Friday , May 10 2024

ሽወደን ንኹሉ ንጥፈታት ክትዓጹ የብላን ዝብሉ መጐተታት ይዕብሉሉ።

ኣብዚ እዋን ሽወደን ውሸባ ናይ ጒዕዞ ወይ ናይ በረድ ምንሽርታት እገዳታት ናይ ምግባር ኣጋውል ከም ዘየርኣየት ተገሊጹ።፡ ምክትል ሓላፊ ለበዳታት ሽወደን ኣንደርስ ቫለናቴን ብሰሉስ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ” ሽወደን ዕጽውቲ ክትከውን የብላን” ኢሉ። ንሱ ንስለረብሓ ሓፋሽ ክበሃል እቶም ብንጥፈት ክዋስኡ ዝግባእ ንጥፈቶም ክቕጽሉ ይግባእ ኢሉ።

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ኣብ ልዕሊ ኣብያተ መግቢ፥ መስተን ሻሂን ሓደስቲ ሕጊታት ምግባሩን ኣብ ባንኮን ብደውካን ዝወሃብ ኣገልግሊት ተሪፉ ኣብ ጣውላ ጥራይ እንግዶት ክቕጽል እዩ። ሽወደን ካብ ካላኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዝተፈልየ ስትራቴጂ እትኽተለሉ ምኽንያት እንክገልጽ ሃገራት ብመጠን እቲ ብዝሒን ጽልዋ እዚ ሕማም ክንቀሳቐሳ ከም ዝግባእ ኣስሚሩሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com