Friday , April 26 2024

ፖሎቲካ

ውጽኢት ፒሻ መንእሰያት ፊንላንድ ኣብ ትምህርትታት ማለት ሳይንስ፡ ንባብን ሒሳብን እናተበላሸወ መጺኡ።

ውጽኢት ፒዛ መንእሰያት ፊንላንድ ኣብ መላእ እቶም ኣብቲ ኣህጉራዊ ገምጋም ዝተመርመሩ ሰለስተ ቀንዲ ትምህርትታት ማለት ሳይንስ፡ ንባብን ሒሳብን እናንቁልቈለ መጺኡ። ሚኒስትሪ ትምህርትን ባህልን ዝሓለፈ ሰሉስ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ደቂ 15 ዓመት ፊንላንዳውያን፡ ኣብቲ ቀንዲ ትኹረት ናይዚ ናይ ቀረባ ኣብ ዝኾነ ትምህርቲ ሒሳብ – ካብ 2018 ብ 23 ነጥቢ ብምጒዳል ናብ 484 ነጥቢ ክወርድ ከምዝረኣዩን ፊንላንድ ኣብዚ መዳይ እዚ ዳርጋ ፍልይቲ …

Read More »

ሓፈሻዊ ጉባኤ ሕቡራት ሃገራት ብወሳኒ ድምጺ ኣብ ጋዛ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዑ።

ሓፈሻዊ ባይቶ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ብወሳኒ ድምጺ ኣብ ጋዛ ብቕልጡፍ ተኹሲ ደው ክብል ጸዊዑ። እቲ ብፊንላንድ ሓዊሱ ብ153 ኣባል ሃገራት ዝድገፍ ውሳኔ፡ እቲ ተጻብኦታት ደው ክብል ጥራይ ዘይኮነ፡ ብዘይ ቅድመ ኩነትን ብቕጽበትን ብሓማስ ዝተታሕዙ ጅሆታት ክፍትሑ፡ ከምኡ’ውን ብመሰረት ኣህጉራዊ ሕጊ ሓለዋ ሲቪላት ክግበር ዝጠልብ እዩ። ኣቦ መንበር ኮሚቴ ጉዳያት ወጻኢን ኣባል ዴሳዊ ዲሞክራስያዊ ሰልፊን ፊንላንድን ኪሞ ኪልጁነን፣ ክብደት ናይቲ ኩነታትን …

Read More »

ሩስያ ኣብ ጸሊም ባሕሪ እትሃንጾ ዘላ ሓይሊ ባሕሪ ተወሳኺ ድሕነታዊ ሽግር ይፈጥር

ሩስያ ኣብ ዞባ ኣብካዝያ ቀዋሚ መዓስከር ሓይሊ ባሕሪ ንምቛም ዝሓሰበቶ ውጥን ኣመልኪቶም ኣዝዩ ሓደገኛ እዩ ክብሉ 50 ኣባላት ባይቶ ተቓወምቲ ጆርጅያ ንኣባላት ሃገራት ኔቶን ሕብረት ኤውሮጳን ብጥብቂ ኣተሓሳሲቦም። እዚ ውጥን ክረምሊን፡ ነታ ናብ ሕብረት ኤውሮጳ ክትጽንበር ተስፋ እትገብር ከምኡ’ውን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ወደብ ናይ ምህናጽ መደብ ዘለዋ ጆርጅያ፡ ናብ ኲናት ሩስያን ዩክሬን ጎቲቱ ከእቱ ይኽእል እዩ ዝብል ስግኣት ኣለዓዒሉሎ። ን …

Read More »

ፊንላንድ፥ ኣብ ዶብ ፊንላንድን ሩስያን፣ ዘይካ ክልተ ካልኦት ነቚጣታት ምዕጻው ከናውሕ እዩ

መንግስቲ ፊንላንድ ኣብ ዶብ ፊንላንድን ሩስያን፣ ኒራላን ቫሊማን ብዘይካ ክልተ መሳገሪ ዶባት ኩለን መሳገሪ ነጥብታት ምዕጻው ከምዘናውሕ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ቫሊማን ፍርቂ ለይቲ ንመገሻ ክኽፈት ከሎ፡ ኒራላን ድማ ሓሙስ 14 ታሕሳስ ሰዓት 8 ንግሆ ክኽፈት እዩ። መንግስቲ ውሳነ እንተዘይሂቡ፡ ክሳብ 14 ጥሪ 2024 ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ንመገሻ ክፉታት ዝኾና እንኮ መሳገሪ ዶባት ኮይነን ክቕጽላ እየን። እተን ክልተ ነጥብታት በቲ ሓደ …

Read More »

ሽወደን ኣባል ኔቶ ምዃና ን ጽላት ኢንዱስትሪ ከዕቢ እዩ ተባሂሉ

ወከልቲ ኢንዱስትሪ ሽወደን ኣብ መጻኢ ኣባል ኔቶ ምስ ምዃና፡ ነቲ ኣብ ኖርላንድ መጓዓዝያ ጽዕነት ንምዕባይ ዝግበር ወፍሪ ትሕተ ቅርጺ ዓብዪ ፍናን ክኸውን እዩ ክብሉ ገሊጾም። ጒጅለ ስነኣግራብ ኤስሲኤ ኣብዚ እዋን’ዚ ገለ ካብ ኣዕጻዉ ብመካይን ጽዕነት የጓዕዞ ምህላዉ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ ሓላፊ ሎጂስቲክስ ናይቲ ኩባንያ ማግኑስ ስቨንሰን ድማ ካብ ኔቶ ብፍላይ ድማ ካብ ዶብ ኖርወይ ዝቐርብ ጠለባት ምምሕያሽ ምትእስሳር መጓዓዝያ ብፍላይ ድማ …

Read More »

ኖርወይን ዓባይ ብሪጣንያን ሓይሊ ባሕሪ ዩክሬን ዳግማይ ንምህናጽ ይሰማምዓ

ከም ኣካል ናይቲ ኖርወይ ምስ ዓባይ ብሪጣንያ እትሃንጾ ዘሎ ሓድሽ ጥምረት፡ ሓይልታት ሓይሊ ባሕሪ ኖርወይ ኣብ ኖርወይ ንዝርከቡ ባሕረኛታት ዩክሬን ከሰልጥኑ ምጽንሖም ተፈሊጡ፡፡ እዚ ንምክልኻል ገማግምን መስመራት ባሕርን ዩክሬን ኣብ ጸሊም ባሕሪ ዳግማይ ንምህናጽ ዝዓለመ ጥምረት እዩ። ብዘይካዚ ካልኦት ሃገራት እውን ኣብዚ ጥምረት ክጽንበራ ተዳልየን ኣለዋ። ሚኒስተር ምክልኻል ኖርወይ ቢዮን ኣሪልድ ግራም ትማሊ ሰኑይ ንመንግስታዊ ፈነወ ኤን.ኣር.ኬ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ …

Read More »

ሽወደን ንዩክሬን ተወሳኺ 1.4 ቢልዮን ክሮና ፍይናንሳዊ ደገፍ ትገብር

ሽወደን ንዩክሬን 1.4 ቢልዮን ክሮና ብምልጋስ ንሲቪል ህዝቢ ዩክሬይን ኣብዚ ክረምቲ ክትሕግዛ ምዃና ተፈሊጡ። እቲ ገንዘብ ብቐንዱ ንመውዓዪ፣ ንጸዓት ኤሌክትሪክ፣ መጽለልን ክንክን ጥዕናን ዝውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰንን ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ዮሃን ፎርሰልን ነቲ ናይ ደገፍ ፓኬጅ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዮም ዕላዊ ጌሮም ዘለዉ።

Read More »

ሽወደናዊ ኣብ ኢራን ናብ ፍርዲ ቀሪቡ

ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ሕብረት ኤውሮጳ ዝሰርሕ ዝነበረ ሽወደናዊ ዮሃን ፍሎደሩስ ናብ ፍርዲ ከምዘቕረበት ገሊጻ። ዮሃን ፍሎደሩስ ንእስራኤል ብምስላይ ንጸጥታ ኢራን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ተባሂሉ እዩ ብኢራን ተኸሲሱ ጸኒሑ። እቲ ክሲ ብመሰረት ስርዓተ ፍትሒ እታ ሃገር ብሞት ከቕጽዕ ዝኽእል እዩ። እንተኾነ ግና እቲ መስርሕ ፍርዲ ዝተናውሐ ኮይኑ መዓስ ከም ዝቕጽል ንጹር ኣይኮነን። መንግስቲ ሽወደን እቲ ክስታት ”መሰረት …

Read More »

ሚኒስተር ፍትሒ፡ “ዴንማርክ እገዳ ምንዳድ ቁርኣን ኣመልኪታ ዘውጽኣቶ እገዳ ኣባና ብዙሕ ጽልዋ የብሉን”

ዴንማርክ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ናይ ምርኻስ ተግባራት ኣመልኪታ ዝገበረቶ እገዳ ኣባላት ባይቶ ሽወደን ነዚ ሕጊ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ጽልዋ ከምዘይህልዎም ሚኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሮመር ገሊጹ። ባይቶ ዴንማርክ ትማሊ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ምንዳድ ዘይሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ኣጽዲቑ’ሎ። መንግስቲ ሽወደን በዚ መዳይ ሕጊ ሽወደን ክቕየር ይኽእል ድዩ ኣይከኣልን ንዝብል ኣርእስቲ ይምርምር ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ፖሊስ ፍቓድ ሰልፊ ክህብ ከሎ ንሃገራዊ …

Read More »

መንግስትን ሰልፊ ደሞክራትናን ጽልዋታት ኢሚግሬሽን ብጥንቃቐ ክምርምሩ ይጠልቡ

መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ስደተኛታት ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ዘምጽእዎ ቁጠባዊ ሳዕቤናት መርመራ ክጅመር ከም ዝደልዩ ተሓቢሩ። ጸሓፊ ሰልፊ ደሞክራትና ማትያስ ቢክስትሮም ዮሃንሰን “ፖለቲካ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብ ባይታ ብዘለዉ ሓቅታት ዝተሃንጸ ክኸውን ይግብኦ እዩ” ክብል እዚ ዕማም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ሃገራዊ ትካል ቁጠባዊ ምርምር፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ቁጠባ እንታይ ጽልዋ ከምዘሕደሩ ንምፍታሽ ዕማም ፍሉይ ክወሃቦ እዩ። ስደተኛታት ኣብ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com