Saturday , April 27 2024

ሓንቲ ዓለም …. ብኣማኑኤል ሳህለ …. ባህላዊ ግጥሚ ትግርኛ፡ መልቀስ (Tigrinya Folk Poetry, Dirge) … 2ይ ክፋልን መወዳእታን

ኣብ ባህልና፡ ደቀንስትዮ ዘይረኽብኦ መከራ የልቦን። ኩሉ ጠንቂ ጸገማት ናባታተን ኢዩ ዚድርበ። እቲ ጽቡቕ በቲ ሰብኣይ ኢዩ
ዚመጽእ። ክፉእ እንተ ተጓነፈ ግን እታ ሰበይቲ ኢያ እትዋረድ። ከመዮ ሓንቲ ኣደ፡ ሰይቲ ወዳ ብናይ ጥንሲ ቅልውላው ተሰኒፋ
ብኣምቡላንስ ናብ ሆስፒታል ክትከይድ ከላ ኣብ መገዲ ምስ ሓረሰት ዝበለቶ ኢዩ፥ 'እዋይ ዝወደይ ዘይረኽቦ ዘይብሉ!!!
ሓንቲ መርዓት ኣብ ሳልስቲ መርዓኣ እቲ መርዓዊ ይመውት። እታ ንዕልታ ግን ነቲ ጸገም በታ መርዓት ከም ዝመጸ ኢያ
ገምጊማ፡ ከምዚ ብምብል ድማ ኣልቂሳ፥
ንዕልቲ፥
ካብ ዝሕጸ ሾብዓተ ዓመቱ
ካብ ዝምርዖ ሰልስተ መዓልቱ
መጺኣቶ ዘይበዓልቲ ቤቱ።
መርዓት፥
ካብ ዝሕጸ ሾብዓተ ዓመተይ
ካብ ዝምርዖ ሰልስተ መዓልተይ
ሓኒቐዶ ቀቲለዮ ኣትን ንዕልተይ
ተማቐልኩ ደኣ ሓዘን እንዳማተይ
ገንዘበይ ሃቡኒ ፍለዩለይ ከብተይ።
——————————————————-
እስከ ነያ ዝብኢ ድማ ጅግና ኣቦኡ ምስ ሞተ ዘልቀሶ ንስምዓዮ፥
ኣቦየ መዓረየ!
ምልእቲ ላም ዝበልዕ ንበይኑ
ብዘይ ካራ ዚጠብሕ በስናኑ
ብዘይ ሓዊ ዚጠብስ ብዓይኑ
ኣቦየ መዓረየ!
ወዮ መቓብርካስ መጻወቲ ኣእዱግ ኮይኑየ።
————————————————————————–
ንመደምደሚ
ሓደ ሰብኣይ ኣብቲ ዝደለዮ ናይ ሓዘን ዳስ ዘይኮነስ ኣብ ካልእ ናይ ሓዘን ዳስ ብጌጋ ከይፈለጠ ይኣቱ፡ ቅድሚ ኮፍ ምባሉ ድማ፡
ኣደየ መዓረየ፡ ኣደየ መዓረየ እናበለ የልቅስ። ምስ ወደአ ኣብ ጥቓ ሓደ ሓዘንተኛ ኮፍ ይብል፥
ሓዘንተኛ፥ ኣንቱም ሰብኣይ፡ ዳስ ተጋጊኹም ከይትኾኑ፡ ኣብዚ ዝሞቱስ ኣቦና ባሻይ ዓይነታ ኢዮም፡ ሰበይቲ ኣይኮናን
እቲ ሰብኣይ፥ (ከም እተጋገየ ይፍለጦ፡ ኣብ መዋጥር ኢዩ ኣትዩ፡ ግን መውጽኢ ይደሊ) እንታይ መጺኡኒ ዝጋገ!
ሓዘንተኛ፥ እሞ ከመይ ደኣዩ ኣደየ ኣደየ እናበልኩም ከተልቅሱ ዝጸናሕኩም?
እቲ ሰብኣይ፥ ዋእ፡ ባሻይ ዓይነታ እኮ ከም ኣዴና ኢና ንርእዮም ዝነበርና፡ ኣዴኻኳ ከምቲ ንሶም ዝገበሩዎ ኣይትገብረልካን!!


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com