Monday , May 6 2024

ሽወደናዊ ኣብ ኢራን ናብ ፍርዲ ቀሪቡ

ኢራን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ-ሰንበት ኣብ ዲፕሎማስያዊ ኣገልግሎት ሕብረት ኤውሮጳ ዝሰርሕ ዝነበረ ሽወደናዊ ዮሃን ፍሎደሩስ ናብ ፍርዲ ከምዘቕረበት ገሊጻ። ዮሃን ፍሎደሩስ ንእስራኤል ብምስላይ ንጸጥታ ኢራን ኣብ ሓደጋ ኣእትዩ ተባሂሉ እዩ ብኢራን ተኸሲሱ ጸኒሑ። እቲ ክሲ ብመሰረት ስርዓተ ፍትሒ እታ ሃገር ብሞት ከቕጽዕ ዝኽእል እዩ። እንተኾነ ግና እቲ መስርሕ ፍርዲ ዝተናውሐ ኮይኑ መዓስ ከም ዝቕጽል ንጹር ኣይኮነን። መንግስቲ ሽወደን እቲ ክስታት ”መሰረት ዘይብሉን ሓሶትን” እዩ ዝብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com