Wednesday , May 8 2024

ፖሎቲካ

ሽወደንን ፊንላንድን ን ኣባልነት ኔቶ ሕቶአን ኣእትየን።

ትማሊ ረቡዕ፡ ሰዓት 8 ናይ ንግሆ፡ ኣምባሳደራት ሽወደንን ፊንላንድን ናብ ኔቶ ናይ ኣባልነት መመልከቲኦም ኣእትዮ ኣለዉ። ሽወደን፡ ናብዚ ወተሃደራዊ ጥምረት ብምምልካት፡ ነቲ ንዓሰርተታት ዓመታት ሒዛቶ ዝነበረት ናይ ዘይሻራነት ፖለቲካ ትገድፍ ብምህላዋ፡ እዚ ውሳነ ታሪኻዊ እዩ ተባሂልሉ’ሎ። ዋና ጸሓፊ ኔቶ ሃንስ ስቶለተንበሪ፡ ኣብ ብራስለስ ኣብ ዝተኸየደ ጽንብል፡ “ንፊንላንድን ሽወደንን እንቋዕ ብደሓን መጻእክን ክብለን እደሊ” ኢሉ’ሎ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ፡ ኣምባሳደራት ሽወደንን ፊንላንድን፡ ሎሚ ናይ ኔቶ ኣባልነት ንምእታው …

Read More »

ቱርኪ ን ኣባልነት ኔቶ ብድምጺ ክትእግድ ከም እትኽእል ኣጠንቂቓ።

ቱርኪ፡ ሕቶ ኣባልነት ኔቶ ሽወደንን ፊንላንድን ከም እትቃወም ኣፍሊጣ። ሽወደን፡ ንመንግስቲ ቱርኪ ዝቃወሙ “ግብረሽበራውያን’ ጒጅለታት ተዕቊብ እያ፡ ብምባል እያ ቱርክ ነዚ መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፋ ዘላ። ሽወደን፡ ምስ ገለ ሃገራውያን ተቓለስቲ ኲርድ ምድንጋጽ ተርኢ እያ፡ ክብል ኣብ ዩኒቨርሲቲ ስቶክሆልም ዳይረክተር ትካል መጽናዕቲ ቱርክ፡ ፖል ለቪን ይገልጽ። ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን እንተኾይና፡ ናይ ቱርክ ሓዊስካ ፍቓድ 29 ኣባል ሃገራት እቲ ውድብ ክትረክብ ከድልያ እዩ። ሚኒስተር ጒዳያት …

Read More »

ኣን ሊንድ ናይ ኔቶ ኣባልነት ከቲማ።

ሎሚ ረቡዕ ንግሆ፡ ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ፡ ወግዓዊ ናይ ኔቶ ኣባልነት ቅጥዒ ምኽታማ፡ ሬድዮ ሽወደን ገሊጻ። እዚ ምእታው ሕቶ ኣባልነት፡ ምስናይ ሕቶ ፊንላንድ፡ ብኣምባሳደር ሽወደን ኣብ ኔቶ ብራስለስ ክኣቱ ምዃኑ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። “እዚ ዓብዪ ኣጋጣሚ እዩ፡ ረዚን ከኣ” ኢላ’ላ ኣን ሊንድ።

Read More »

ፊንላንድን ሽወደንን ኢድ ንኢድ ተተሓሒዘን ናብ ኔቶ ክጽንበራ እየን።

ሽወደንን ፊንላንድን፡ ብሓባር ጽባሕ ረቡዕ ናይ ኔቶ ኣባልነት ሕቶአን ናብ ብራስለስ ከእትዋ እየን። .ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን፡ ማግዳሌና ኣንደርሾን ከምኡ’ውን ፕረሲደንት ፊንላንድ ሳውሊ ኒኒስቶ፡ ኣብ ዝሃብዎ ናይ ሓባር ጋዜጣዊ መግለጺ ክልቲኣተን ሃገራት ታሪኻዊን ናይ ምትሕግጋዝን ርክባት ከም ዝጸንሐን ድሕሪ ምግላጽ፡ እዚ ስጒምቲ ብሓብር ክወስዳ ኣገዳሲ ኮይኑ ከም እተራእዮም ገሊጾም ኣለዉ። “ኣብ መላእ እዚ መስርሕ፡ ኢድ ንኢድ ተተሓሒዝና ክንምርሽ ተሰማሚዕና ኣሎና” ክትብል ቀ/ሚ ማግዳሌና ኣንደርሾን …

Read More »

ልዕሊ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ኖርዌጃውያን ብሩስያ ከም ዝሰግኡ ተገሊጹ።

ልዕሊ ሓደ ካብ ኣርባዕተ ኖርዌጃውያን፡ ሩስያ ን ኖርወይ ስግኣት እያ ኢሎም ከም ዝኣምኑ፡ ኢን-ፋክት ን ጋዜጣ ኣፍቶንብላደት ወኪሉ ኣብ ዝገበሮ ዳህሳስ ኣመልኪቱ።. ክሳብ 28.9% ዝኾኑ ኖርዌጃውያን፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ኖርወይ እተውርዶ ስግኣት “ልዑል” ወይ “ኣዝዩ ልዑል” እዩ ክብሉ እንከለዉ፡ 28.7% ዝኾኑ ድማ “ንኡስ” ወይ “ኣዝዩ ንኡስ” እዩ ኢሎም ከም ዝሓስቡ ሓቢሮም ኣለዉ። ኣብቲ ዳህሳስ፡ ን ሓደ ሽሕ ዝኾኑ ኖርዌጃውያን “ሩስያ ን ኖርወይ ክሳብ …

Read More »

ገለ ኣባላት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ንምጽንባር ኔቶ ተቓዊሞም።

ሽወደን፡ ኣብ ጒዳይ ኣባልነት ኔቶ ምሉእ ብምሉእ ፖሊሲኣ ምቕያራ ከም ዘሕዘኖም፡ ኣብ ውሽጢ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዘለዉ ብርክት ዝበሉ ጒጅለታት ገሊጾም። ገለ ካብዚኣቶም ወረዳ ስካነ፡ ውድብ ደቀንስትዮን ክንፊ መንእሰያት እቲ ሰልፊን ይርከብዎም። መራሒ ጸጋማይ ሰልፊ ኑሺ ዳድጎስታር ን ውሳነ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ቃል “ዘሕዝን ግና እተጸበናዮ ውሳነ እዩ” ኢሉ።

Read More »

ሓንቲ ክኢላ: ፊናልንድን ሽወደንን ዘቕርባኦ ሕቶ ብቕልጡፍ ተቐባልነት ክረክብ እዩ።

ሽወደን ሕቶ ኣባልነት ኔቶ ኣቕሪባ፡ ከምኡ’ውን ፊንላንድ ብቐረባ ተመሳሳሊ ሕቶ ንምቕራብ ክትስዕባ እያ፡ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን እዘን ሃገራት ተቐባልነት ንክረኽባ ብዙሕ ክጽበያ ከም ዘይኮና ይግለጽ ኣሎ። ነዚ ዝበለት ኣብ ቆንስል ኣትላንቲክ ዳይረክተር ሰሜን ኣውሮጳ ኣና ቬስላንደር እያ። ንሳ “እዘን ክልተ ሃገራት ዋላ ኣባላት ኣይንበራ፡ ብብዙሕ መዳያት ምስ ኔቶ ዝሰማምዓ እየን ኔረን” ክትብል ኣመልኪታ። ሽወደን ምስዚ ወተሃደራዊ ሽርክነት ጥቡቕ ዝምድና ከም ዝጸንሓ ዌስላንደር ወሲኻ …

Read More »

ቀ/ሚ ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ “ሽወደን ኣባልነት ኔቶ ምሕታታ ታሪኻዊ መቐይሮ እዩ”።

ሽወደን ንዓሰርተታት ዓመታት ሒዛቶ ዝጸንሐት ወተሃደራዊ-ዘይሻራዊ ፖለቲካ ብምጥንጣን ኣባልነት ኔቶ ክትሓትት ምውሳና፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ከምኡ’ውን መርሒ ዓቃባዊ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሶን፡ ኣብ ዝሃብዎ ሓባራዊ ጋዜጣዊ ዋዕላ ገሊጾም። “ን ድሕነት ሃገርን ህዝብን ሽወደን፡ እቲ ዝበለጸ፡ እታ ሃገር ናብ ኔቶ ምጽንባር እዩ፡ ብፍላይ ድማ ምስ ፊንላንድ ብሓባር ነዚ ምፍጻም እዩ” ክትብል እታ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ትማል ሰኑይ ገሊጻ እያ። ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ቅሉዕ …

Read More »

ሰልፊታት ሓምላይን ጸጋማይን ኣብ ገምጋም ድሕነታዊ ጸብጻብ ከም ዘይሰማምዑ ገሊጾም።

ካብ ሸሞንቲአን ሰልፊታት ባይቶ ሽወደን እቶም ዝበዝሑ፡ ብዓርቢ ንዝወጸ ትንታነ ሃገራዊ ድሕነት ክቕበልዎም እንከለዉ፡ ሰልፊታት ሓምላይን ጸጋማይን ግና፡ ኣብ መደምደምታታት እቲ ዳህሳስ ከም ዘይሰማምዑ ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ጸብጻብ፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትክውን ኣለዋዶ የብላን ኣብ ዝብል ጒዳይ፡ መርገጺ ኣይወሰደን፡፡ እንተኾነ ግና፡ ኣባል ናይዚ ወተሃደራዊ ሽርክነት ምዃን ዝህቦ ረብሓታት ኣጒሊሒ ገሊጹ እዩ። ነዚ እየን ድማ፡ ክልቲአን ሰልፊታት ተቓዊመን ዘለዋ። እዚ ጸብጻብ፡ ብዛዕባ ኔቶ “ኣመና …

Read More »

ዩክሬናውያን ብቐሊሉ ስራሕ ንክረኽቡ ክሕግዝ ከም ዝደሊ መንግስቲ ገሊጹ።

መንግስቲ፡ ነቶም ኣብ ሽወደን ክነብሩ እተፈቕዶም ሰባት ኣመልኪቱ፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ካብ ኤጀንሲ ቀረጽ ሽወደን ቊጽሪታት ኮኦርዲኔሽን ክጠልብ ከም ዝሓተቶ ተገሊጹ። እዚ ኣገባብ፡ ዩክሬናውያን ኣብ ሽወደን ብቐሊሉ ስራሕ ክረኽቡ ዝገብር እዩ፡ ክብል ሚኒስተር ምውህሃድን ስደተኛታትን ኣንደርሽ ይግማን ገሊጹ’ሎ። ኤጀንሲ ስደተኛታት ዛጊት ን 32,400 ዩክሬናውያን ፍቓድ መንበሪ ምሃቡ ጸብጻባት የመልክቱ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com