Tuesday , March 19 2024
ቅርጺ ክሮና ቫይረስ ስእሊ፥ ማእከል ምክልኻል ሕማማት , EPA / TT

ብዛዕባ ቫይረስ ኮረና

ካብ ታሕሳስ 2019 ጀሚሩ ኣብ ዓለም ሓደ ሓድሽ ቫይራስ ኮረና ይዝርጋሕ ኣሎ።

ንመብዛሕትኡ ቀሊል ሕማም ይገብረሉ

 ንመብዛሕተኦም ሰባት ሰዓልን ረስንን ዘለዎ ባዕሉ ዝጠፍእ ቀሊል ሕማም ዝገብረሎም ኮይኑ ንገሊኦም ግና ጸገማት ምስትንፋስን ነድሪ ሳምቡእን (ኒሞንያን) ዘለዎ ብርቱዕ ሕማም ይገብረሎም።

እቲ ቫይረስ ምስ ዝሓመመ ሰብ ቀረባ ምርኻባት ምስ ዝህሉ ወይ ብነጠብጠብታዊ ለብዒ ማለት እቲ ዝሓመመ ሰብ ምስዝስዕል ወይ ሕንጥሸው ምስዝብል ይመሓላለፍ።

 እቲ ምልክት ሕማም መብዛሕትኡ ግዜ ቀሊልን ሓደ ሰብ ምስተለኽፈ ድማ ድሕሪ ኣስታት 5 መዓልትታት ይረአ።

እቶም ምልክታት ሕማም ግን ቅድሚ ወይ ድሕሪ ሓሙሽተ መዓልትታት’ውን ክረአዩ ይኽእሉ እዮም።

ኮቪድ-19 ሓፈሻዊ ስምዒት ሕማም ዝፈጥር ሓደ ወይ ዝያዳ ካብዞም ዝስዕቡ ምልክታት ሕማም ኣለዎ:

• ምስዓል

 • ረስኒ

• ናይ ምስትንፋስ ጸገማት

 • ነድሪ ኣፍንጫ

• ቃንዛ ጒረሮ

 • ሕማም ርእሲ

 • ቃንዛ ጭዋዳን ቃንዛ መላግቦ ዓጽምን

 • ዕግርግር(ቅልሽልሽ)

ንኣረገውቲ ከቢድ ሕማም ክገብረሎም ይኽእል እዩ

ንገሊኦም ግን እቲ ሕማም ጽንኩር ስለ ዝኸውን ጸገማት ምስትንፋስን ነድሪ-ሳንቡእን(ኒሞንያን) ይገብረሎም።

እቶም ጽንኩር ሕማም ዝገብረሎም ሰባት መብዛሕተኦም ኣረገውትን ልዕሊ 80 ዕድመ ኣለዎም። ወላ’ውን ሓዳሪ ሕማም ልብን ሓዳሪ ሕማም ሳምቡእን ወይ መንሽሮ ዘለዎም ሰባት ጽንኩር ዝኾነ ሕማም ይገብረሎም እዩ።

ነብስኻን ኻልኦትን ንምክልኻል ዝኾና ሸውዓተ ቀለልቲ ምዕዶታት:

1. እንተ ሓሚምካ ወይ ቀሊል ምልክት ሕማም ከም ቃንዛ ጐረሮ፡ ምስዓል ወይ ነድሪ ኣፍጫ(ዓፍ-ዓፍታ) እንተለካ ኣብ ገዛኻ ኩን። ምስ ሓወኻ’ውን እንተኾነ ብውሑድ 48 ሰዓታት ኣብ ገዛኻ ጽናሕ።

2. ኣእዳውካ ሳምናን ውዑይ ማይን ገይርካ እንተወሓደ ን20 ካልኢት(ሰከንድ) ምሕጻብ ኣዘውትር።

3. ኣእዳውካ ክትሕጸብ ተኽእሎ እንተዘየለ፡ ናይ ኢድ ኣልኮሆል ተጠቐም።.

4. ካብ ጥቓ ዝሓመሙ ሰባት ምዃን ተቖጠብ።

5. ኣዒንትኻን ኣፍንጫኻን ኣፍካን ካብ ምሓዝ ተቖጠብ።

6. ክትስዕል ወይ ሕንጥሸው ክትብል ከለኻ ቅድሚት ጒንቦ ኢድካ ወይ ወረቐታዊ መንዲል(ቲሹ) ተጠቀም።

7. እንተ ሓሚምካ ወይ ምልክት ሕማም እንተለካ፡ ኣረገውቲ ካብ ምብጻሕ ተቖጠብ።

ኣገደስቲ ቊጽሪ ተሌፎናት

• ብዛዕባ ኮቪድ-19 ሓፈሻውያን ሕቶታት እንተለካ 113 13 ደውል።

• ኣብ ገዛኻ ኮይንካ ጽሬትካ ክትከናኸን እንተ ዘይኪኢልካ ንሕክምናውን ክንክናውን ምኽሪ 1177 ደውል (ሽወደንኛን እንግሊዝኛን)።

• ሰጋእታ ሕይወት ኣብ ዝህልወሉ ኲነታት 112 ደውል።

እዋናዊ ሓበሬታ መልሲ ናይ ዝውቱራት ሕቶታት ኣብ’ዚ ተመልከት www.folkhalsomyndigheten.se/ covid-19


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com