Monday , May 6 2024

ፊንላንድ፥ ኣብ ዶብ ፊንላንድን ሩስያን፣ ዘይካ ክልተ ካልኦት ነቚጣታት ምዕጻው ከናውሕ እዩ

(AP Photo/David Goldman, file)

መንግስቲ ፊንላንድ ኣብ ዶብ ፊንላንድን ሩስያን፣ ኒራላን ቫሊማን ብዘይካ ክልተ መሳገሪ ዶባት ኩለን መሳገሪ ነጥብታት ምዕጻው ከምዘናውሕ ትማሊ ሰሉስ ኣፍሊጡ። ቫሊማን ፍርቂ ለይቲ ንመገሻ ክኽፈት ከሎ፡ ኒራላን ድማ ሓሙስ 14 ታሕሳስ ሰዓት 8 ንግሆ ክኽፈት እዩ። መንግስቲ ውሳነ እንተዘይሂቡ፡ ክሳብ 14 ጥሪ 2024 ኣብ ምብራቓዊ ዶብ ንመገሻ ክፉታት ዝኾና እንኮ መሳገሪ ዶባት ኮይነን ክቕጽላ እየን። እተን ክልተ ነጥብታት በቲ ሓደ ወገን ሃገራዊ ድሕነት ኣብ ግምት ብምእታው፡ በቲ ሓደ ወገን ድማ ኣድላይነት ስግረ-ዶባዊ ጉዕዞ መሰረት ብምግባር ዝተመርጻ ምዃነን፥ ኮሎኔል ሚኮ ለህሙስ ካብ ሓለዋ ዶብ ፊንላንድ ትማሊ ሰሉስ ኣብ ሄልሲንኪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ መግለጺ ኣፍሊጡ’ሎ። እቶም ነጥብታት ንገለ ዲፕሎማስያዊ ልኡኻት፡ ኣብ ክልቲኡ ሸነኽ ዶብ ስድራቤት ዘለዎም ሰባትን ንገለ ስርሒታት መጓዓዝያ ጽዕነትን ኣገደስቲ ምዃኖም ኣጉሊሑ’ሎ። መንግስቲ ኣብ ምብራቓዊ ስግረ ዶብ ዝግበር ጉዕዞ ኣመልኪቱ ውሳነ እንተዘይህብ ነይሩ፡ ምሉእ ዶብ ብሓሙስ ንመገሻ ዳግማይ ምተኸፍተ ነይሩ ተባሂሉ’ሎ። “ነቲ ገደባት ከየቃለልና፡ ዝሓሸ ለውጢ ክመጽእ ድዩ ኣይመጽእን ከነረጋግጽ ኣይንኽእልን ኢና። እዚ ተርእዮ ስደት እንተቐጺሉ፡ ነዞም መሳገሪ ዶባት መሊስና ክንዓጽዎም ኢና” ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር ፔተሪ ኦርፖ (NCP) ትማሊ ሰሉስ ገሊጹ። ኦርፖ፡ ሩስያ ንስደተኛታት ከተውሕዝ ኣዝዩ ልዑል ተኽእሎ ስለዘሎ፥ መንግስቲ ነቲ ዶብ በብቑሩብ ዳግማይ ን ምኽፋት ዝወሰዶ ውሳነ፡ ብጥንቃቐ፡ ብመጠኑን ብሕጋውን ክገብሮ ብሙሉእ ድምጺ ከምዝተሰማምዐን ገሊጹ’ሎ። ኣብ እዋን ቀውዒ ኣስታት 1000 ሓተትቲ ዑቕባ ናብ ዶብ ኖርወይ ኣትዮም ኣለዉ። ሓለዋ ዶብ ፊንላንድ ብ30 ሕዳር ኩለን መሳገሪ ዶባት ካብ ዝዕጸዋ ንደሓር ሓንቲ ሓታቲት ዑቕባ ናብቲ ዶብ ከምዘይኣተወት ብቕድሚ ትማል ሰኑይ ጸብጺቡ’ሎ። ሚኒስተር ውሽጣዊ ጉዳያት ማሪ ራንታነን፡ ተግባራት ሰበስልጣን ሩስያ ንሃገራዊ ድሕነት ፊንላንድ ሓደጋ ኮይኑ ይቕጽል ከምዘሎ ኣስሚራትሉ’ላ። ዕላማ ሩስያ ኣብ ሃገርና ህዝባዊ ድሕነት ንምጥፋእን ኣብ ሕብረተሰብና ኸኣ ምፍልላይ ንምፍጣርን እዩ ነይሩ፡ ከምኡ ኸኣ ይቕጽል ኣሎ ክትብል ተማጒታ። ኣብ ዶብ ክልቲአን ሃገራት ዘሎ ኩነታት ህዱእ እንተኾይኑ መንግስቲ ተወሳኺ መሳገሪ ክኸፍት ድሉው ምዃኑ ዋሕዚ ስደተኛታት ዝቕጽል ኮይኑ እንተተራእዩ ግና ንመላእ ዶብ ክዓጽዎ ድሉው ምዃኑ ወሲኻ ኣስሚራትሉ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com