ትማሊ ረቡዕ ድሕሪ ቀትሪ ኣብ ከተማ ኖርሾፒንግ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ወዲ 17 ዓመት ቆልዓ ሞይቱ። እቲ ኮተቴ ጥቓ ግሮሰሪን ቤት ትምህርቲ ህጻናትን ኣብ ዝርከብ ጽርግያ ብጥይት ተሃሪሙ። ብዘይካዚ ዝሓለፈ ሓሙስ ንግሆ ኣብ ከተማ ኡፕሳላ ብዝተፈጸመ ተኹሲ ሓደ ሰብኣይ መጉዳእቲ ከም ዝበጽሖ ተፈሊጡ። ምስዚ ብዝተሓሓዝ ሓደ ጥርጡር ብፈተነ ቅትለት ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ’ሎ።