Tuesday , May 7 2024

ተጣበቕቲ መሰላት ደቀንስትዮ ንኢማኑኤል ማክሮን ይነቕፍኦ

French President Emmanuel Macron (Thomas Samson / Pool photo via AP) XFM126

ፕረሲደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ን ተዋሳኣይ ጀራርድ ዲፓርድዮ ደጊፉ ብዝብል ካብ ሸነኽ ተጣበቕቲ መሰል ደቀንስትዮ ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶሎ። ፕረዚደንት ማክሮን ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝገበሮ ቃለ መሕትት፡ ዲፓርዲዮ ቀንዲ ሸቶ ሃደንቲ ከምኡውን “ሓበን ፈረንሳ ዝኾነ ዓቢ ተዋሳኣይ ምዃኑ፥ ፈረንሳ ንኡድ ኣበርክቶ ንዝገበሩ ዜጋታታ እትህቦ ዝለዓለ ክብሪ ዝኾነ ሌጅዮን ኦፍ ኦነር ካብኡ ክስሓብ ከምዘይብሉ ወሲኹ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ዲፓርዲዮ ብ13 ደቂ ኣንስትዮ ብጾታዊ መጥቃዕቲ ወይ ምግፋዕ ተኸሲሱ፡ ኣብዚ ወርሒ ኣብ ዝተዘርግሐ ሰነዳዊ ፊልም ድማ ጽዩፍ ቃላት ክዛረብ ከም እተሰምዐ ዝፍለጥ እዩ። ንሱ እዚ ዘሃል ዘሎ ክሲ መሰረት የብሉን ብምባል ናይ እምነት ክሕደት ቃሉ ሂቡ’ሎ። ኣብዚ ወርሒ ዲፓርዲዮ ንሓንቲ ተርጓሚት ጾታዊ ምትንዃይ እናፈጸመን ብዛዕባ ሓደ ወዲ 10 ዓመት ህጻን ጾታዊ ርእይቶታት ክህብን ዘርኢ ሰነዳዊ ፊልም ተዘርጊሑ’ሎ። ከም መልሲ ናይዚ ድማ ቀዳማይ ሚኒስተር ኩቤክ ብ13 ታሕሳስ ንዲፓርዲዩ ሂብዎ ዝነበረ ናይ ካናዳ ኣውራጃ ዝለዓለ ናይ ክብሪ ሽልማት መንዚዕዎ’ሎ ብመሰረት ጸብጻብ ቢቢሲ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com