Friday , April 19 2024

ፖሎቲካ

“ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣሜሪካን እተበጽሐ ስምምዕ ምክልኻል ከም ፕላን B ክረአ ኣይግባእ” ሓደ ክኢላ

ኣብ መንጎ ሽወደንን ኣመሪካን ዝተኸተመ ሓድሽ ስምምዕ ምትሕግጋዝ ምክልኻል ወይ ዲሲኤ፡ ሽወደን ኣብ ባሕሪ ባልቲክ ንኔቶ ብስትራተጂካዊ ኣገዳስነት ኣገዳሲት ‘መሻርኽቲ’ ምዃና ዘረጋግጽ እዩ ተባሂሉ። ነዚ ዝገለጸ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ላዕለዋይ መምህር ጃኮብ ዌስትበርግ እዩ። እንተኾነ ግና እዚ ስምምዕ ከም ፕላን ቢ (B)፡ ወይ ድማ ኣብ ክንዲ ኣባልነት ኔቶ ካልኣይ ዝበለጸ ምርጫ ተጌሩ ክረአ የብሉን ይብል። እንታይ ደኣ፡ ኣካል ናይቲ …

Read More »

ሽወደንን ኣሜሪካን ታሪኻዊ ስምምዕ ምክልኻል ተፈራሪመን

ሽወደንን ኣሜሪካን ታሪኻዊ ስምምዕ ምትሕብባር ምክልኻል ተፈራሪመን። ብመሰረት እቲ ስምምዕ፡ ሰራዊት ኣመሪካ ኣብ መላእ ሃገር ናብ ዝርከባ 17 ወተሃደራዊ መዓስከራት ክኣቱ ይኽእል። ሚኒስተር ምክልኻል ፓል ጆንሰን፡ እዚ ስምምዕ ምክልኻል፡ ሽወደን ኲናት ኣብ ዝፍጸመሉ እዋን ካብ ኣመሪካ ወተሃደራዊ ሓገዝ ክትረክብ ዝዓበየ ዕድል ዝህብ እዩ ይብል።

Read More »

ንሰልፊ ደሞክራሲ ሽወደን ዝወሃብ ደገፍ ይውስኽ

ኣስታት ሓደ ካብ መረጽቲ ናይተን ሰለስተ መንግስታዊ ሰልፍታት (ሞደራላውያን፡ ሊበራላውያንን ክርስትያን ዲሞክራስያውያንን) ሰልፊ ዲሞክራሲ ሽወደን ኣካል ናይቲ መንግስቲ ክኾኑ ከም ዝደልዩ ተፈሊጡ። ነዚ ዝገለጸ ብ ሬድዮ ሽወደን ዝተገብረ ዳህሳስ እዩ። መረጽቲ ሰልፊ ክርስትያናዊ ዲሞክራሲ ብፍላይ ሰፊ ደሞክራትስ ኣብ ካቢነ ሚኒስተራት ምህላዎም ብኣዎንታ ከም ዝርእይዎ ገሊጾም ኣለዉ።

Read More »

ሰልፍታት ማእከል፡ ሊበራልን ክርስትያናዊ ዲሞክራሲን ትሕቲ 4% ድምጺ ኣለዎም

ማእኸል ሰልፊ 3.8% ድምጺ ህዝቢ ከም ዘለዎ፣ እዚ ድማ ካብቲ ሓደ ሰልፊ ናብ ባይቶ ሽወደን ንምእታው ዘድልዮ መጠን ዝወሓደ እዩ። ሓድሽ መራሒ ሰልፊ ሙሓረም ደሚሮክ ብዙሕ ዘይፍለጥን ተቐባልነት ዘይብሉን እዩ ክትብል ኣብ ትካል መርመራ ኢንዲካቶር ሓላፊ ምግምጋም ርእይቶታት ፐር ኦለስኮግ ትሪግ ቫሶን ን ኣገልግሎት ዜና ሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። ካልኦት ሓያሎ ውድባት እውን ኣብ ዝተሓተ ነጥቢ ተቐባልነት ምህላወን ተፈሊጡ። ንኣብነት ሰልፍታት …

Read More »

ፊንላንድ፥ ምስ ሩስያ ዘራኽብ ዶባት ዝዓጸና ኣብ ወግዓዊ ገምጋም ተመርኲስና ኢና

ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማሪ ራንታነን ትማሊ ሰሉስ ኣብ YLE A-studio ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ መንግስቲ ንመላእ ምብራቓዊ ዶብ ንኽልተ ሰሙን ክዓጽዎ ዝወሰዶ ውሳነ፡ ሩስያ ኣንጻር ፊንላንድ እትገብሮ ወፍሪ ከተስፍሕ ትኽእል ምዃና ዝገልጽ ወግዓዊ ገምጋም መሰረት ዝገበረ ምዃኑ ገሊጻ። ንሳ “ክመጽእ ዝኽእል ሓደጋ ኣዝዩ ዓቢ ምዃኑ ብሰብመዚ ተሓቢሩና’ሎ” ክትብል ርእይቶኣ ሂባ’ላ። ፊንላንድ፡ ኣብ ካልኦት ሃገራት ከም መባጽሖ ዕዳጋ ዝለዋ ዝና እናወሰኸት ይኸይድ …

Read More »

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ “ቱርኪ ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ኣባልነት ኔቶ ከተጽድቕ ትኽእል እያ”።

ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን ቶብያስ ቢልስትሮም፡ ኣንካራ ንሕቶ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ሽወደን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ከተጽድቕ ከምእትኽእል ካብ ቱርካዊ መዘንኡ ሃካን ፊዳን መረጋገጺ ከም ዝረኸበ ገሊጹ። ምስ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሃንጋሪ ፔተር ስዚጃርቶ ውን ከምዝተዘራረበ ዝሓበረ ቢልስትሮም፡ ሃንጋሪ ኣባልነት ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽዳቕ ናይ መወዳእታ ኣባል ሃገር ኔቶ ከም ዘይትኸውን ዝኣተወትሉ መብጽዓ ክሳብ ሕጂ ከምዘሎ ወሲኹ ኣመልኪቱ። እቲ ሕጋዊ …

Read More »

ፊንላንድ፥ ካብ ዓርቢ 24 ሕዳር ጀሚሩ ምስ ሩስያ ዘራኽብ ሰለስተ ተወሳኺ ነቚጣታት ወሲኑ

መንግስቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (ኤንሲፒ) ኣብ ዶብ ፊንላንድን ሩስያን ካብ ዓርቢ 24 ሕዳር ጀሚሩ ሰለስተ ተወሳኺ መራኸቢ ነቚጣታት ክዕጾ ከምዝወሰነ ዝሓለፈ ረቡዕ ኣፍሊጡ። ዶባዊ ነቚጣታት ኩሳሞ፡ ሳላን ቫርቲዩስን ክሳብ 23 ታሕሳስ 2023 ዕጹው ክኸውን እዩ። ብመሰረት እቲ ውሳነ፡ ኩሉ ትራፊክ ስግር ዶብ፡ በቲ ኣብ ሰሜናዊ ሸነኽ ዝርከብ መሳገሪ ነጥቢ፡ ራጃ-ጁሰፒ ላፕላንድ ክሓልፍ ኣለዎ ማለት እዩ። ካብ ዓንኬል ኣርክቲክ ንሰሜን …

Read More »

“ሰልፊ ዲሞክራትና ዘቕረብዎ እማመ መስጊድ ሕጋዊ ኣይኮነን” ኢላ

መራሒ ሰልፊ ዴሞክራሲ ሽወደን ጂሚ ኦከሰን፡ ኣብ ሽወደን ተወሳኺ መሳጊድ ክህሉ ሰልፉ ከምዘይደሊ ገሊጹ። “ኣብ ዓድና መጺእካ ናይ ሓደ ጓናን መስፋሕፍሒን ስነሓሳብ ምልክት ምህናጽ ክቋረጽ ኣለዎ” ዝበለ ኤክሶን ብተወሳኺ ካብ ድሮ ዝነበሩ መአዘኒ መሳጊድን ጒልላትን ዝረእዩ ናይወርሕን ኮኾብን ክውገድ፡ ጸረ ዴሞክራሲ፥ ጸረ ክብርታት ሽወደንን ጸረ ግብረሰዶማውያን ስብከት ዝገብሩ ከምኡ’ውን ብዛዕባ ሕብረተሰብ ሽወደን ናይ ሓሶት ፕሮፖጋንዳ ዝዝርግሑ መሳጊድ ከኣ ክእገድ ወይ …

Read More »

ዶብ ኖርወይ ምስ ሩስያ ክዕጾ ይኽእል’ዩ።

ሚኒስተር ፍትሒ ኖርወይ ኤሚሊ ኤንገር ሜህል፡ ኣብ ጫፍ ሰሜን ዝርከብ ዶብ ሩስያ ክትዓጽዎ ድልውቲ ምዃና ገሊጻ። “ነቲ ኩነታት ብቐረባ ንከታተሎ ኣለና፡ ከምኡ ምግባር ኣድላዪ ኮይኑ እንተተራእዩና ድማ ነቲ ዶብ ኣብ ሓጺር ግዜ ክንዓጽዎ ንኽእል ኢና” ክትብል ሜህል ንቢሮ ዜና ኤንቲቢ ገሊጻ። ሜህል ፊንላንድ ካብተን ትሽዓተ መሳገሪ ዶባት ሩስያ ኣርባዕቲአን ክትዓጽወን ዝወሰነት ብዘይተለምደ ኣገባብ ብርክት ዝበሉ ስደተኛታት ናብ ፊንላንድ ድሕሪ ምእታዎምን …

Read More »

ሓምላይ ሰልፊ ሓድሽ መራሒ መሪጹ፡፡

ኣብ መወዳእታ ሰሙን ኣብ ኦረብሮ ኣብ ዝተኻየደ ዋዕላ ሰልፊ፡ ሓምላይ ሰልፊ ንዳንኤል ሄልደን ሓድሽ ሓባራዊ መራሒኡ ገይሩ መሪጽዎ። ንመወዳድርቱ ማግኑስ ፒ ዋህሊን ብሓንቲ ድምጺ ጥራይ ( 131 ን 130) ብምርታዕ እዩ ተመሪጹ ዘሎ ። ዳኒኤል ሄልዴን፡ እቲ ሰልፊ ብዝያዳ ብግልጺ ኣብ ፖሊሲታት ክሊማን ከባብን ከተኩር ከምዝደሊ ይገልጽ። እቲ ውዑይ ናይ መሪሕነት ጎስጓስ፡ ከምኡ’ውን ምቅርራብ ናይቲ ድምጺ ኣብ ግምት ብምእታው፥ እቲ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com