Tuesday , May 7 2024

ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትሃንጾ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ተወሳኺ ድሕነታዊ ሽግር ይፈጥር

(Sputnik, Kremlin Pool Photo via AP) XAZ918

ሩስያ ኣብ ዞባ ኣብካዝያ ቀዋሚ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ዝሓሰበቶ ውጥን ኣመልኪቶም ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ክብሉ 50 ኣባላት ባይቶ ተቓወምቲ ጆርጅያ ንኣባላት ሃገራት ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ብጥብቂ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ውጥን ክረምሊን፡ ነታ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትጽንበር ተስፋ እትገብር ከምኡ’ውን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ወደብ ናይ ምህናጽ መደብ ዘለዋ ጆርጅያ፡ ናብ ኲናት ሩስያን ዩክሬን ጎቲቱ ከእቱ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዓዒሉሎ። ን ጎበጣ፣ ከምኡ’ውን ዞባታት ጆርጅያ ንምሕዋስ ዝዓለመ ወተሃደራኢ ምንቅስቓስ ሩስያ ብሙሉእ ድምጺን ንኹንኖ ዝብል መግለጺ እቶም ኣባላት ባይቶ ተነቢቡ’ሎ። ቅድሚ ሰሙናት መራሒ ኣብካዝያ ኣስላን ብዛንያ ኣብ ወደብ ጸሊም ባሕሪ ኦቻምቺረ ቀዋሚ መደበር ሓይሊ ባሕሪ ምስ ክረምሊን ስምምዕ ከምዝተኸተመ ኣረጋጊጹ ነይሩ። ኣብካዝያ ከም ኣካል ጆርጅያ ብዓለምለኻዊ ደረጃ ተፈላጥነት ዘለዋ ኮይና፡ ካብ 1990ታት ጀሚራ ግን ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ሩስያን ተገንጸልቲ ሓይልታትን እያ ትርከብ። ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ጆርጅያ ነቲ ውጥን ሩስያ ንልዑላውነትን ግዝኣታዊ ምሉእነትን ጆርጅያ ብኸቢድ ዝጥሕስ ክብል ኮኒንዎሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com