Friday , May 10 2024

በዓል መዚ ጥዕና፡ ንተቐማጦ ሽሽታ ን ስፖንጋን ካብ ዝያዳ ምልባዕ ቫይረስ የጠንቅቅ።

ተቐማጦ ናይቶም ኣብ ስቶክሆሎም ዝርከባ ከባቢታት Kista ን Spånga ካብ ዝያዳ ምልባዕ ናይ ቫይረስ ክጥንቀቁ ከምዘለዎም በዓል መዚ ጥዕና ኣዘኻኺሩ። ኣብዘን ዝተጠቕሳ ከባቢታት ዝነብሩ ሰባት ንምልባዕ ቫይረስ ንምግታእ ብፍሉይ ዘድሊ ጥንቃቀ ክገብሩ ከምዘለዎምን ኣእዳዎም ብግቡእ ክሓጽቡ ከምዘለዎም፡ ኣእዳዎም ዓጺፎም ክህንጥሱ ከምዘለዎምን መባእታዊ ምልክታት ሕማም ከም ረስኒ፡ ደረቕ ሰዓልን ጸገማት ምስትንፋስን እንተተራእዩ ነብሶም ባዕሎም ክውሽብ ከምዘለዎምን እንተ ገዲዱ ድማ ንዝምልከቶም ናይ ጥዕና ኣካላት ክሕብሩ ከምዘለዎምን ክብል ሓኪም ተመሓላላፍቲ ሕማማት፡ ቢር ፎሊን፡ ምስ መርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ዝገበሮ መግለጺ ሓቢሩ። ብዝሒ ናይቶም ኣብዘን ከባቢታት ብክሮና ቫይረስ ተጠቒዖም ዘለዉ ሰባት ክሳብ ሕጂ ብመርበብ ሓበሬታ ምምሕዳር ስቶክሆሎም ኣይተሓበረን ዘሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com