Thursday , April 25 2024

ፖሎቲካ

መንግስቲ ሰፊሕ ምስፍሕፋሕ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ኣፍሊጡ

መንግስትን ሰልፊ ደሞክራትናን ኣብ ሽወደን ሓድሽ ኒዩክለራዊ ሓይሊ ንምህናጽ ኣብ ዝሕግዝ መርሓ ውጥን ተሰማሚዖም። እንተወሓደ ምስ ክልተ ዓበይቲ ሪኣክተራት ዝመጣጠን 2500 ሜጋዋት ዘመንጩ ሓድሽ ኒዩክለራዊ ሓይሊ እንተደንጎየ ክሳብ 2035 ክቐርብ ድሌት ኣለዎም። ከምኡ’ውን ክሳብ 2045 ምስ 10 ሓደስቲ ርያክተራት ዝመጣጠን ሰፊሕ ተወሳኺ ምስፍሕፋሕ ከምዘድሊ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

ሃንጋሪ ንሽወደን ዝኣተወቶ መብጽዓኣ ክትፍጽም ጸሓፊ ኔቶ ይጽውዕ

ሃንጋሪ ነቲ ሽወደን ብዘይ ወዓል ሕደር ናብ ኔቶ ንምጽንባር ዝጸንሐ ጻዕሪ ከተጽድቖ ዋና ጸሓፊ ጀንስ ስቶልተንበርግ ኣተሓሳሲቡ። ካብተን 31 ኣባላት ኔቶ ብዘይካ ክልተ ማለት ቱርክን ሃንጋሪንን ኣባልነት ስቶክሆልም ፈሪመን ኣለዋ። ስቶልተንበርግ ምስ ፕረዚደንት ሃንጋሪ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝገበሮ ዝርርብ “መንግስቲ ሃንጋሪ ን ሕቶ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ክትደናጐ የብላን” ኢሉ’ሎ። ሃንጋሪ ነዚ ነዚ መብጽዓ እትፍጽመሉ ግዜ ሕጂ እዩ። ባይቶ ሃንጋሪ …

Read More »

ኣቦ ኣንጀሊና ጆሊ፥ ጓሉ ኣብ መጥቃዕቲ እስራኤል ን ዘለዋ ኣረኣእያ ይነቅፍ።

ኣቦ ኣንጀሊና ጆሊ ጆን ቮይት፡ ጓሉ ኣብ ኲናት እስራኤልን ሓማስን ዝሃበቶ ርእይቶ “ሓሶት” ምዃኑ ብምንቃፍ ከሲሱዋ። እታ ፍልይቲ ልእኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት ዝነበረት ጓል 48 ዓመት ተዋሳኢት ኣንጀሊና ጆሊ፡ ኣብ ቀረባ እዋን እስራኤል ኣህጒራዊ ሕጊ ብዝጥሕስ ኣገባብ “ኮነ ኢላ ንህጻናት፡ ደቂ ኣንስትዮ፡ ስድራቤታት፡ መግቢ፡ መድሃኒትን ሰብኣዊ ሓገዝን ዓጽያ” ብምባል ምኽሳሳ ዝፍለጥ እዩ። ከም ግብረመልሲ ናይዚ ክሲ ወዲ 84 …

Read More »

ሽወደን ንዲሞክራስያዊ ተቓውሞ ቤላሩስ ክትድግፍ እያ

ሽወደን ኣብ ቤላሩስ ደሞክራስያዊ ለውጢ ንምምጻእ ንዝሰርሑ ትካላትን ውልቀሰባትን ተወሳኺ ደገፍ ክትገብር ምዃና ገሊጻ። ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም ነዚ ዝገለጸ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ርእሰ ከተማ ሊትዋንያ ቪልኒየስ ምስ ሊትዌንያዊ መዘናኡ ከምኡ’ውን መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ቤላሩስ ሳድላና ቲኺቶቭስኪያ ድሕሪ ዝገበሮ ርክብ እዩ። ሓደ ካብዚ ሽወደን እትገብሮ ሓገዛት ኣብ ቤላሩስ ንዝርከብን መንግስቲ ቤላሩስ ኣብ እዋን ሃገራዊ ምርጫ 2020 እተፈጸሙ ምግሃስ …

Read More »

ኣንጀሊና ጆሊ ንተግባራት እስራኤል ኣብ ጋዛ ኮኒና፣ 250 ፍሉጣት ሰባት ተኹሲ ደው ክብል ይሓቱ

ንነዊሕ እዋን ፍልይቲ ልእኽቲ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ስደተኛታት ሕቡራት ሃገራት (UNHCR) ኮይና ዘገልገለት ከምኡ’ውን ህብብቲ ተዋሳኢት ሆሊዉድን ነጣፊት ሰብኣዊ ሓገዝን ኣንጀሊና ጆሊ፡ እስራኤል ኣብ ቓዛ ዝወሰደቶ ወተሃደራዊ ስጉምትታት ብትሪ ነቒፋ። ብፍላይ ንሰብኣዊ ህልቂት ቓዛ ብምልዓል “ንልዕሊ ዕስራ ዓመታት ገፋሕ ቤት ማእሰርቲ ኮይና እያ ጸኒሓ” ክትብል ኣንጆሊና ተቓውሞኣ ኣስሚዓ’ላ። ክሳብ ህጂ ዝቕጽል ዘሎ ዘስካሕክሕ ክባን ደብዳብን ቓዛ፡ ንስነጥበባውያንን ፍሉጣት ሰባትን ሓዊሱ ብርክት …

Read More »

ምስ ምውሳኽ ደረጃ ስግኣት ግብረሽበራ ኣብ ህዝቢ ዝእከበሎም ቦታታት ቦርሳ ምሓዝ ክኽልከል እዩ

ምስ ምውሳኽ ደረጃ ስግኣታት ግብረሽበራዊ መጥቃዕቲ ፖሊስ ሽወደን ኣብ “ዓበይቲ ኣጋጣሚታት” ቦርስታት ከይተሓዙ ጊዶም ኣለዉ። እቲ እገዳ ንኹሉ ዓይነት ቦርሳታት ዝሽፍን ኮይኑ፡ ኣድላዪ ኣብ ዝኾነሉ ንሕክምናኢ ጒዳያት ጥራይ ክፍቀድ እዩ። ኣካያዲ ጸጥታ ክለብ ኩዕሶ እግሪ ማልሞ ኤፍ ኤፍ ፒተር ናርቤ፡ እቲ እገዳ ኣብ ብዙሕ ህዝቢ ዝእከበሉ ኣጋጣሚታት ስግእታት ጸጥታ ከቃልል ከምዝኽእል እኳ ዝቕበል እንተኾነ ብዛዕባ እቲ እገዳ ዘይፈልጡ ኣጋይሽ ዘይድሊ …

Read More »

ኣብ ትካላት ኣይሁድ ተወሳኺ ውሕስነት ንምርግጋጽ 10 ሚልዮን ክሮና ክወሃብ እዩ

መንግስቲ ሽወደን ኣብ ጒዳያት ጸጥታ ዝውዕል 10 ሚልዮን ክሮና ንወግዓዊ ቤት ምኽሪ ማሕበረሰባት ኣይሁድ ሎሚ ዓመት ክህብ እዩ። እቲ ገንዘብ ኣብ ሽወደን ዝርከባ ጉባኤታት ኣይሁድ፡ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ኣብያተ ትምህርትን ዝህሉ ኲነታት ጸጥታ ንምምሕያሽ ዝውዕል እዩ። እዚ ብመንግስትን ዲሞክራስያውያን ሽወደንን ዝተበጽሐ ውሳነ፡ ድሕሪ’ቲ ሓማስ ኣብ ልዕሊ እስራኤል ዘካየዶ ግብረሽበራዊ መጥቃዕትን ሳዕቤናቱን ኣብ ሽወደን ኣብ ልዕሊ ኣይሁድ ዝፍጸም ስግኣታት እናወሰኸ ብምምጽኡ ምዃኑ …

Read More »

ኣብ ሓምላይ ሰልፊ ኣብ ምሕጻይ ሓባራዊ መሪሕነት ዘይምርድዳእ ተራእዩ 

ሽማግለ ምቕራብ ሕጹያት ሓምላይ ሰልፊ፡ ዳኒኤል ሄልደን ምስ ናይ ሕጂ መራሒት ማርታ ስቴነቪ ብምዃን ሓባራዊ መራሒ ናይቲ ሰልፊ ክኸውን ሕጹይ ገይሩ ኣቕሪብዎ ። ዳኒኤል ሄልደን ኣባል ባይቶ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕጂ ኣብ ስቶክሆልም ኣባል ባይቶ ምምሕዳር ከተማ ኮይኑ እዩ ጸኒሑ። እቲ ሰልፊ ኣብ ዝመጽእ ሕዳር ኣብ ዝገብሮ ሃገራዊ ዋዕላ፥ ካብ ክልቲኦም መን ነቲ ውድብ ከም ዝመርሕ ብወግዒ ክውስን እዩ።

Read More »

ፊንላንድ ብዘይ ሽወደን ናብ ኔቶ ኣይክትጽነርን እያ ተባሂሉ።

ፊንላንድ ምስ ሽወደን ብሓደ ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ–ክትጽንበር ከም እትደሊ ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስቶ ገሊጹ። ንሱ ነዚ ዝበለ ፊናንድ በይና ኣብ መስርሕ ኣባልነት ኔቶ ክትቅጽል ድያ ዝብል ሕቶ ምስ ቀረበሉ እዩ’። ኒኒስትሮ ብ ሰንበት ምስ ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶልተንበሪ ብሓባር ጋዜጣዊ ዋዕላ ሂቡ ምንባሩ ዝዝከር እዩ። ፕረሲደንት ፊንላንድ ቱርኪ ኣባባልነት ሽወደንን ፊናልንድን ዝሓዘቶ መርገጺ ከም ዘገርሞ እንተኾነ ግና ንቱርኪ ብጥንቃቐ ይሰምዕዋ …

Read More »

ማእከላይ ሰልፊ ኣብ ጒዳይ ጡረታ ንማሕበራዊ ዴሞክራሲ ደጊፋ።

ሰልፊ ማእከላይ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝተበጽሐ ውዕል ጡረታ ክድግፍን፡ ጽባሕ ረቡዕ ንባጀት መንግስቲ ድምጹ ክህብ ምዃኑን፡ መራሒት እቲ ሰልፊ ኣኒ ሎፍ ገሊጻ። እንተኾነ ግና፡ እቲ ካልእ ማእከላይ የማናይ ሰልፊ ከምኡ’ውን ሰልፊታት የማናይ ክንፊ፡ ነቲ ሓድሽ ውዕል ጡረታ ደው ከብሎን ናብ ደምበ ባይቶ ከቕርቦን ከም ዝኾነ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ኣብ ዝመጽእ መስከረም ዝካየድ ምርጫ ኣመልኪቱ፡ ማእከላይ ሰልፊ መሪጽዎ ዘሎ ኣገባብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com