Thursday , May 2 2024

ፖሎቲካ

ማእከላይ ሰልፊ ኣብ ጒዳይ ጡረታ ንማሕበራዊ ዴሞክራሲ ደጊፋ።

ሰልፊ ማእከላይ፡ ነቲ ኣብ ስልጣን ብዘሎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝተበጽሐ ውዕል ጡረታ ክድግፍን፡ ጽባሕ ረቡዕ ንባጀት መንግስቲ ድምጹ ክህብ ምዃኑን፡ መራሒት እቲ ሰልፊ ኣኒ ሎፍ ገሊጻ። እንተኾነ ግና፡ እቲ ካልእ ማእከላይ የማናይ ሰልፊ ከምኡ’ውን ሰልፊታት የማናይ ክንፊ፡ ነቲ ሓድሽ ውዕል ጡረታ ደው ከብሎን ናብ ደምበ ባይቶ ከቕርቦን ከም ዝኾነ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። ኣብ ዝመጽእ መስከረም ዝካየድ ምርጫ ኣመልኪቱ፡ ማእከላይ ሰልፊ መሪጽዎ ዘሎ ኣገባብ …

Read More »

ሊንደ፡ ሽወደን ምስ ቱርኪ ዘለዋ ዘይምርድዳእ ክትፈትሕ ድሌት ኣለዋ።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንደ፡ ዝሓለፈ ዓርቢ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ነቲ ቱርኪ ሽወደን ኣባል ነቶ ከይትኸውን ድምጺ ብድምጺ ናይ ምውዳቕ መሰላ ተጠቒማ እትገብሮ ዘላ ተቓውሞ ኣመልኪታ ምስታ ሃገር ዘለዋ ዘይምርድዳእ ክትፈትሕ ድሌት ከም ዘለዋ፡ ኣብ ባይቶ ሽወደን ኣብ ዘካየደቶ መደረ ገሊጻ’። ሽወደን ኣባል ኔቶ ምዃና፡ ኣብ ጸጥታ እቲ ውድብ ጥራይ ዘይኮነ ጸጥታ ቱርኪ እውን ኣብ ምውሓስ ኣገዳሲ ምዃኑ እውን ኣመልኪታ። ሽወደን፡ “ግብረሽበራውያን” ተባሂሎም …

Read More »

ምስ ምእታው ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ርሱን ፖልርቲካዊ ክትዓት ይሳለጡ’ለዉ።

ቅድሚ ኣብ ጽድያ ዝኣቱ ዘሎ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን፡ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝካየድ ዘሎ ዝርሱን ክትዓት፡ ተቓወምቲ ሰልፊትት ንመሪሕነትን ፖሊሲታትን መንግስቲ ምንቃፎም ይግለጽ ኣሎ። መራሒ ዓቃባዊ-ለዘብተኛ ሰልፊ ኡልፍ ክሪስተርሶን ኣብቲ ክትዓት ኣብ ዘስምዖ መደረ፡ ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን 95 መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ምስ ምህላዉ “ተወሳኺ ዝባኸነ ናይ ስልጣን እዋን ይውዳእ ምህላዉ” ኣመልኪቱ። መራሒት ማሕበራዊ ዴሞክራሲን ቀዳመይቲ ሚኒስተርን ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ን ሙቐት እቲ ክትዕ ተረጋግእ ምንባራ ዝገለጸት …

Read More »

ስቶልተንባሪ፡ ዩክሬናያን ን ተጻብኦ ሩስያ ብሓይሊ ኣይክደኑን እዮም።

ኲናት ዩክሬይን ይወዳእ ኣይወዳእ፡ ዩክሬናያን ን ተጻብኦ ሩስያ ብሓይሊ ክደኑ እዮም ማለት ኣይኮነን፡ ክብል ዋና ጸሓፊ ኔቶ የንስ ስቶልተንባሪ ብሰኑይ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ ኣመልኪቱ። ንሱ ምስ ጋዜጣ ኣፍቶንብላዴት ኣብ ዝገበሮ ቃለመሕትት፡ “ኲልና እዚ ኲናት ከም ዝውዳእ ኣብ ምግባር ሓላፍነት ኣሎና። እንተኾነ ግና፡ ዩክሬናውያን ን ተጻብኦ ሩስያ ክደኑ ኣለዎም ማለት ኣይኮነን። ብቐዳምነት፡ ንሕና ኣብ ልዕሊ ኪቭ ከምዚ ዝበለ ጸቕጢ ከነንብር መሰል የብልናን። ብኻልኣይ ደረጃ፡ …

Read More »

ሚኒስተር ፍትሒ ብጸቢብ ካብ ባዶ ናይ ዘይምትእምማን ድምጺ ድሒኑ።

ሚኒስተር ፍትሒን ውሽጣዊ ጒዳያትን ሞርጋን ዮዋንሶን፡ ብጸቢብ ካብ ናይ ባዶ ምትእምማም ድምጺ ምድሓኑ ተገሊጹ። ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ኣቐዲሙ ዝኣተወላ ቃል ከኽብር ምዃኑ ድሕሪ ምግላጹ፡ ጸጋማዊ ሰልፊ ነበር፡ ከምኡ’ውን ኣባል ባይቶ ኣሚና ካካባቬ እወ ኢላ ዘይምድማጻ እውን ተፈሊጡ። ድሕሪዚ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን ን ጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ን ካካበቬ ኢሎም ዝገበርዎ ምንም ሕድገትት ዘይምህላዉ ኣመልኪታ።

Read More »

ሚኒስተር ፍትሒ እንድሕሪ ካብ መዝነቱ ከም ዝወርድ ተጌሩ ስልጣና ከም እትሓድግ ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣጠንቂቓ።

ኣብ ባይቶ፡ ን ሚኒስተር ፍትሒ ሞርጋን ጁዋንሶን ባዶ ናይ መተኣማመኒ ድምጺ እንድሕሪ ዝወሃብ ኮይኑ፡ መንግስታ ብፍቓዱ ስልጣኑ ከም ዝሓድግ፡ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ገሊጻ። ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን፡ ሚኒስተር ጁዋንሶን ጎነጻዊ ገበናት ኣብ ምክልኻል እዂል ጻዕሪ ኣይገበረን፡ ብምባል ባዶ ናይ ተኣማንነት ድምጾም ክህቡ ምዃኖም ድሕሪ ምግላጾም፡ ሰለስተ ካልኦት ሰልፊታት ባይቶ እውን ኣሰሩ ከም ዝስዕባ ምሕባረን፡ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ። እዘን ኣርባዕተ ሰልፊትት 173 ድምጺ ክህልወን …

Read More »

ኣባላት ማሕበራዊ ዴሞክራሲ ዝለዓለ ተቐባልነት ኣለዎም ተባሂሉ።

ሊበራላውያን፡ ከምኡ’ውን ሓምላይ ሰልፊታት፡ ሕጂ’ውን ካብ 4% ንታሕቲ መናብር ባይቶ ጥራይ ክውንኑ ዘኽእሎም ተቐባልነት ከም ዘለዎም፡ ቤት ጽሕፈት ስታቲስቲክስ ሽወደን ዘሳለጦ ሓደ ዳህሳስ ኣመልኪቱ። ኣብ ስልጣን ዘሎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ትማሊ ምርጫ እንተዝካየድ፡ ሕጂ’ውን ዓብዪ ድጋፍ ከም ዘለዎ፡ እቲ ዳህሳስ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እዚ ብኤጀንሲ ምእካብ ሓበሬታ እተሳለጠ ዳህሳስ ርእይቶታት ህዝቢ፡ ክሳብ 9000 ናይ ምድማጽ መሰል ዘለዎም ሰባት ምጥቕላሉ፡ ሬድዮ ሽወደን ወሲኻ ገሊጻ’ላ።

Read More »

ምክልኻል ገበን ቀንዲ ፖለቲካዊ ሕቶ ቅድመ ምርጫ ምዃኑ ተገሊጹ።

መንእሰያት፡ ናብ ጒጅለታት ገበን ከይክተቡ ምኽልካል፡ ሓደ ካብቶም ኣብ ዝመጽእ መስከረም ዝሳለጥ ሓፈሻዊ ምርጫ ቅድሚ ምእታዉ ዝዝተየሎም፡ ቀንዲ ፖለቲካዊ ሕቶታት ምዃኑ ተገሊጹ። ኣብ ሽወደን፡ ኣብዚ ዓመት ዝተፈጸሙ ጠቕላላ ናይ ተዂሲ መጥቃዕቲታት 31 ከም ዝበጽሑ፡ ፍርቂ ካብዚኣቶም ከኣ ኣብ ወሰናስን ዓበይቲ ከተማታት እተፈጸሙ ምዃኖም ተመልኪቱ።

Read More »

ምክልኻል ገበንን ምውህሃድን ዝያዳ ኣተኲሮ ክወሃቦም ጻውዒት ቀሪቡ።

መራሒት ማእከላይ ሰልፊ ኣኔ ሉፍ፡ ድሕነት ህዝቢ፡ ምርግጋጽ ማዕርነት ከምኡ’ውን ምውህሃድ ስደተኛታት ኣተኲሮ ክወሃቦም ከም ዝግባእ፡ ትማል ሓሙስ ኣብ ዝሃበቶ መደረ ገሊጻ። ኲሎም ሰልፊታት ፖለቲካ፡ ብጒጅለታት ዝፍጸም ዘሎ ጎነጽን ገበንን ደው ንኽብል ዝጸውዐት ሉፍ፡ እዞም ተግባራት ን ክፉት ዴሞክራስያዊ ስርዓትና ቀጥታዊ ስግኣታት እዮም፡ ክትብል ኣመልኪታ። ሉፍ ነዚ ዝበለት፡ ትማል ሓሙስ ኣብ ዝተኻየደ ፖለቲካዊ ኣኼባ ያርቫቬካን እያ–ብመሰረት ሬድዮ ሽወደን።

Read More »

ኣውሮጳዊ ሕብረት ብ ልዕሊ ሩስያ ሻዱሻይ ዙር እገዳኡ ኣንቢሩ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ነቲ ብ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝተነብረ እገዳ ነዳዲ ዘይቲ፡ ብሓጎስ ከም እትቕበሎ ገሊጻ። እዚ እገዳ፡ ኣካል ናይቲ ብሰኑይ ኣብ ከተማ ብራስለስ ዝተኻየደ ሻድሻይ ፓኬጅ እገዳታት እዩ። ኣብዚ ፓኬጅ መራሕቲ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ን ዩክሬይን ናይ 95 ቢልዮን ክሮና ሽወደን ፋይንሳዊ ሓገዝ ክህብ ምዃኑ ኣፍሊጡ’ሎ።

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com