Friday , April 26 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ባህላዊ ግጥሚ ትግርኛ፡ መልቀስ (Tigrinya Folk Poetry, Dirge) … Part 1

ሓንቲ ሰበይቲ ነበራ፡ ኣቕላስያ ኢዩ ስመን፡ ካብ ጭዋታትን ዓበይትን ሰባት ከም እተወልዳ ንሰብ ከእምና ምሉእ ህይወተን ዘሕለፋኦ። እቶም ዚፈልጡወን ግን ኣይተገደሱለንን። ንሰን ሓደ እዋን ጥዕናአን እናኣንቆልቆለ ይኸይድ ከም ዝነበረ ስለ ዘስተብሃላ፡ ናብ ሓደ ኣልቃሳይ ከይደን ኣብ ግዜ ቀብረን ብዛዕባ ጭውነተን ጠቒሱ ከልቅሰለን ይውከሳኦ። ንሱ ድማ ተሰማምዐ። ይኹንምበር ኣብታ ንሰን ዝሞታላ መዓልቲ፡ ሓደ ሃብታም ሰብኣይ ድማ ይመውት። ብድሕሪኡውን ናይቲ ኣልቃሲ ዘመድ ይመውት። ወዮ ኣልቃሲ ኣብ ጸገም ይኣቱ፡ ግን ድማ ከም ገለ ገይሩ ናብቲ ቀብሪ ናይተን በዓልቲ ሕድሪ ሰበይቲ የርክብ። ደነጒዩ ከም ዝመጸ ግን ኩሉ ሰብ ኣስተብሂሉሉ ኢዩ።

 

ዝኾነኾይኑ፡ ንመልቀስትን ንሰብ ኣውሎን ዘረባ ኣይጠፍኦምን እንዲዩ፡ ክኢላ ኣልቃሳይ ከምዚ ዚስዕብ ገይሩ ኣልቀሰ ይብሃል፥

ከመይ ኢኽን እምበይተይ ኣቕላስያ

ከም ኣዴኻ ተብልዓ ተስትያ

ከም ሓውትኻ ተብልዓ ተስትያ

ምእዋይስኳ ናትክን ቀዲማ ተኣውያ

እንታይሞ ስጋንዶ ናብ ስጋኣ ኣድልያ

ረፈደ ኢልክን መልቀስ ኣይትእበያ።

 

ጓል ተምቤን ምርጫ ምበልኩኽን ነይረ

ጓል ሃጸይ ሃንስ ምበሉኩኽን ነይረ

ታይሞ ዓብስ ጥራይ ዓጽሚ ገረንገረ

ወሲዱክን እንዶ እኽልን ቕርሽን ዝዓቖረ።

——————————————————–

ኣብ ሓደ ዓዲ ድማ ሓደ ‘ጠቢብ’ ይመውት። መንሞ ከልቅሰሉ ኢዩ? ዓርኪ ግን ነይሩዎ ብሞቱ ዝጎሃየ፡ ከምዚ ዚስዕብ ገይሩ ድማ ኣልቀሰሉ ይብሃል፥

ማሕረሻ ዝሰራሕካ እንተላይ ፋስ

ጭዃሮ ዝሰራሕካ እንተላይ ፋስ

ጎዘሞ ዝሰራሕካ እንተላይ ፋስ

መስፈ ዝሰራሕካ እንተላይ ፋስ

ዓዃይ እንታይ ኣለዎ ዓዃይ ፈስፋስ

ቀሽስ እንታይ ኣለዎ ቀሺ ወልፋስ

ዓውድዶ ይኣቱ ብዘይ ንፋስ

ሰብኣይ ሞተ ናይ ኩልና ትንፋስ።

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com