Wednesday , May 1 2024

ኣብ ዓበይቲ ከተማታት ሽወደን ልዑል መጠን ኮቪድ-19 ይረአ

Requirements for negative COVID-19 tests when entering and seating for public transport journeys over 150 km will be introduced on 28 December, the Public Health Agency of Sweden announces Foto: Johan Nilsson / TT / Kod 50090

ኣብ ፈሳሲ ጎሓፍ ብዝተገብረ መርመራ ኣብ ሓያሎ ከተማታት ሽወደን ልዑል መጠን ኮቪድ-19 ከምዝተረኽበ ን ተመራመርቲ ዩኒቨርሲቲ ሕርሻ ሳይንስ ሽወደን ብምጥቃስ ጋዜጣ ዳገንስ ኒሄተር ሓቢራ። እቲ ወሰኽ ዳርጋ ኣብ መላእ ሃገር ይቕጽል እኳ እንተሎ፡ ዋና ክኢላ ለበዳ ሽወደን ማግኑስ ጊስለን ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሓደጋ ከቢድ ሕማምን ሞትን ኣዝዩ ውሑድ ብምዃኑ ሰባት ክጭነቑ የብሎምን ኢሉ’ሎ። “ሕጂ ኣብ ህዝቢ ዘሎ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ኣዝዩ ዝሓሸ ስለዝኾነ፡ ሕጂ ዘሎ ኩነታት ካብቲ ቅድሚ ገለ ዓመታት ኣዝዩ ዝተፈልየ ምዃኑ ምዝካር ኣገዳሲ ይመስለኒ” ክብል ጂስሌን ወሲኹ ሓቢሩ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com