Saturday , April 27 2024

ፖሎቲካ

ነፈርቲ ሩስያ ክሊ ኣየር ሽወደን ግሂሰን ተባሂሉ።

ዝሓለፈ ዓርቢ ነፋሪት ኲናት ሩስያ፡ ንደቡባዊ ክሊ ኣየር ሽወደን ብለኪን ጥሒሳ ምእታዋ፡ ሰራዊት ምክልኻል ሽወደን ብቐዳም ኣብ መርበብ ሓበሬታኡ ኣብ ዝዘርግሖ ዜና ኣፍሊጡ። ነፈርቲ ኲናት ሽወደን ነታ ነፋሪት ከም ዝቖረጽኣ፡ ብርክት ዝበላ ሚድያታት ጸብጺበን ኣለዋ። ነፈርቲ ኲናት ሽወደን ነታ ነፋሪት ምስኣለን፡ እታ ነዚ ምጥሓስ ዝፈጸመት ነፋሪት ሩስያ ኣብ ዘመነ ሕብረት ሶቪዬት ነበር ካብ ዝፈረያን ስለያን ኮለላን ዘካይዳ Antonov An-30 ዝዓይነታ ምዃናን ገሊጸን ኣለዋ። …

Read More »

ስቶክሆልም ን ፓርክ ኤምባሲ ሩስያ ስሙ ክትቅይሮ እያ።

ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ፓርክ፡ ስሙ ናብ ጎደና ዘለንስኪ ክቕየር ብ ቆንስል ሰብመዚ ለበዋ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብ ክፍሊ ውጥን ዘለዉ ቆንስለኛታት፡ ነቲ ፓርክ ስሙ ክቕየር ምውሳኖም ይግለጽ ኣሎ። ኣብ ስቶክሆልም ዝመደብራ ሬድዮ ሽወደን ሎቻል ፒ 4፡ እዚ ጎደና ስሙ ናብ “ፓላስ ናጻ ዩክሬይን” ክቕየር ምዃኑ ኣፍሊጣ’ላ። እዚ ድማ፡ ህዝቢ ሽወደን ንግዳያት ወራር ኮይኖም ዘለዉ ዩክሬናውያን ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ እተገብረ ምቕያር ስም ምዃኑ፡ እታ ሬድዮ …

Read More »

ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ምህዋኽ ከም ዘየድልያ ለበዋ ቀሪቡ።

ሽወደን ኣባል ኔቶ ንምዃን እትገብሮ ዘላ ዘተ፡ ኣብ ዘየድሊ ምህዋኽ ምህላዋ ዘመልክት እዩ ክብል ኣምባሳደር UN ነበር ከምኡ’ውን ጡረተኛ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ፡ ፒር ሾሪ ገሊጹ። ሽወደን በዚ እንተቐጺላ፡ ኣብ ብርክት ዝበሉ ኣገደስቲ ጒዳያት፡ እንተላይ ምውራድ ኣጽዋራት ኑክሌር፡ ዝጸንሓ ተኣማንነት ክትስእን ትኽእል እያ ክብል እውን ኣጠንቂቑ። እንተኾነ ግና፡ ሚኒስተር ጊዳያት ወጻኢ ነበር ማርጎት ዋልስትሮም፡ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ፊንላንድ ኣብዚ ጒዳይ እትወስዶ ውሳነ …

Read More »

ሊንድ፡ ኣብ ጒዳይ ኣባልነት ኔቶ ገና ዝተዋህበ ውሳነ የለን።

ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ፡ ሽወደን ኣብ ጒዳይ ኣባልነት ኔቶ ገና ዝሃበቶ ውሳነ ከም ዘየለ ገሊጻ። ንሳ ኣብ ርእሰ ከተማ ፊንላንድ ሀልስንኪ፡ ምስ ፊንላንዳዊ መዘናኣ ፒካ ሃቪስቶ፡ ክልተኣዊ ርክብ ድሕሪ ምግባራ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ መግለጺ እያ ነዚ ሓበሬታ ሂባ ዘላ ። ኣብ ዞባ ባሕሪ ባልቲክ ዘሎ ጸጥታዊ ኲነታት እንድሕሪ እናኸፍአ መጺኡ፡ ሽወደንን ፊንላንድን ወተሃደራዊ ምትሕግጋዘን ከዕሙቛ ከም ዝኽእላ ሃቪስቶ ኣብቲ ጋዜጣዊ ዋዕላ …

Read More »

ጸጋማይ ሰልፊ ብዛዕባ ምጽንባር ኔቶ ረፈረንደም ክካየድ ጠሊቡ።

ጸጋማይ ተቓዋሚ ሰልፊ፡ ሽወደን ናብ ኔቶ ንምጽባር ወይስ ንዘይምጽንባር ብረፈረንደም ክትውስን ጠሊቡ። መራሒ እቲ ሰልፊ ኑሺ ዳጎስታር፡ ትማል ንግሆ ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ ዝብዝሑ ኣድመጽቲ ነተን ሽወደን ናብዚ ወተሃደራዊ ጥምረት ትሕወስ የብላን ንዝብላ ሰልፊታት ደገፍ ምሃቦም ኣመልኪታ። ፖለቲከኛታት መርገጽኦም ክቕይሩ እንተኾይኖም፡ እዚ ጒዳይ ንኣድምጽቲ ክግደፍ ምተገብኦ ኔሩ ኢላ። ሽወደን ረፈረንደም ከካይድ እየ እንተይላ፡ ሩስያ ኣብቲ ዝካየድ ወፍሪ ጽልዋ ከተሕድር ከም እትኽእል ዝገለጸት ዳጎስታር፡ …

Read More »

ማግዳሌና ኣንደርሾን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ረፈረንደም ክግበር ንዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ነቲ ብጸጋማይ ሰልፊ ዝቐረበን፡ ናብ ኔቶ ንምጽንባር ኣብ ሽወደን ረፈረንደም ክግበር ዝብልን ሓሳብ ነጺጋቶ። ሽወደን ኣብዚ ሕጂ እዋን ን ኣባልነት ኔቶ ኣመልኪታ ረፈረንደም ከተካይድ ትኽእል ድያ ንዝብል ሕቶ ኣመልኪቱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮንሾፒን መምህር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዮዋን ቫንስትሮም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ረፈረንደም ክተካይድ ግዜ ዝሓትት እዩ፡ ህሉው ኲነታት ድማ ነዚ ዝፈቅድ ኣይኮነን” ምባሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

Read More »

ኤጀንሲ ስደተኛታት፡ “ቊጽሪ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ካብ ትጽቢት ንታሕቲ እዮ”

ኣብ ዝመጽእ ኣዋርሕ፡ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ስደተኛታት ዩክሬይን ካብቲ ትጽቢት ተጌሩሉ ዝጸንሐ ዝወሓደ ከም ዝኸውን፡ ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ሎሚ ኣብ ዝዘርግሖ ሓበሬታ ኣፍሊጡ።. ክሳብ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ፡ 76,000 ስደተኛታት ዩክሬይን ክኣትዉ እዮም፡ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተነበረ፡ ክሳብ ምውዳእ ዓመተ 2022 ኣስታት 80,000 ጥራይ ናብ ሽወደን ክኣትዉ እዮም፡ ዝብል ግምታት ምህላዉ እቲ ኤጀንሲ ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። ዳይረክተር ጀነራል ኤጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን፡ ሚካኤል ሪበንቨክ እዚ ሰሙናዊ ገምጋም …

Read More »

ሩስያ ምስ ምጽንባር ኔቶ ብዝተሓሓዝ ንውሳነ ሽወደን ክትጸሉ ክትፍትን እያ ተባሂሉ።

ሽወደን ኣባል ኔቶ ናይ ምዃን ሕቶ ዳግመ ግምት ጌራትሉ ኣብ ዘላ እዋን፡ ሩስያ ንህዝቢን ፖለቲከኛታትን ሽወደን ንምጽላው ጻዕርታታ ከተዛይድ ከም እትኽእል፡ ብርክት ዝበሉ ክኢላታት ንሬድዮ ሽወደን ኣብ ዝሃብዎ ሓበሬታ ኣመልኪቶም። ኣብ ዩኒቨርሲቲ ሉንድ ፕሮፌሰር ትንታነ ድሕነት ቪልሀልም ኣግረል ነዚ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ተኽእሎ ምህላዉ፡ ሩስያ ኣብ ውሽጢ ሽወደን ስለያዊ ንጥፈታት ምግባር ልዑል ቀዳምነታታት ንክኸውን ዝድርኽ እዩ ኢሉ። ሩስያ …

Read More »

ሕሉፍ የማናዊ ፓሉዳን ኣብ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ስቶክሆልም ዋዕላ ከካይድ እዩ ተባሂሉ።

ሕሉፍ የማናዊ ምዃኑ ዝንገረሉ ዴንማርካዊ ፖለቲከኛ ራሙስ ፓሉዳን፡ ኣብ ባሕቲ ግንቦት ኣብ ሽወደን ከተማታት ስቶክሆልምን ኡፕሳላን፡ ንዝመርሖ ሰልፊ ስትራም ክላውስ ናይ ምርጫ ዋዕላ ከካይድ እዩ። ፓሉዳን ድርብ ዜግነት ሽወደንን ዴንማርክን ዘለዎ ኮይኑ ሰልፉ ኣብ ቀውዒ ኣብ ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ ሽወደን ንምስታፍ ተመዝጊባ ምህላዋ ዝፍለጥ እዩ። ብመሰረት ኣገልግሎት ዜና ተተ እዚ ኣብ ከታማታት ስቶክሆልምን ኡፕሳላን ዝግበር ዋዕላኡ ክሳብ 15 ሰባት ዘጠቓልል ኮይኑ መጒልሒ …

Read More »

ኤባ ቡሽ ንዝቐረበላ ነቐፌታታት መልሲ ሂባ።

መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኤባ ቡሽ፡ ፖሊስ ኣብ ልዕሊቶም ኣብ ዋዜማ ፋስጋ ጎነጻዊ ናዕቢ ዘካየዱ ሰልፈኛታት ተዂሲ ክኸፍቱ ምሕታታ፡ ከቢድ ነቐፈታ ከም ዘስዓበላ ተገሊጹ። ሓደ ካብዚኦም፡ ማሕበር ፖሊስን ሚኒስተር ፍትሒን ኮይኖም፡ ነቲ ኤባ ቡሽ ኣብ ቀዳመ ሰንበት ኣብ ብርክት ዝበላ ከተማታት ሽወደን እተኻየደ ጎነጻዊ ናዕቢ ኣመልኪታ ዝሃበቶ ርእይቶ ፡ብብርቱዕ ነቒፎሞ ኣለዉ። ኤባ ን ሬድዮ ሽወድን ፕሮግራም ቃለ-መሕትት ቐዳመ ኣብ ዝሃበቶ ሓበሬታ፡ በቲ ጎነጻዊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com