Friday , May 3 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ኣብ ሽወደን ብዝሒ ብክሮና ቫይረስ ናይ ዝሞቱ ሰባት ናብ 92 በጺሑ።

ብዝሒ ናይቶም ብሰንኪ ሕማም ቫይረስ ክሮና ኣብ ሽወደን ዝሞቱ ሰባት ናብ 92 ክብ ከምዝበለን ብዝሒ ናይቶም ብክሮና ቫይረስ ተለኺፎም ዘለዉ ሰባት 3046 ክኸውን እንከሎ ብዝሒ ናይቶም ጽዑቕ ሕክምናዊ ምክትታል ዝግበረሎም ዘሎ ሰባት ግን 209 ከምዝበጽሐ ህዝባዊ ኣገልግሎት ጥዕና ሽወደን ሓቢሩ። ክሳብ ሕጂ ዝኾነ ትሕቲ 50 ዓመት ዝዕድሚኡ ሰብ በዚ ሕማም ከምዘይሞተን ኣብዘን ዝሓለፋ ክልተ ወይ ሰለስተ ሳምንታት ግን ብዝሒ ናይ ዝተለኽፉ ሰባት ክውስኽ ከምዝተራእየ ኣብቲ መደበር ክኢላ ተመሓላለፍት ሕማማት ዝኾነ ኣንደሽ ቲግኒል ኣብቲ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣብሪሁ።

መጠን ምውሳኽ ብዝሒ ናይቶም ኣብ ሽወደን ብቫይረስ ክሮና ዝልከፉ ሰባት ዘይከም ኣብ በዓል ጣልያንን እስፓኛን ዘጋጠመ ብውሑድ ዓቐን ምዃኑ እቶም ተቖጻጸርቲ ይሕብሩ። እዞም ከምዚ ዓይነት ምልክታት ድማ ንዓና ተስፋ ዝህቡና እዮም ክብል ቲግኒል ብተወሳኺ ሓቢሩ። ብደረጃ ዓለም ክረአ እንከሎ እቲ ዝለዓለ ምልባዕ ዘጋጥማ ዘሎ ሃገር ኣሜሪካ እያ። ዝያዳ ዘሻቕለና ዘሎ ድማ ብኸመይ ኣቢሉ ይላባዕ ከምዘሎ ዘይምፍላጥና እዩ ክብል ደጊሙ ገሊጹ። ከምዝፍለጥ መንግስቲ ሽወደን ንለበዳ ቫይረስ ክሮና ንምግታእ ዝዓለመ ልዕሊ 50 ሰባት ንኸይእከቡ ዝኽልክል መምርሒ ሎሚ ኣመሓላሊፉ ኣሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com