Friday , April 19 2024
TT

  • መንግስቲ ሩስያ ሽወደናዊ ላዕለዋይ ዲፕሎማት ካብ ሃገሩ ከወጽእ ኣዚዙ::

መንግስቲ ሩስያ ንሓደ ላዕለዋይ ዲፕሎማሰኛ ሽወደን ኣብ ሃገሩ፣ ከምዝጠረዘ መንግስታዊ ማዕከን ዜና ሩስያ ጠቒሱ ኣገልግሎት ዜና ሽወደን ሓቢሩ።

እቲ ኣብ ሩስያ ዝርከብ ኤምባሲ ሽወደን፣ ከም ኣታሼ ጉዳያት ባህሊ፣ ኮይኑ ዘገልግል ዝነበረ፣ ብሞይኡ ጋዜጠኛን ዲፕሎማሰኛን ዝኾነ፣ ካለክኒቭለ፣  ምኻኑ ተፈሊጡ። 

ነዚ ጉዳይ ኣመልኪቱ መግለጺ ዝሃበ  ሚንስትሪ ወጻኢ ጉዳያት ሽወደን፣ እቲ ፍጻመ ሓቂ ምዃኑ ድሕሪ ምርግጋጽ፣ ብዉሳነ መንግስቲ ሩስያ ከምዝጉሃየ ሓቢሩ። 

ምስኡ ብምትሕሓዝ ምኽንያት እቲ ናይ ምስጓግ ስጉምቲ፣ ሽወደን ኣብ ዝሓለፉ ቅንያት፣ ንኽልተ ኣብ ድሕረ ባይተኦም ምስ ስለያዊ ስራሓት ዝተኣሳሰረ እዮም ዝበለቶም፣ ክልተ ዲፕሎማሰኛታት ናብ ሽወደን ክእትዉ ዘኽእል ፍቓድ ብምኽልካላ ምዃኑ፣ እቲ መግለጺ ምኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ገሊጹ ኣሎ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com