Saturday , April 27 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ዘይትጽበዮ መልሲ (How’s That Again? )

  1. ሳሚ፥ — (ወዲ ሰለስተ ዓመት፡ ናይ ኣቦኡን ኣዲኡን ናይ መርዓ ስእሊ ይርኢ)
    ወላዲ፥ — (ንዋዛ) ሳሚ ወደይ፡ ምስ ዓበኻ ክትምርዖ ዲኻ?
    ሳሚ፥ — እወ
    ወላዲ፥ — ንመን ኢኻ እትምርዖ?
    ሳሚ፥– ንኣዴኻ
    ወላዲ፥ — ዋእ! ….. ስለምንታይ?
    ሳሚ፥– እንታይ ደኣ ንስኻ ንኣደይ ትምርዓዋ!!
  2. (ተመሃሮ 1ይ ክፍሊ ሀ)
    መምህር፥ — እሺ፡ እምበኣር ሕጂ ምድማር ክንምሃር ኢና…….፡ ዳኒኤል፡ እዛ ሕቶ ንኣኻ ኢያ።
    ዳኒኤል፥ — (ሓፍ ይብል)
    መመህር፥ — ኣቦኻ ክልተ ኣራንቺ እንተ ሂቡካ፡ ኣደኻ ድማ 5 ኣራንሺ እንተ ወሰኸትካ፡ ክንደይ ይኾነልካ?
    ዳኒኤል፥ — (ኣይምልሽን)
    መምህር፥ — ኢሂ ዳኒኤል? ክደግመልካዶ ነታ ሕቶ? (ይደግመሉ)
    ዳኒኤል፥ — (ኣይምልሽን)
    ተመሃሮ ብሓደ፥ — መምህር! …. ዳኒኤል ምስ ሓትንኡ ኢዩ ዚቕመጥ፡ ኣቦን ኣደን የብሉን!!!!!
  3. (ኣብ ከተማ ርሑቕ ምስራቕ ኣብ ዚርከብ ቤትመግቢ፡ ኣቶ ገሪማ ኪበልዕ ይኣቱ)
    ገሪማ፥ — እንታይ ኣሎኩም ዚብላዕ
    ኣሰላፊ፥ — ናይ ሎሚ እታ ዝበለጸት ኣላትና፡ መረቕ ስፐሻል ትብሃል
    ገሪማ፥ — ሓንቲ መረቕ ስፐሻል እምበኣር ኣምጽኣለይ
    ኣሰላፊ፥ — (ይቕርበሉ)
    ገሪማ፥ — (ባኒ ፈትፊቱ ቅሩብ ድሕሪ ምብላዕ ነቲ ኣሰላፊ ይጽውዖ) ኣሰላፊ!!!! ኣብቲ መረቐይ ድዱዕ ኣላ!!
    ኣሰላፊ ፥ — ኣታ ቀስ በል፡ እዞም ዝበልዑ ዘለዉ ከይሰምዑኻሞ፡ ንዓና ድማ ድዱዕ ግበሩልና ከይብሉና። …
    ድዱዕ ከኣ ወዲእና ኢና ኔርና፡ ከመይ ኢላ ኣብዛ ናትካ ከም እተረኽበት ገሪሙኒ ኣሎ፡ ዕድለኛ ኢኻ?
  4. ህጻን ሳሚ፥ — (ነታ ሻሹ እተባህለት ድሙ ኣብ ሸሓኒ ኣእቲዩ ይሓጽባ )                      ኣደ፥ — ኣታ ቖልዓ፡ እንታይ ኢዩ እቲ ገጽካ ተሓንፊጡ፡ እዛ ድሙ ዲያ ሓንፊጣትካ፡ ክትሓጽባ ከሎኻ ዲያ ሓንፊጣትካ?                                                                        ህጻን ሳሚ፥ — ኖ ኖ፡ ማማ፡ መጀመርያ ስቕ ኢላ ኢያ ተሓጺባ፡ ደሓር ግን ክጸምቋ ከሎኹ ኢያ ሓንፊጣትኒ።

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com