Saturday , May 4 2024

ዩኒቨርሳላዊ ንቕሓት ቀዳማይ ክፋል

ሓንቲ ዓለም ብ ኣማኑኤል ሳህለ

ወድሰብ ብጥንቲ ኣብ ዓለም ኪነብር ከሎ፡ ነታ ዝነብረላ ዝነበረ ንእሽቶ ቍሸት ከም ዓለም ገይሩ ይወስዳ ነበረ። ክንዮ​’ቲ ኣብ ቅድሚኡ ዝነበረ ደረት​-ትርኢት ድማ ካልእ መሬት ዘሎ ኣይመስሎን ነበረ። ብምሕላፍ ዘመናትን​ ብዕቤት​ ኣእምሮኡን​ ግን​ እታ​ ዓለሙ​ ካብታ​ ቍሸቱ​ ሓሊፋ​ ካልኦት​ ሃገራት​ ክትጥርንፍ​ ጀመረት። 

ንሓደ ቘልዓ ከም ኣብነት ጌርና ክንወስዶ ንኽእል። እቲ ህጻን፡ ወዲ ሰለስተ ወርሒ ኸሎ፡ ግዜኡ እታ ዚድቅሰላ ዓራቱ ንሳ እያ ዓለሙ። ወዲ ሓደ ዓመት ኮይኑ ታተ ኪብል ምስ ጀመረ ግን እታ ንእሽቶ ክፍሊ​-ቤት ንሳ ዓለሙ ትኸውን። ብደገ ጫውጫው ዚብሉ ቈልዑ ኪሰምዕ ከሎ ድማ “ብዘይካ እዛ ንእሽቶ ቤተይ​’ዶ ካልእ ዓለም ኣሎ​’ዩ​?” ብምባል ይሓስብን የስተንትንን። ካብ ካንሸሎ ወይ ኣፍደገኡ ኪወጽእ ከሎ ኸኣ​’ሞ፡ ነቶም ጎረባብቲ ከም ካልኦት ፕላነታት፡ ነቲ ቀጽሪ ወይ ድማ ድሕሪ ኣፍደገ ዘሎ ጎልጎል ከም ዩኒቨርስ ወይ ህዋ ገይሩ ይወስዶ​ ይኸውን። 

ቍሩብ ጸኒሑ ኣብ ክልተ ዓመቱ ደጋጊሙ ንግዳም ኪወጽእ ምስ ጀመረ፡ ነቲ ኣብ ዙርያኡ ዘሎ ገዛውትን መገድታትን ብምዕዛብ፡ ነታ ዝነብረላ ገዛ ከም ቍሸት፡ ነታ ዝዓበየላ ቍሸት ድማ ከም ዓለሙ ገይሩ ኪወስዳ ይጅምር። ከምኡ ኢሉ እናጐበዘ ምስ ከደ ግን ብዘይካ ቍሸቱ ካልእ ቍሸታት ከም ዘለዋ፡ ብዘይካ ዓዱ ካልእ ዓዲ ከም ዘሎ፡ ብዘይካ ሰማዩ ካልእ ሰማይ ከም ዘሎ፡ ብዘይካ ምድሩ ካልእ ምድሪ ከም ዘሎ፡ ብዘይካ ሃገሩ ካልእ ሃገር ከም ዘሎ ይግንዘብ። ዘይፈልጦ ቋንቋን ባህልን ባህርያትን​” ዘይፈልጦም ዓሌታት፡ ዘይተመከሮ ንጥፈታት፡ ሰሚዑዎ ዘይፈልጥ ሃይማኖት ወይ እምነት፡ ብርቂ ዝኾነ ቍጠባውን ፖለቲካውን ኩነታት ይዕዘብን​ ይምኮርን።​ ብኣኡ​ መጠን​ ድማ​ ደረጃ​ ንቕሓቱን​ ምርምሩን​ ይውስኽን​ ይዓብን። 

ንሱ ክንዲ ሰብ ምስ ኮነ፡ ብኣዒንቱ ጥራይ ዘይኮነስ ብኣእምሮኡ ገይሩ ንነገራትን ንኣምራትን ይምርምር፡ ብዘይካ ዓሌቱ ካልእ ዓሌት፡ ብዘይካ ኣመጋግባኡ ካልእ ኣመጋግባ፡ ብዘይካ ትልሂቱ ካልእ ትልሂት፡ ብዘይካ ስነስርዓቱ ካልእ ስነስርዓት፡ ብዘይካ ፍልስፍናኡ ካልእ ፍልስፍና፡ ብዘይካ ኣመለኻኽታኡ ካልእ ኣመለኻኽታ፡ ብዘይካ​ ሃይማኖቱ​ ካልእ​ ሃይማኖት​ ከም​ ዘሎ​ ድማ​ የስተብህል። 

ወድሰብ ኣብ ዓለም ምስ መጸ፡ ንቕሓቱ ካብታ ዚቕመጠላ ዝነበረ ኦም ወይ በዓቲ ወይ ካብቲ ቀረባ ከባቢኡ ዚሓልፍ ኣይነበረን። ንሱን ሰበይቱን ደቁን ኣዝማዱን፡ እቶም ኣብ ዙርያኡ ዚዝምብዩን ዚጸናተዉን ዝነበሩ እንስሳታትን፡ እቶም ፍረታቶምን ሰራውራቶምን ዚምገቦም ዝነበረ ኣእዋምን፡ እዚኣቶም ኢዮም ዓለሙን ዩኒቨርሱን ዝነበሩ። ንኹሉ ነገራት ብናቱ ወይ ብናይ ቤተሰቡ ወይ ብናይ ዓዱ ኣእምሮኣዊ መምዘኒ ወይ መለክትዒ ገይሩ ኢዩ ዚመዝኖ ዝነበረ። አረ ንገዛእ ርእሱ ከም ፍሉይ ፍጥረት፡ ነታ ዚቕመጠላ በዓቱ ድማ ከም​ እንኮ​ መዕቆቢትን​ ናይ​ ህይወቱ​ መጀመርያን​ መወዳእታን​ ገይሩ​ እዩ​ ዚወስዳ​ ዝነበረ። 

ቀስ እናበለ ካብ በዓቱ ወጺኡ ናብ ደረጃ ቁሸት ምስ ሓለፈ፡ ኣብቲ ኣፈናዊ ማሕበራዊ ናብራ ድማ ምስ ተጸምበረ ግን ንቕሓቱ ብተዛማዲ መገዲ ኪውስኽ ጀመረ። ከምኡ እናበለ ማሕበራውን ቁጠባውን ፖለቲካውን​ ናብራኡ​ ቀየረ።​ እቲ​ ንቕሓቱ​ ድማ​ ብኣኡ​ መጠን​ ኪዓብን​ ኪምዕብልን​ ግድን​ ነበረ። 

ዓለምና ብደረጃ ኣህጉር ግዜኡ ዝሓለወን ተዛማድን ሓድሕዳዊ ንግዲ ከምኡውን ምትሕልላፍ ኣካደምያውን ተክኖሎጅያውን ባህላውን ስነጥበባውን ፍልጠት ምስ ኣማዕበለት፡ ንቕሓት ወድሰብ ናብቲ ናይ ዩኒቨርሳላውነት መገዲ ኪሰጋገር ንቡር እዩ። ከምዚ እናበለ፡ ኣብዚ እዋን​’ዚ፡ ወድሰብ ኣብቲ ዓውለማ ወይ ግሎባላይዘሽን (ንዓለም ከም ሓንቲ ሃገር ጌርካ ምርኣይን ኣብኣ ድማ ሓባራዊ ዝኾነ ጽዑቕ ንግዳውን ተክኖሎጂካውን​ ባህላውን​ ስነጥበባውን​ ንጥፈታት​ ምክያድ​) ዚብሃል​ ደረጃ​ ይርከብ​ ኣሎ። 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com