Thursday , May 9 2024
Foto: Paul Wennerholm / TT / kod 12110

ማግዳሌና ኣንደርሾን ናብ ኔቶ ንምጽንባር ረፈረንደም ክግበር ንዝብል ሓሳብ ነጺጋቶ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ነቲ ብጸጋማይ ሰልፊ ዝቐረበን፡ ናብ ኔቶ ንምጽንባር ኣብ ሽወደን ረፈረንደም ክግበር ዝብልን ሓሳብ ነጺጋቶ።

ሽወደን ኣብዚ ሕጂ እዋን ን ኣባልነት ኔቶ ኣመልኪታ ረፈረንደም ከተካይድ ትኽእል ድያ ንዝብል ሕቶ ኣመልኪቱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ዮንሾፒን መምህር ፖለቲካዊ ስነፍልጠት ዮዋን ቫንስትሮም ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ “ረፈረንደም ክተካይድ ግዜ ዝሓትት እዩ፡ ህሉው ኲነታት ድማ ነዚ ዝፈቅድ ኣይኮነን” ምባሉ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com