Saturday , April 27 2024

መንግስትን ሰልፊ ደሞክራትናን ጽልዋታት ኢሚግሬሽን ብጥንቃቐ ክምርምሩ ይጠልቡ

Credit: Jonas Ekströmer/TT

መንግስትን ሰልፊ ዲሞክራትናን ስደተኛታት ኣብ ቀረባ እዋን ብዛዕባ ዘምጽእዎ ቁጠባዊ ሳዕቤናት መርመራ ክጅመር ከም ዝደልዩ ተሓቢሩ። ጸሓፊ ሰልፊ ደሞክራትና ማትያስ ቢክስትሮም ዮሃንሰን “ፖለቲካ ኢሚግሬሽን ሽወደን ኣብ ባይታ ብዘለዉ ሓቅታት ዝተሃንጸ ክኸውን ይግብኦ እዩ” ክብል እዚ ዕማም ኣገዳሲ ምዃኑ ኣስሚሩሉ’ሎ። ሃገራዊ ትካል ቁጠባዊ ምርምር፡ ካብ ዝተፈላለያ ሃገራት ዝመጹ ስደተኛታት ኣብ ቁጠባ እንታይ ጽልዋ ከምዘሕደሩ ንምፍታሽ ዕማም ፍሉይ ክወሃቦ እዩ። ስደተኛታት ኣብ ዕዳጋ ሽቕለት፥ ግብሪን መልዕሎን ዘምጽእዎ ጽልዋ ክምርመር እዩ። መራሒ ሰልፊ ማእከል ሙሓረም ደሚሮክ ነቲ እማመ ነቒፉ’ሎ። ንሱ “ናብ ሽወደን ዝመጹ ሰባት ዝተፈላለየ ድሕረ ባይታ እዩ ዘለዎም። ገሊኦም ካብ ኲናት ሃዲሞም ዝለጹ እዮም፥ ስለዚ ድማ እቲ ዘድሊ ሓለዋ ክግበረሎም እዩ ዝግባእ” ይብል።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com