Tuesday , May 7 2024

ሽወደን ንዩክሬን ተወሳኺ 1.4 ቢልዮን ክሮና ፍይናንሳዊ ደገፍ ትገብር

ሽወደን ንዩክሬን 1.4 ቢልዮን ክሮና ብምልጋስ ንሲቪል ህዝቢ ዩክሬይን ኣብዚ ክረምቲ ክትሕግዛ ምዃና ተፈሊጡ። እቲ ገንዘብ ብቐንዱ ንመውዓዪ፣ ንጸዓት ኤሌክትሪክ፣ መጽለልን ክንክን ጥዕናን ዝውዕል እዩ ተባሂሉ’ሎ። ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኡልፍ ክሪስተርሰንን ሚኒስተር ኣህጉራዊ ምትሕብባርን ልምዓትን ዮሃን ፎርሰልን ነቲ ናይ ደገፍ ፓኬጅ ትማሊ ሰኑይ ኣብ ዝሃብዎ ጋዜጣዊ መግለጺ እዮም ዕላዊ ጌሮም ዘለዉ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com