Friday , April 26 2024
Jessica Gow/TT

ቫተንፋል ዓማዊሉ ካሕሳ ክቕበሉ ምዃኖም ገሊጹ ተዛሪቡ።

ኣብ ኣፕሳላ ዘለዉ ዓማዊሉ ብሰንኪ ዝተኸስተ ህቦብላ ኣገልግሎት ማይን ኤለትሪክን ተኣጓጒሉዎም ኣብ ሆቴልን ኣብያተ መግብን ዘየድሊ ወጻኢ ንዘፍሰሱ ዓማዊሉ ካሕሳ ክቕበሉ ምዃኖም ገሊጹ ቫተንፋል ተዛሪቡ።

ናይቲ ኩባንያ በዓልመዚ መራኸቢ ብዙሃን ሚካኤል ቡርነር እዞም ዝተሃስዩ ሰባት ዝከሓሱሉ መምርሒ ምህላዉ ግና እዚ በበይኑ ክግበር ምዃኑ ገሊጹ።

እዞም ዝተሃስዩ ሰባት መጀመርታ ኣገልግሎት ዓማዊል ብምውካስ ዘፍሰስዎ ወጻኢታት ብዝርዝር ክሕበሩ ኣለዎም ።

“ዝተገዘአ ባተሪ፥ መውዓዪ ገዛ ዕንጨይቲ፥ ዓይነት መብራህቲ ወዘተ ኣብዚ ክጽብጸቡ ይኽእሉ እዮም።

እንተኾነ ግና ኹሉ ብመርትዖ ቕብሊት ዝተሰነየ ክኸውን ይግባእ።

ድሕርዚ ክፍሊ ጥርዓናት ዓማዊል እንታይ ይግቦኦም ኣብ ዝብል ክውስን እዩ” ኢሉ።

እዛ ኩባንያ ዓርቢ ስርሓ ጀሚራ ቀዳመ ሰንበት ነቲ ህቦብላ ዘስዓቦ ዕብወት ክትጽግን እያ


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com