Saturday , May 18 2024

Khaled Abdu

መንግስቲ፡ ኣብ ሽወደን ብዘይሕጋዊ ኣገባብ ዝነብሩ ሰባት ክወጹ ዝኽእለሉ መንገድታት ኣመልኪቱ መርመራ የካይድ ኣሎ።

ብዲሞክራስያውያን ሽወደን ዝድገፍ መንግስቲ፡ ኣብ ሽወደን ናይ ምንባር መሰል ዘይብሎም ሰባት ክወጹ ዝኽእለሉ መንገድታት ኣመልኪቱ ተወሳኺ መርመራ የካይድ ኣሎ። ነቲ ሚኒስተር ስደተኛታት ማርያ ማልመር ስቴነርጋርድ ነቶም ኣብ ሽወደን ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም እናሃለዉ ዝነብሩ ሰባት “ዘይልለዩ ሕብረተሰብ” ኢላ ምጽዋዓ ዝፍለጥ እዩ። ሓደ ካብዞም ክትግበሩ ዝኽእሉ ስጒምቲታት፥ ሰራሕተኛት ኣብያተ ትምህርትን ክንክን ጥዕናን ፍቓድ መንበሪ ዘይብሎም ውልቀሰባት ምስ ዘጋጥሞዎም፡ ናብ ሰበስልጣን ክሕብሩ ግዴታ …

Read More »

ኣብ ገለ ቦታታት ሽወደን ቁጽሪ ጣንጡ ሰማይ ይዓርግ

ኣብ ታሕተዋይ ሩባ ዳል ኣብዚ ሓጋይ ኣዝዩ ብዙሕ ዕስለ ጣንጡ ተራእዮም። ኣብዚ ሓጋይ ብሰንኪ ዝወረደ ብርቱዕ ዝናብ፡ ሰብመዚ ነዘነ ደም መጣጦ ጣንጡ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ንምእታው ዝጥቀሙሉ ባዮሎጂካዊ ኣገባብ ዕንቅፋት ኮይኑ ምህላዉ፡ እቲ ጸገም ድማ ክጋደድ ዕድል ከም ዘሎ ተፈሊጡ። እቲ ብሄሊኮፕተራት ናብቲ ማያት ዝንስነስ ባዮሎጂካዊ ባእታ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ክትግበር ዘይምኽእሉ፡ በዚ ድማ ጣንጡ እንቋቚሐን ጸፍየን ብብዝሒ ይፋረያ ምህላወን …

Read More »

መንግስቲ ዜግነት ጒጅለታት ገበን ንምፍላጥ ድሌት ከም ዘለዎ ገሊጹ።

መንግስቲ ሽወደን፡ ዜግነት፡ ዕድመ ጾታን ካልእን ዝርዝራት ኣባላት “ጕጅለታት-ገበን” ክምርምር ከም ዝደሊ ገሊጹ። ኣብ ገበናዊ መርበባት ናይ ዝሳተፉ ሰባት ዜግነት ምፍታሽ ኣገዳሲ እዩ ዝበለ ኣባል ሰልፊ ሞድራትናን ሚኒስተር ፍትሒን ጉናር ስትሮመር፥ ኣብ ሽወደን ዘለዉ ጕጅለታት ገበን እንታይ ይመስሉ ንምፍላጥ መንግስቲ ሓፈሻዊ ስእሊ ክሕዝ ድሌት ኣለዎ፡ ምኽንያቱ ነዚ ተርእዮ ብዝበለጸ ንምርዳእ ክሕግዘና እዩ” ይብል። ኣብዚ ገበን ዝዋፈሩ ደቂ ሽወደን ዘይኮኑ ዜጋታት …

Read More »

ቤት ፍርዲ ንሓደ ኮተቴ ብገበን ቕትለት ፈሪድዎ።

ዓሚ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ማልም፥ መራሒ ጒሒላታት ተባሂሉ ንዝተገልጸ መንእሰይ ቀቲልካ ተባሂሉ ብጠርጠራ ተታሒዙ ዝነበረ ወዲ 16 ዓመት ኮተቴ፥ በቲ ተግባር ገበነኛ ኮይኑ ከም እተረኽበ ተፈሊጡ። እቲ ኣብቲ እዋን ወዲ 15 ዓመት ዝነበረ ኮተቴ ዓሚ ነሓሰ፥ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ኤምፖርያ ድሕሪ ዝፈነዎ ናይ ኣልማማ ተዂሲ፥ ሓንቲ ጓል ኣንስተይቲ ሓላፊት መገዲ ብኸቢድ ምቚሳላ ይፍለጥ። እታ ሰበይቲ ካብ ሞት እኳ እንተደሓነት እቲ …

Read More »

መንግስቲ ሽወደንን ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካን ሽወደን ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ናብ ኔቶ ከምእትጽንበር ይገልጹ

ካብ ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝኾኑ ኣባላት ኮንግረስ ኣሜሪካ ማይክል ማኮር ከምኡ’ውን ግረጎሪ ሚክስ ፥ ብዓርቢ ናብ ስቶክሆልም ድሕሪ ምብጻሕ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ፥ ሽወደን ዝመጽእ ጥቅምቲ ኣባል ኔቶ ክትከውን እያ ኢሎም ከም ዝኣምኑ ሓቢሮም። “ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ኣለዋ ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ሓድነት ኣሎና፡ ምስ ቱርክ ከኣ ኣድላዪ ልዝብ ክንገብረሉ ኢና፥ እዚ ናይ ግዜ ጒዳይ ጥራይ እዩ” …

Read More »

ኣብ ቤት ፍርዲ ስቶክሆልም ጉዳይ ገበን ኲናት ይረአ’ሎ።

ዝመጽእ ሰሉስ 5 መስከረም፥ ኣብ ታሪኽ ሕጊ ሽወደን እቲ ዝነውሐ ምዃኑ ዝንገረሉ መስርሕ ፍርዲ፥ ኣብ ቤት ፍርዲ ኣውራጃ ስቶክሆልም ክጅምር እዩ። እዚ መስርሕ ፍርዲ -ክሳብ ለካቲት 2026–ዝጸንሕ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብ “ሉንዲን ኦይል” ዝፍለጥ ኩባንያ ጸዓትን ክልተ ላዕለዎት ወከልቱን፥ ኣብ መንጎ 1999ን 2003ን ብወተሃደራዊ መንግስቲ ሱዳንን መሻርኽቱን ምልሻን ኣብ ዝተኻየደ ገበናት ኲናት ብምትሕብባሮም እዮም ተኸሲሶም ዘለዉ። እቲ ኲባንያ ኣካል ደቡብ ሱዳን …

Read More »

ንኣባላት ስድራቤት ናይቶም ነብሰ ቅትለት ዝፍጽሙ ሰባት ደገፍ ይረኽቡ የለዉን።

መብዛሕትአን ዞባታት ሽወደን ንኣዝማድ ነፍሰ-ቕትለት ዝፍጽሙ ሰባት ደገፍ ናይ ምሃብ ልምዲ ከም ዘይብለን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ዘካየደቶ መጽናዕቲ ኣመልኪቱ። ኣብ ሽወደን በብዓመቱ ኣስታት 1200 ሰባት ነፍሰ ቕትለት ከም ዝፍጽሙ ስታቲስቲክስ ሽወደን የመልክት። ሚክኤላ ኣቦኣ ጓል 24 ዓመት እናሃለወት እዩ ሞይቱ። ድሕሪኡ ዝኾነ ሓገዝ ከም ዘይተዋህበትን ብዘይካ ኣዴኣ ማንም ካልእ ኣብ ጎድና ከም ዘይነበረን ትገልጽ። ነፍሲ ወከፍ ካብዞም ህይወቱ ብገዛእ …

Read More »

ሞት ክልተ ደቂ 14 ዓመት ኮተቴ ምስ ጒጅለ ገበን ከም ዝተኣሳሰር ተሓቢሩ።

ኣብዚ ቀረባ እዋን ኣብ ከባቢ ስቶክሆልም ኣብ ዝርከብ ጫካ ሞይቶም ዝተረኽቡ ክልተ ደቂ 14 ዓመት ኮተቴ፥ ምስ ኣባላት ጒጅለታት ገበን ኣዕሊሎም ክኾኑ ከምዝኽእሉ ምንጭታት መደብ “ሬድዮ ሽወደን ፒ 3–ክሪም” ሓቢሮም። ሓደ ወዲ 15 ዓመት ኮተቴ እውን ኣብዚ ጉዳይ'ዚ ምስታፉን፡ ኣብዚ እዋን'ዚ ኣብዚ ጉዳይ ቅትለት ተሓባባሪ እዩ ብዝብል ተጠርጢሩ ምህላዉን ተፈሊጡ። ንሱ ነቲ ቅትለት ኣይወዓልኲዎን ክብል ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ ንፖሊስ …

Read More »

ማርያ ሚንዳማር ሓዳስ ዋና ዳይረክተር ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ኮይና ተመዚዛ።

ማርያ ሚንዳማር ሓዳስ ዋና ዳይረክተር ኤጀንሲ ኢሚግሬሽን ብምዃን፡ ነቲ ውዕሉ ብመንግስቲ ዘይተናውሐ ሚካኤል ሪበንቪክ ክትትክኦ እያ። ናይ ሕጊ ድሕረ ባይታ ዘለዋ ምኩርቲ ሰራሕተኛ ብምዃና እትሕበን ማርያ ሚንዳማር፥ ኣብ ካልእ መንግስታዊ ኤጀንሲ ኣብ ተመሳሳሊ ስራሕ ክትነጥፍ ዝጸንሐት እያ። ንዝሓለፋ ኣርባዕተ ዓመታት ዳይረክተር ጀነራል ኣገልግሎት ሽቕለት ብምዃን ክትሰርሕ ጸኒሓ’ላ። ማርያ ማልመ ስተነጋድ በዚ ምልመላ ሚንዳማር ሕጒስቲ ምዃና ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝገበረቶ ጋዜጣዊ …

Read More »

ምስ ኣልቃዒዳ ዝተኣሳሰረ ጉጅለ ኣብ ሽወደን ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ክካየድ ይጽውዕ

ምስ ግብረሽበራዊ ውድብ ኣልቃዒዳ ምትእስሳር ዘለዎ ጉጅለ፡ ኣብ ልዕሊ ሽወደን መጥቃዕቲ ግብረሽበራ ክካየድ ይጽውዕ ኣሎ። እቲ ምፍርራሕ ናብቶም ቁርኣን ዘቃጽሉ ሰባትን ፖሊስን ዝቐንዐ እዩ። ኣደ መንበር ማሕበር ኣባላት ፖሊስ ሽወደን ካታሪና ፎን ሲዶው፡ ፖሊስ ብፍሉይ ተረቚሖም ግዳያት መጥቃዕቲ ክግበሩ ምዃኖም ምፍርራህ ክወርዶም ምስማዕ ሓደገኛነት እቲ ጒዳይ ዘርኢ እዩ ክትብል ገሊጻ’ላ።  

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com