Monday , April 29 2024

ሽወደን ኮሮና ቫይረስ ብዘውረዶ ቅልውላው ሽቕለት ሓድሽ ቊጠባዊ ስጒምቲታት ተተኣታቱ።፡

ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ማግዳሊና ኣንደርሰን መንግስቲ ኮሮና ቫይረስ ንዘስዓቦ ቅልውላው ሽቕለት ንምምካት ሓድሽ ቊጠባዊ ስጒምቲታት ከተተኣታቱ ምዃና ገሊጻ። ብመሰረት ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሽቕለት ዝፈነዎ ናይ ቀረባ እዋን ኣሃዛት ኣብዚ ወርሒ መጋቢት ጥራይ 18000 ዝበጽሑ ሰራሕተኛታት ብሓለፍቶም ናይ ስንብት ወረቐት ከም እተዋህቦም ተሓቢሩ። መንግስቱን ኣብ ባይቶ ዝርከቡ መሻርኽቱን ነዚ ጒዳይ ንምፍታሕ ሓደስቲ ናይ ህጹጽ እዋን ስጒምቲታት ንምውሳድ ኣብ ምድላው ምህላዎም እውን ኣስሚራትሉ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com