Wednesday , May 1 2024

ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ ክታበት ደንጉዩ ምጅማሩ ተኣሚኑ

(AP Photo/David Goldman, file)

ዋና ክኢላ ትካል ጥዕናን ድሕነትን ፊንላንድ (THL) ሚያ ኮንትዮ ፡ ብዛዕባ ምድንጓይ መሐየሊ ክታበት ኮሮና ኣመልኪቱ ዝንቐረበላ ነቐፌታ ምላሽ ሂባ። ንሳ፡ ስርዓተ ክንክን ጥዕና ፊናልንድ፥ ክታበት ዓባይ ሰዓልን ኮሮና ቫይረስን በበይኑ ክውድበሉ ዘኽእል ጸጋታት የብሉን ኢላ። “ክልተ ዓበይቲ ዙርያታት [ክታበት] ንምክያድ ዘኽእል ጸጋታት የብልናን” ክትብል ብሰሉስ ንYLE ገሊጻ። ገለ ኣገልግሎት ሰብኣዊ ድሕነት ኣውራጃታት፥ ኣብ መንጎ ጥርዚ እዞም ለበዳታት ናይ ኣዋርሕ ጋግ እውን እንተሎ፡ ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣንጻር ክልቲኡ ሕማማት ኢንፍሉዌንዛን ሕማም ኮሮናቫይረስን) ክታበት ጀሚረን እየን። መልከፍቲ ኮሮናቫይረስ ድሮ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ክውስኽ ጀሚሩ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፥ ኢንፍሉዌንዛ ምፍላም ዝመጽእ ዓመት ክመጽእ እዩ ዝብል ስግኣት የለን። “[ክታበት ኮሮናቫይረስ] ብኸፊል ደንጉዩ ኣሎ” ክብል ኮንቲዮ ተኣሚና’ላ። “እንታይ ከተዐውት ከም ዝኽእል ግን ክውንነታዊ ክትከውን ኣለካ። ክታበት ኮሮናቫይረስ ቁሩብ ኣቐዲሙ ክወሃብ እንተተኻኢሉ ጽቡቕ እዩ፡፡ ለበዳ ኢንፍሉዌንዛ ምስ ተኸስተ ውጽኢታውነቶም መታን ከየንቈልቊል ክታበት ኢንፍሉዌንዛ ግን ክሳብ መፋርቕ ዓመት እንተዘተዋህበ እዩ ዝምረጽ፡፡ ዕላማና ማእከላይ መንገዲ ምርካብ እዩ” ኢላ። እዚ ክታበታት ንኣገልግሎታ ትሰብኣዊ ድሕነት ኣውራጃታት ዓብዪ ጾር ኮይኑ፡ ኣብ መላእ ፊንላንድ ድማ ልዕሊ ክልተ ሚልዮን ክወሃብ ምስ ምዃኑ ቀሊል ዘይኮነ ጸቕጢ ፈጢሩ’ሎ። እዚ እናኾነ ኣብ ዝተፈላለየ ከባቢታት እታ ሃገር ዝርከቡ ዘጋታት ቆጸራ ክታበት ንምሓዝ ከምዝተጸገሙ ሓቢሮም ኣለዉ። ንኣብነት ኣብ ሄልሲንኪ ቆጸራ ዘይብሎም ሰባት ክታበት ክወስዱ ንሰዓታት ክጽበዩ ከም እተቐሰቡ ሄልሲንጊን ሳኖማት ሓቢሩ። ኮንቲዮ ብፍላይ ኣብ ምጅማር ዙርያ ክታበት ቆጸራታት ልዑል ጠለብ ከምዘለዋን፡ ኩሉ ሰብ ኣብተን ቀዳሞት ክልተ ሰሙናት ክኽተብ ከምዝደሊንኣመልኪታ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com