Tuesday , July 16 2024

ፖሎቲካ

ንምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ብኣግኡ ዘድምጹ እናወሰኸ ይመጹ

ኣብ ሽወደን ሰባት ኣቐድም ኣቢሎም ክመርጹ ይደልዩ ምህላዎም፥ ድሮ ኸኣ ልዕሊ ሓደ ሚልዮን ህዝቢ ኣብ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ድምጾም ምሃቦም ተፈሊጡ፡፡ ኣብተን ቀዳሞት 12 መዓልታት ኣቐዲሞም ድምጾም ብ ምሃብ ምስ ናይ ዓሚ ምርጫ ኤውሮጳ ብምንጽጻር ብውሑዱ 32% ዝያዳ ሰባት ድሮ ኣድሚጾም ኣለዉ። ዋና ኣካያዲት ስራሕ በዓል መዚ ምርጫ ሽወደን ኣና ኒክቪስት፡ ሰባት ብመገሻ ክኸዱ ወይ ድማ ኣብ ቤቶም ዘሕልፍዎ ግዜ …

Read More »

ኢትዮጵያ ኣብ ኲናት ትግራይ ምጽናት ዓሌት ከም ዝፈጸመት ዝሕብር ጽኑዕ መርትዖ፡ ጸብጻብ

ፀብፃብ ኢትዮጵያን መሻርኽቱን ‘ንተጋሩ ከም ብሄር ንምጥፋእ ዕላማ ከምዝነበሮምን ኣብ ICJ ክኽሰስ ይፅውዕ። ኣብ እዋን ኩናት ትግራይ ሓይልታት ኢትዮጵያ ናይ ዓሌት ምጥፋእ ተግባር ከምዝፈፀሙ ዘስደምም መርትዖታት ከምዘለው ሓዱሽ ፀብፃብ ደምዲሙ። እቲ ብሰሉስ ኣብ ኣሜሪካ ዝመደበሩ ትካል ኒው ላይንስ ኢንስቲትዩት ዝተዘርግሐ 120 ገጻት ዝሓዘ ረቂቕ፡ ሓይልታት ኢትዮጵያን መሻርኽቶምን ኣብቲ ኣብ መንጎ 2020 ዝተኻየደ ግጭት “ገበን ምጽናት ዓሌት ዝቖሙ ተግባራት” ከምዝፈጸሙ ዝገልጽ …

Read More »

እስራኤል ኣብ ጋዛ ተወሳኺ ኣርባዕተ ምሩኻት ከምዝሞቱ ኣረጋጊጻ

ሰራዊት እስራኤል ብ7 ጥቅምቲ ብሓማስ ዝተጨውዩ ተወሳኺ ኣርባዕተ ሰባት ከምዝሞቱ ከምዘረጋገጸ ገሊጹ። እቶም ኣርባዕተ ኣብ ደቡባዊ ጋዛ ኣብ ዝርከብ ካን ዩኒስ እስራኤል ኣብ ዘካየዶ ስርሒት ብሓባር እንከለዉ ከምዝተቐትሉ ዝገልጽ ኮይኑ፡ ሬሳታቶም ክሳብ ሕጂ በቶም ዕጡቓት ከምዝተታሕዘ ይገልጽ። እቶም ሰባት፡ ወዲ 51 ዓመት እንግሊዛዊ-እስራኤላዊ ናዳቭ ፖፕልዌል፡ ወዲ 79 ዓመት ቻይም ፐሪ፡ ወዲ 80 ዓመት ዮራም ሜትዝገርን ወዲ 85 ዓመት ኣሚራም ኩፐርን …

Read More »

ባይደን፥ ዩክሬን ገለ ዕላማታት ሩስያ ብኣጽዋር ኣሜሪካ ክትሃርም ይፈቅድ

ፕረዚደንት ኣሜሪካ ጆ ባይደን፥ ዩክሬን ኣብ ሩስያ ንዝርከቡ ዕላማታት ንምውቃዕ ብኣመሪካ ዝቐርብ ኣጽዋር ክትጥቀም ፍቓድ ሂቡዋ'ኳ እንተነበረ፥ እዚ ንከባቢ ዞባ ካርኪቭ ጥራይ ምዃኑ ሰበስልጣን ኣሜሪካ ገሊጾም። ሓይልታት ሩስያ ኣብ ዞባ ካርኪቭ ኣብ ዝሓለፉ ሰሙናት ዓወታት ኣመዝጊቦም ኣለው። ብዓርቢ ሩስያ ኣብ ከባቢ ከተማ ካርኪቭ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ህንጻ ብዝተፈጸመ ደብዳብ ሰለስተ ሰባት ክሞቱ እንከለዉ 16 ድማ ምቚሳሎም ሰብመዚ ዩክሬን ገሊጾም። እቲ …

Read More »

ሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራሲ ህዝባዊ ደገፎም ምንቊልቋል የርኢ

ብቕድሜና ዘሎ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተኽየደ ዳህሳስ ደገፍ ሰልፍታት ንሰልፊ ማሕበራዊ ዲሞክራትና ዘሎ ደገፍ ብ 3.6% ከምዝነከየ ተሓቢሩ። ነዚ ዳህሳስ ብስም ሬድዮ ሽወደን ዘካየደ ኢንዲካተር ኦፒንዮን እዩ። እቲ ሰልፊ ኣብ መረጽቲ ዘለዎ ደገፍ ኣብ 28.7% እዩ ዘሎ። እዚ ድማ ካብቲ ኣብ ዝሓለፈ ምርጫ ሕብረት ኤውሮጳ ዘመዝገብዎ ነጥቢ ዝሓሸ ኮይኑ፥ ኣብ ባይቶ ካልእ መንበር ክረኽቡ እዮም ማለት እዩ። ሰልፊ …

Read More »

ማእከላይ ፓርቲ፡ “ኣብ ሽወደን ዓመታዊ ሓደ ሽሕ ሓረስቶት ንኸስር ኣሎና”

ሬድዮ ሽወደን ምስቶም ኣብ ባይቶ ኤውሮጳ ንምርጫ ዝቐረቡ ላዕለዎት ሕጹያት ሰልፊ እትገብሮ ዘላ ተኸታታሊ ቃለ መሕትት ዝዛዝም ዕላል ምስ ሕጽይቲ ሰልፊ ማእከል ኤማ ቪስነር ጌራ’ላ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ንፍረድሪክ ፈደረሊ ኣብ ዝትክኣሉ እዋን ኣብ 28 ዓመታት ዝነኣሰት ኣባል ባይቶ ሽወደን ዝነበረት ኤማ ቪስነር ካብ ሰልፊ ማእከል እያ። ቪስነር ገና ጓል 13 ዓመት እናለወት፥ ናይ ኣል ጎር ፊልም “ዘ ኢንኮንቪንዬንት ትሩዝ” …

Read More »

ድሕሪ ዓሰርተታት ዓመታት ንፈለማ እዋን ኣብ ምሕዝነት ኣሜሪካን እስራኤልን ምድኻም ይረአ

ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብዚ ሰሙን’ዚ ንገለ ክፋል ናይቲ ኣብ ዓለምና ሓደ ካብቶም ኣዝዮም ስትራተጂያዊ ዝበሃሉ ዝምድናታት ምቕያሩ ይግለጽ ኣሎ። ባይደን ኣብ ቲቪ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት እስራኤል ኣብ ልዕሊ ራፋሕ ውጥን ወራር እንተቐጺላ እንታይ ክፍጠር እዩ ተባሂሉ ኣብ ዝተሓተተሉ እዋን “ቀረብ ኣጽዋር ከቋርጽ እየ” ኢሉ እዩ መሊሱ። ሰደድ ኣጽዋር ዓንዲ ሕቖ ኪዳን ኣመሪካን እስራኤልን እዩ። ድሕሪ ኣርብዓ ዓመታት ንፈለማ እዋን …

Read More »

ኣማንዳ ሊንድ ሓዳስ ልፍንታዊት መራሒት ሓምለዋይ ሰልፊ ኮይና

ኣማንዳ ሊንድ ሓዳስ ልፍንታዊት መራሒት ሓምለዋይ ሰልፊ ኮይና። ትማሊ ሰንበት ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ ድሕሪ እተዋህበ ድምጺ፡ ዝበዝሑ ኣባላት ደጊፎም ገሊጾምላ ኣለዉ። ሓምለዋይ ክልተ ናይ ሓባር ”ኣፈኛታት”፣ ሓደ ወዲ ተባዕታይን ሓንቲ ጓል ኣንስተይትን ናይ ምግባር ልምዲ ኣለዎ። እቲ ካልእ ልፍንታዊ መራሒ ድማ ዳኒኤል ሄልደን እዩ። ብኻልእ ዜና ካብ ሽወደን ወጻኢ ዝተወልዱ ወለዲ ካብቶም ሽወደናዊ ድሕረ ባይታ ዘለዎም ወለዲ ብዝበዝሕ መጠን …

Read More »

“ሽወደን ኣብ መዓስከራት ሶርያ ንዝርከቡ ኣባላት ዳዕሽ ዝኾኑ ዜጋታታ ክምለሱ ኣይትሕግዞምን እያ” ሚ/ጒ/ወ

ሽወደን ነቶም ኣብ ሰሜናዊ ምብራቕ ሶርያ ኣብ ዝርከብ መዓስከራት ተህድሶ ዳዕሽ ዝጸንሑ ምስሽወደን ርክባት ዘለዎም ሰባት ናብ ሃገሮም ክምለሱ ኣይትሕግዞምን እያ። እዚ ንኹሉ ኣብኡ ዘሎ ሰብ እንተላይ ንህጻናት ዝመልክት ምዃኑ ተገሊጹ’ሎ፡፡ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ንTV4 ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ– እቶም ሽወደናውያን ብወለንታኦም ወጺኦም ናብ ሓደ ካብቶም ኣብ ዓለምና ብጭክኔኦም መዘና ዘይርከቦም ግብረሽበራዊያን ውድባት ምጽንባሮም ክርሳዕ የብሉን ክብል ወሲኹ …

Read More »

ምሉእ ሓበሬታ መዝገብ ክታበት ሽወደን ዘሪቑ

ኤጀንሲ ህዝባዊ ጥዕና ሽወደን፡ ምሉእ ሓበሬታ ሃገራዊ መዝገብ ክታበት ዘሪቑ እዩ ዝብል ጥርጣረ ከም ዘሎዎ ገሊጹ። እቲ መዝገብ ሓበሬታ ክታበት ኣስታት 7 ሚልዮን ሽወደናውያን ዝሓዘ እዩ። እዚ ሓበሬታ ክዘርቚ ዝገበረ ኣማኻሪ ኣይቲ እዩ ተባሂሉ ከም ዝጥርጠ ተሓቢሩ’ሎ። በዚ ድማ ሕጊ ምስጢር ጥሒስካ ብዝብል ተኸሲሱ ኣሎ። እቲ ኣማኽሪ ነዚ ገበ ንኣይወዓልኲዎም ክብል ነቲ ክስታት ክሒድዎ’ሎ። እዚ እናኾነ “ኣገልግሎት ስለያ ሽወደን ሳፖ” …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com