Friday , April 26 2024

Jobskills.se ክትጽበ ከሎኻ ንጡፍ ንኽትከውን ይሕግዝ

እተደገፈ/እተመወለ ዓንቀጽ: ታደለሽ ከበደ ቅድሚ ክልተ ዓመት ካብ ኢትዮጵያ ናብ ሃገር ሽወደን መጺኣ። ኣብ ABFs ናይ Vårby gård ተራኺብና። ኣብኡ ታደለሽ ናይ ቋንቋ ሽወደን ኮርስ ወሲዳ፡ ኣብኡ ኸኣ እያ Jobskills ከም ዘሎ ዝፈለጠትን ኣካውንት ንምኽፋት ሓገዝ ዝረኸበትን። Jobskills ነቶም ኣብ ሃገር ሽወደን ዚነብሩ ዘገልግል ናይ Arbetsförmedlingen ዲጂታላዊ ኣገልግሎት ስራሕ እዩ።

ንሳ ኣብ ኢትዮጵያ መምህር እያ ነይራ፡ ሕጂ ድማ መምህር ንምዃን ዘዳሉ ስልጠና ትወስድ ኣላ። እቲ ኮርስ ኣብቲ እትወስዶ ዘላ ናይ ምምህርና ሞያ ዝያዳ ከም ዚሕግዛ ተስፋ ኣሎዋ።

ንኹላቶም ኣብ ሃገር ሽወደን ሓደስቲ ዝኾኑ

ታደለሽ ነቲ Jobskills ከም ኣዚዩ ኣርባሕን ሞያውን ኣገልግሎት ገይራ እያ እትገልጾ። ነቲ ድሕረባይታኣ (CV) እውን ኣብኡ ኾይና እያ ናብ ቋንቋ ሽወደን ዝተርጎመቶ። ንሳ ንኹላቶም ብጾታ ብዛዕባ Jobskills ትነግሮም ኣላ።

Jobskills ሓጊዙንን መገዲ ከፊቱለይን። ኩሎም ኣብ ሃገር ሽወደን ሓደስቲ ዝኾኑ፥ ኪጥቀሙሉ ይግባእ። ሓደ ሰብ ክሳዕ መንበሪ ፍቓዱ ዚወስድ ገለ ኪገብር ይግባእ። ምጽባይ ጥራይ ኣይጠቕሞን።

ናይ ሓቅነታት ሳጹን

  • Jobskills ናይ Arbetsförmedlingen ኣገልግሎት እዩ።
  • Jobskills ብቋንቋ ሽወደን፡ እንግሊዝ፡ ዓረብ፡ ፋርሲ፡ ትግርኛን ሶማልኛን ኣሎ።
  • ድሕረባይታኻ ወይ ሲ.ቪ ብቋንቋ ሽወደንን እንግሊዝን ኪትርጎመልካ ይኽእል (ብ Google ኣይትርጎምን).
  • እቲ ወሃብ ስራሕ ነቲ ድሕረባይታኻ ወይ ሲ.ቪኻ እንተ ኣሕቲምካዮ ጥራይ እዩ ኪርእዮ ዚኽእል።
  • Jobskills ንኽትጥቀም ናይ ኢመይል ኣድራሻ ኪህልወካ የድሊ።

Jobskills.se


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com