Monday , May 6 2024

ሚኒስተር ፍትሒ፡ “ዴንማርክ እገዳ ምንዳድ ቁርኣን ኣመልኪታ ዘውጽኣቶ እገዳ ኣባና ብዙሕ ጽልዋ የብሉን”

Credit: Claudio Bresciani/TT

ዴንማርክ ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ናይ ምርኻስ ተግባራት ኣመልኪታ ዝገበረቶ እገዳ ኣባላት ባይቶ ሽወደን ነዚ ሕጊ ኣመልኪቶም ኣብ ዝገብርዎ ምንቅስቓስ ጽልዋ ከምዘይህልዎም ሚኒስተር ፍትሒ ጉናር ስትሮመር ገሊጹ። ባይቶ ዴንማርክ ትማሊ ኣብ ህዝባዊ ቦታታት ሃይማኖታዊ ጽሑፋት ምንዳድ ዘይሕጋዊ ዝገብር ሕጊ ኣጽዲቑ’ሎ። መንግስቲ ሽወደን በዚ መዳይ ሕጊ ሽወደን ክቕየር ይኽእል ድዩ ኣይከኣልን ንዝብል ኣርእስቲ ይምርምር ኣሎ፡፡ እዚ ድማ ፖሊስ ፍቓድ ሰልፊ ክህብ ከሎ ንሃገራዊ ድሕነት ዘስግእ ሓደጋታት ኣብ ግምት ከእቱ ከኽእሎ እዩ ተባሂሉ’ሎ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com