራጃት ብምምጻእ ነተን ጋራጃት ጻዕቂ ስራሕ ክፈጥሩለን ተኽእሎታት ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ ምትእኽኻብ ሰብ ነቲ ምልባዕ ናይ ቫይረስ ጠንቂ ስለ ዝኾነ ንዕኡ ንምውጋድ እዚ ስጉምቲ ተወሲዱ ክብል ኣብ ምምሕዳር መጓዓዝያ ሓላፊ ዝኾነ ፤ ሃንስ ኖረን፤ ንመርበብ ሓበሬታ ሽወደን ሓቢሩ። ይኹን እምበር ነፍሲ ወከፍ ተገልጋሊ ጎማ መኪንኡ ንኽቅይር ክሳብ መወዳታ ግዜ ክጽበ ከምዘይብሉ ክርደኦ ይግባእ። ኣብ መወዳእታ ብዘጋጥም ጻዕቂ ስራሕ ናይ ገራጃት ኣገልግሎት ክይረክብ ተኽሎታት ክህሉ ስለዝኽእል።ማሕበር መቀያየሪ ኣቅሑ መካይን ብወገኑ ነዚ ውሳነ ብምድጋፍ እዚ ናይ ምንዋሕ ሓሳብ ቀዋሚ ክኸውን ኣዘኻኺሩ።

  • 28 March

    በዓል መዚ ጥዕና፡ ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ኣብ ዮቶቦሪ ቁጽሪ ግዳያት ክሮና ቫይረስ ክውስኽ ከምዝኽእል የጠንቅቕ።

    ኣብ ዝቕጽል መዓልታት ብዙሓት ተቐማጦ ከተማ ዮቶቦሪ ዝኾኑ ሰባት ብክሮና ቫይረስ ክልከፉ ከምዝኽእሉ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ኣብ ዝቕጽል ክልተ ሰሙን ቁጽሪ ልኹፋት ክሮና ቫይረስ ኣብ ዮቶቦሪ ክውስኽ ምዃኑ ተመራማሪ ተላበዕቲ ሕማማት፡ ኣንድሽ ቲግኔል፡ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ ጋዜጥዊ ዋዕላ ሓቢሩ። ነፍሲ ወከፍ ከተማ ዝተፈልየ ኩነት ከምዘለዋ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ በዓል መዚ ጥዕና ሽወደን ነዚ ኣብ ግምት ብምእታው ለባዳ ቫይረስ ንምግታእ ብዝተፈላላዩ …

  • 28 March

    5 ኣገደሰቲ ምኽርታት ካብ ዶር ቴድሮስ ኣድሓኖም ዳይረክተር ውድብ ጥዕና ዓለም

    1 ናይ ሰውነትኩም ናይ ሕማም ምክልኻል ምፅዋርን ዘጎልብቱ ምግብታት ብልዑ ብፍላይ #ኣሕምልቲ_ፍራምረን ዝተመጣጠነ ሰርዓት ኣመጋግባ ይሃሊኹም። 2 #ኣልኮላዊ_መሰተ ኣቃርፁ #ሸኮር_ዝበዝሖም_ልሰሉሰ_መሰተታት ኣቓርፁ እዚኦም ናይ ሰውነትኹም ናይ ሕማም ምክልኻልን ምፅዋርን ዓቕሚ ዝቐትሉ እዮም። 3 #ሸጋራ ኣይትሰሓቡ ፤ እዚ ሳምባኹም ብምጉዳእ ብኮቪድ _19 ዝበለፀ ክትህሰዩ ፣ክትሞቱ ዝገብር እዩ። 4 #ኣካላዊ_ምንቅሰቓሰ ግበሩ። ዓበይቲ እንተናአሰ ን 30 ደቃይቕ ፣ህፃናት ድማ እንተናኣሰ ን ሓ(1)ሰዓት ኣካላዊ ምንቅሰቓሰ ይግበሩ። ደገ ምውፃእ ዘይትኽእሉ እንተኮይንኹም ናይ ገዛ ሰፖርትታት ከምኒ ዮጋ …

  • 28 March

    ብመሰረት ጸብጻብ፣ ሎሚ ቀዳም ቁጽሪ ግዳያት ክሮና ኣብ ሽወደን 102 ሰባት በጺሑ።

    ክሳብ ሎሚ ቀዳም 28/03/2020 ሰዓት 2 ድሕሪ ቀትሪ ብሰንኪ ሕማም ክሮና ቫይረስ ዝሞቱ ቁጽሮም 102 ሰባት ከምዝበጽሐ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ከምዝተረጋገጸ፡ ቁጽሪ ናይቶም ብቫይረስ ክሮና ዝተለኽፉ ሰባት 3447 በጺሑ ኣሎ። ቁጽሪ ናይቶም ኣብ ጽዑቕ ምክትታል ዝርከቡ ሰባት ድማ ናብ 214 በጺሑ ከምዘሎ እቲ በዓል መዚ ሓቢሩ።

  • 28 March

    News Magazine ዜና መጽሔት 27 መጋቢት 2020

  • 28 March

    Swedish News in tigrigna -ዜና ሽወደን ብትግርኛ 27 መጋቢት 2020

    ገለ ካብ ናይ ሎሚ ኣርእስታት ዜና፡ 1. መንግስቲ ሽወደን kab 50 ሰብ ንላዕሊ ምእካብ ኩልኩል ምዃኑ ኣፍሊጡ። 2. ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ነጋዶን ወነንቲ ትካላትን፣ ንቤት ጽሕፈት ኣታዊ ግብሪ ኣዕለቕሊቖሞ መደባትና ብሰፊሕ ንምክትታልን ከምኡ እዉን፣ ብዛዕባ ኩነታት ሽወደን ብትግርኛ ንምርካብ ኣብ መርበብ ሓበሬታና www.alkompis.se/ti ተወከሱ። #sverige #alkompis #sweden #Tigrinja

  • 28 March

    ካብ ኣሰገጋድ ውሸባ ወለንታዊ ውሸባ ውጺኢታዊ እዩ ተባሂሉ ።

    ካብ ኣስገዳድ ዘለዎ ውሸባ (ምዕጻው) ወለንታዊ ውሸባ(ምዕጻው )ዝያዳ ውጽኢታዊ እዩ ክብሉ ኪላታት ይገልጹ። ጣልይንን ስፔይንን ከምኡ ምግባረንን ፈረንሳን ጀርመንን እውን ከም ዝሰዓባአን ድማ ተገሊጹ። ሰብመዚ ጥዕናን መንግስትን ኣብ ዝሃብዎ መግለጺ ብውሕዱ ኣብዚ እዋንዚ ሽወደን ክትዕጾ ከም ዘይግባእ ኣመልኪቶም። ኣብያተ ትምህርቲ፥ ብዙሕ ሳዕቤን ዘይብሎም ንግዳዊ ትካላትን ምዕጻውን ሰባት ኣብ ኣባይቶም ክውሸቡን ዝብል ስጒምቲታት ኣድለይቲ ኣይነበሩን ድማ ኢሎም። ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ቃልሲ …

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com