Friday , May 17 2024

16 ስደተኛታት ናይ መግቢ ምሕሳም ኣድማ ይገብሩ።

ካብ ሽወደን ንሃገሮም ንኽባረሩ ዝተወሰነሎም ኣብ ፍሌን (Flen) ዝተባህለ ቦታ ዝርከቡ 16 ስደተኛታት ሎሚ ናይ መግቢ ምሕራም ተቛውሞ ከምዝጀምር ተፈሊጡ። ከምዚ ዓይነት ስጉምቲ ኣብ ግዜ ለበዳ ቫይረስ ምውሳድ በቲ ቫይረስ ከይጥቅዑ ስግኣታት ዝፈጥር ምዃኑን ኣብ ዝሓለፈ እዋን ኣብ ማሽታ፡ ስቶክሆልም፡ ንኽባረር ዝጽበ ዝነበረ ሓደ ስደተኛ ብሰንኪ ሕማም ኮቪድ-19 ሂወቱ ከምዝሰኣነን ዝዝከር እዩ። ኣብ ግዜያት በዓል ፋሲካ ኣብ ሎንግብሂድ፡ ብተመሳሳሊ ኣገባብ 20 ስደተኛታት መግቢ ናይ ምሕሳም ተቓውሞ ከምዝገበሩ ብላንክ ስፖት ኣብ መርበቡ ሓቢሩ። ሓደ ካብቶም ንኽባረሩ ዝጽበዩ ዘለዉ ስደተኛታት ዝኾነ ወዲ 25 ዓመት ዝኾነ ኣሚሪ ዝተባህለ ኣፍጋኒስታናዊ ኣብ 2015 ናብ ሽወደን ዝመጸ እዩ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኩላትና ኣብዚ ቦታ ዘለና ንሃገርና ክንምለስ ዘይንኽእል ኢና። ኣብዚ ቦታ ውን ብቫይረስ ኮሮና ከይንልከፍ ብጣዕሚ ስግኣት ስለዘለና፡ ነጻ ክንልቀቕ ይግበኣና ክበል ብመንገዲ ተሌፎን ነቲ መርበብ ሓቢሩ። ናይቲ ቦታ ሰበ ስልጣን ጠንቂ ተቛውመኦም ንምፍላጥ ኣብ ዝጸወዕዎም እዋን ንዘይተወሰነ ግዜ ኣብዚ ቦታ ኣጽኒሕኩምና፡ ከም ኡስራት ኰንና ክንነብር ኣይንኽእልን ኢና። ናብ ኣፍጋኒስታን፡ ዩክሬን፡ ጆርጅያ፡ ኡዝበኪስታን፡ ኣፍሪቃ ኢራንን ሞሮኮን ዝኣመሰላ ሃገራት ንኽንስጎግ ኣብዚ ቦታ’ኳ እንተጸናሕና ኣብዚ ሕጂ እዋን ሃገራት ዶባተን ብሰንኪ ምዕጻወን እቲ መስርሕ ክካየድ ኣይክእልን እዩ። ዝሓሸ ሂወት ንኽንመርሕ ኢልና ክንደይ ሽግራት ሓሊፍና መጺና፡ ሕጂ ግን ኣንፈትና ናበይ ምዃኑ ጠፊኡና ኣሎ። ነጻ እንተዘይተለቒቕና ድማ ኣብዚ ቦታ ከይንሓምም ስግኣት ኣለና ክብል ኣሚሪ መሊሱ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com