Thursday , April 25 2024
Piaggesi/Fotogramma/Ropi

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቬኒ ወደባትና ንስደተኛታት ዕጹዋት ክኾና እየን ይብል።

ወደባትና ንመራኽብ ስደተኛታት ዕጹዋት ክኾና እየን ክብል ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ኢጣልያ ማትዮ ሳልቬኒ ገሊጹ።

ከንቲባ ኔፕልስ ሲዋች ዝበሃል ዘይመንግስታዊ ውድብ ቅድሚ ክልተ ቕነ ንዘድሓኖም ስደደኛታት ንምቕባል ቊርብነት ድሕሪ ምርኣዩ እዩ እዚ ግብረ መልሲ ሚኒስተር ውሽጣዊ ጒዳያት ዝሰዓበ።

“ብዙሓት ናይ ሓሶት ስደተኛታት ተቐቢልና መህጠሩ ጁባ ዘይሕጋውያን ኣስገርቲ ኮይንና ኣሎና ይኣክል። ወደባትና ዕጹዋት እየን” ክብል ምስ ኣገልግሎት ዜና ኤኬኣይ ኣብ ዝሃቦ ቃል ገሊጹ።

ከንቲባታት ጸጋም ብዛዕባ እዞም ዘይሕጋውያን ስደተኛታት ዘይኮነ ነቶም ሽግር ዝዂመሮም ዘሎ ዜጋታቶም እዮም ክሓስቡ ዘለዎም” ክብል ነቲ ኣብ ተቓዋሚ ውድብ ዴሞክራስያዊ ሰልፊ ዝነጥፍ ከንቲባ ሉዊጂ ማጂስትሪስ ዘሊፍዎ።

” እዛ ሲዋች እትበሃል ናብ ወደብ ኔፕልስ ትጸጋዕ ጥራይ እምበር ኣነ ባዕለይ ነቲ ናይ ምድሓን ስርሒት እናመራሕኩ ናብ ወደብና ክነእትዎም ኢና’ ክብል ሉዊጂ ንሬድዮ ኣብ ዝሃቦ ቃለመሕትት ገሊጹ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com