Tuesday , March 19 2024

ኣማኑኤል ሳህለ

ሓንቲ ዓለም…. ብ ኣማኑኤል ሳህለ…. ጻጸን ንህብን ስራሕን (Organized Force) …. (ክፋል 1 Part 1) . . .

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብ ኣማኑኤል ሳህለ …. መሰል ወድሰብ ….ካልኣይ ክፋል

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ናይ ሕልና ደወል (The Inner Voice)

ምሕሳው ነውሪ ኢዩ። ሓሶትን ስርቅን ከኣ ብሓደ ኢዩ ዚኸይድ። ህጻን ከሎኻ፡ ሓሳዊ ምስ እትኸውን፡ ብዘይ ፍቓድ ስድራኻ ገለ ነገር ኣልዒልካ ትወስድ እሞ፡ ኣቦኻ ወይ ኣደኻ መን ኢዩ ካብዚ ኸብሒ ገንዘብ ወሲዱ፧ ምስ ዚብሉኻ፡ ኣነ ኣይኮንኩን ትብል። እንተ ዘይትሰርቕ ኣይምሓሶኻን፡ ናይ ምሕሳው ዝንባሌ እንተ ዘይህልወካ ድማ ኣይምሰረቕካን። ወላዲ! ህጻናት ኪሕስዉ ከለዉ ኣብ ዓይነይ ረኣዩኒ በሎም። ገለ ፍሉያት ዘርኢ (ናይ ሕልናኣም ደወል …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. እከይ ከም ልምዲ (When Evil Becomes The Norm) … 2ይን ናይ መወዳእታ ክፋል

ኣብዚ ሞራላዊ ተዛማድነት (moral relativism) ሰፊኑሉ ዘሎ ዘመን፡ ስርቂ ከም ንግዳዊ ክኢላነት፡ ቅትለት ከም ጸጥታ ግዴታ፡ ብልሽውና ከም ዲፕሎማስያዊ ኣገባብ፡ ሓሶት ከም ፖለቲካዊ ሜላ፡ ወረራ ከም ምድሓን ሃገር፡ ሃገር ምሻጥ ከም ዞባዊ ምትሕብባር፡ ጥልመት ከም ሃገራዊ ረብሓን ዲፕሎማስያዊ ሽጣራን ወዘተ. ኮይኑ ይውሰድ ስለ ዘሎ፡ ዓለም ናበይ ገጻ ትኸይድ ከም ዘላ ንምፍላጥ ዘሸግር ኣይኮነን። እቲ ሕማም፡ ኣብቲ ኣብ መንጎ ሰባት ኪፈርድን …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. እከይ ከም ልምዲ (When Evil Becomes The Norm) … 1ይ ክፋል

ኣብ ናይዛ ዓለም ነዊሕ ጻንሒት፡ እኩይነት ወይ እከይ፡ ኣገዳሲ ተራ ተጻዊቱ ኢዩ። ምስ ስልጣነን እተሓላለኸ ማሕበራዊ ንጥፈታት እናማዕበለ ከይዱ (spiraling upward)፡ ኣብ መጠረስታ ድማ ናብ ልምዲ ተለዊጡ። መልሓስ ተበራቢሩ፡ ሕልና ግን ሞይቱ። ሕልና ዘይብሉ ህዝቢ ድማ ካብ ኣራዊት ምንም ፍልልይ ኪህሉዎ ኣይክእልን። ሃና ኣረንት እተባህለት ብዛዕባ እቲ ብግዜ ሂትለር ሓላፊ ዝነበረ ህቡብ ጨካን ናዚስታዊ ኣይኽማን ዚምልከት መጽሓፍ ዝጸሓፈት ኣይሁዳዊት ደራሲት፡ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ባህላዊ ግጥሚ ትግርኛ፡ መልቀስ (Tigrinya Folk Poetry, Dirge) … 2ይ ክፋልን መወዳእታን

ኣብ ባህልና፡ ደቀንስትዮ ዘይረኽብኦ መከራ የልቦን። ኩሉ ጠንቂ ጸገማት ናባታተን ኢዩ ዚድርበ። እቲ ጽቡቕ በቲ ሰብኣይ ኢዩ ዚመጽእ። ክፉእ እንተ ተጓነፈ ግን እታ ሰበይቲ ኢያ እትዋረድ። ከመዮ ሓንቲ ኣደ፡ ሰይቲ ወዳ ብናይ ጥንሲ ቅልውላው ተሰኒፋ ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ ከላ ኣብ መገዲ ምስ ሓረሰት ዝበለቶ ኢዩ፥ 'እዋይ ዝወደይ ዘይረኽቦ ዘይብሉ!!! ሓንቲ መርዓት ኣብ ሳልስቲ መርዓኣ እቲ መርዓዊ ይመውት። እታ ንዕልታ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ባህላዊ ግጥሚ ትግርኛ፡ መልቀስ (Tigrinya Folk Poetry, Dirge) … Part 1

ሓንቲ ሰበይቲ ነበራ፡ ኣቕላስያ ኢዩ ስመን፡ ካብ ጭዋታትን ዓበይትን ሰባት ከም እተወልዳ ንሰብ ከእምና ምሉእ ህይወተን ዘሕለፋኦ። እቶም ዚፈልጡወን ግን ኣይተገደሱለንን። ንሰን ሓደ እዋን ጥዕናአን እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ከም ዝነበረ ስለ ዘስተብሃላ፡ ናብ ሓደ ኣልቃሳይ ከይደን ኣብ ግዜ ቀብረን ብዛዕባ ጭውነተን ጠቒሱ ከልቅሰለን ይውከሳኦ። ንሱ ድማ ተሰማምዐ። ይኹንምበር ኣብታ ንሰን ዝሞታላ መዓልቲ፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ድማ ይመውት። ብድሕሪኡውን ናይቲ ኣልቃሲ ዘመድ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ሓድሽ ዓመት (New Year: The Old Garbage In A New Package)

ጸሓይ ድማ ትበርቕ፡ ጸሓይ ከኣ ትዓርብ፡ ናብቲ ዝበረቐትሉ ቦታ ክትምለስውን ትቕልጥፍ…….. ዓይኒ ብምርኣይ ኣይትጸግብን፡ እዝኒ ከኣ ብምስማዕ ኣይትመልእን፡ እቲ ዝነበረ ንሱ ኢዩ መሊሱ ዚነብር፡ እቲ እተገብረ ንሱ ኢዩ መሊሱ ዚግበር፡ ኣብ ትሕቲ ጸሓይ ሓድሽ ነገር ከቶ የልቦን፡ ይብል ንጉስ ሰሎሞን። ወላ ሓድሽ ዓመት? ከመይ ኢሉ ሓድሽ ነገር ዘየልቦ? ብምባል ዚሓትት ሰብ ኣይሰኣንን። ግን እቲ መጻኢ ወይ ሓድሽ ኢልና እንሰምዮ ነገራት …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ርሑስን ተካልን መዓልቲ ልደት (Once Upon A Christmas)

እስከ ኣብ ዝሓለፈ ዘመናትን ዓመታትን ንገለ ካብቶም ኣብ መዓልቲ ልደት ዘጋጠሙ ወይ እተፈጸሙ ነገራት ሓቢርና ንርኣዮም፥ ፈላምን ወግዓውን በዓል ልደት ብ 336 ዓ.ም፡ በዓል ልደት ንመጀመርያ ግዜ ኣብ ህዝበ ክርስትያን ብወግዒ ተባዒሉ። እዚ ድማ ሃጸይ ቆስታንቲኖስ ንክርስትና ከም ሃገራዊ ሃይማኖት ገይሩ ምስ ኣወጆ ኢዩ ተፈጺሙ። ክሳዕ ሽዑ ግን ካብ ልደት ንላዕሊ፡ ጥምቀት ኢዩ ዝያዳ ኣገዳስነት ዝነበሮ።   ኣብ ሃገር እንግሊዝ፡ …

Read More »

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ዘይትጽበዮ መልሲ (How’s That Again? )

ሳሚ፥ — (ወዲ ሰለስተ ዓመት፡ ናይ ኣቦኡን ኣዲኡን ናይ መርዓ ስእሊ ይርኢ) ወላዲ፥ — (ንዋዛ) ሳሚ ወደይ፡ ምስ ዓበኻ ክትምርዖ ዲኻ? ሳሚ፥ — እወ ወላዲ፥ — ንመን ኢኻ እትምርዖ? ሳሚ፥– ንኣዴኻ ወላዲ፥ — ዋእ! ….. ስለምንታይ? ሳሚ፥– እንታይ ደኣ ንስኻ ንኣደይ ትምርዓዋ!! (ተመሃሮ 1ይ ክፍሊ ሀ) መምህር፥ — እሺ፡ እምበኣር ሕጂ ምድማር ክንምሃር ኢና…….፡ ዳኒኤል፡ እዛ ሕቶ ንኣኻ ኢያ። ዳኒኤል፥ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com