Wednesday , May 8 2024

ፖሎቲካ

ሽወደን ናብ ዩክሬይን ናይ ደም ከረጺት ከም ዘይትልእኽ ገሊጻ።

ዩክሬይን ኣውሮጳዊ ሕብረት ባዶ ናይ ደም ከረጺት ክልእከላ ሓቲታትሉ ኣብ ዘላ እዋን ሽወደን እኹል ቀረብ ስለዘይብላ ናብ ዩክሬይን ከረጺት ደም ከም ዘይትልእኽ ገሊጻ’ላ። “እዚ ምዃኑ ዘሕዝን እዩ። ኣየርላንድ ንባዕላ 4000 ናይ ደም ከረጺት ልኢኻ’ላ” ክትብል ኣብ ሆስፒታል ዩኒቨሪሲቲ ካሮሊንስካ ነባር ኣማኻሪት ምስግጋር መድሃኒት ኣግኔታ ዊክማን ቅሬታኣ ገሊጻ’ላ። "እዚ ሰኣን መኻዚኖታትና ምምላእና እዩ ተኸሲቱ” ክብል ኣብ ሃገራዊ ቦርድ ጥዕናን ድሕነትን ግዜያዊ ዳይረክተር ምምሕዳር ቅልውላው ታሃ …

Read More »

ፊንላንድ ንኣባልነት NATO ካብ ሽወደን ብዝፈጠነ ትግስግስ ኣላ ተባሂሉ።

ፊንላንድ ካብታ ብምዕራብ ወገን እትዳወባ ሽወደን ብዝቐልጠፈ ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ NATO ንምጽንባር ትግስግስ ኣላ ክብል ኣባል ትካል ኣህጒራዊ ጒዳያት ሽወደን ያን ሃለንበርግ ኣመልኪቱ።. ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን ምስ ሽወደናዊት መዘናኣ ማግዳሌና ኣንደርሾን ብረቡዕ ኣብ ስቶክሆልም ኣብ ዝሃበቶ ጥሙር ጋዜጣዊ ዋዕላ ሃገራ ኣብ ዝመጽእ ሳምንታት ኣባል ኔቶ ክትከውን ድያ ወይስ ኣይትኸውንን ክትውስን እያ ምባላ ዝዝከር እዩ። "ባቡር ኔቶ ብፍጥነት ይግስግስ ኣሎ፥ እዛ …

Read More »

ሽወደን ንተመዛበልቲ ዩክሬይን ዝኸውን 20,000 ቴንዳታት ከተዳሉ እያ።

ብመሰረት ኣውሮጳዊ ሕብረት ዝሃቦ ተልእኾ ሽወደንን ኤጀንሲ ሲቪላዊ ኣሸበሸብን ኣብ ዩክሬይንን ከባቢኡን ንዘለዉ ተፈናቐልቲ ዝኸውን ቴንዳታት የዳልዉ ኣለዉ። ብመሰረት ዝወጸ ውጥን እዚ ንምውዳእ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ ዝበለ ጸብጻብ ሬድዮ ሽወደን፡ እዚ ተልእኾ ካብ ዝፈጸሞም ዝዓበዩ ስራሓት ምዃኖም ኣመልኪቱ። ኲሉ ዘድሊ ግብኣታት ኣብ ውሽጢ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ክሽመት ከምኡውን እዚ ናይ ህጹጽ እዋን መዕቆቢ ኣብ መኻዚኖ ክሪስተነሃምን ክቕመጥ ተጌሩ’ሎ። ብመሰረት እዚ ውጥን ናይ ፈለማ ቴንዳታት ኣብ …

Read More »

ህዝቢ ልይሰኪ ን ስደተኛታት ዩክሬይን ብናጻ ክዳውንቲ ሂቡ።

ኣብ ምዕራባዊ ገማግም ሽወደን ኣብ እትርከብ ንእሽቶ ከተማ ልይሰኪል ዝርከቡ ጡረተኛታት፡ ስደተኛታት ዩክሬይን ክዳውንቲ ብናጻ ዝረኽቡሉ ድኳን ምኽፋቶም ይግለጽ ኣሎ። እዞም ክዳውንቲ ብህዝቢ እታ ከተማ ዝተለገሱ ኮይኖም ዱካን ቆይሙ እቶም ስደተኛታት ክብሮም ከይተተንከፈ ዘድልዮም ክዳን ክወዱ ከኽእሎም እዩ ተባሂሉ’ሎ።

Read More »

ጒዳይ ኣባልነት NATO ንፊንላንድን ሽወደንን የቀራርበን ኣሎ።

ሎሚ ረቡዕ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን ምስ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ሽወደን ማግዳሌና ኣንደርሾን ኣብ ስቶክሆልም ተራኺበን ብዛዕባ ጸጥታዊ ፖሊሲ፡ ከምኡ’ውን ክልቲኣተን ናብ ወተሃደራዊ ኪዳን ኔቶ ክጽንበራዶ ኣለወን ኣብ ዝብል ኣርእስቲ ዘትየን ኣለዋ። እዚ ምርኻብ ክልቲኣተን መራሕቲ ናብ መንግስቲ ፊንላንድ ዝቐረበ ጸጥታዊ ትንተና ስዒቡ እዩ ዝመጽእ ዘሎ። ብመሰረት እዚ ትንተና ባይቶ ፊንላንድ ኣብ ጒዳይ NATO ውሳነ ከሕልፍ ትጽቢት ክግበር እዩ። ኣብ እዋን ርክብ ክልቲኣተን ቀዳሞት …

Read More »

ክሳብ ሕጂ ናብ ኖርወይ ዝኣተዉ ሕሙማት ዩክሬናውያን ደርዘን ጥራይ እዮም።

ኖርወይ 550 ተሓከምቲ ዩክሬይን ክተእንግድ ትጽቢት እኳ እናተነበራ ዛጊት 12 ሕሙማት ጥራይ ናብታ ሃገር ምእታዎም TV 2 ጸብጺቡ። ከም ካንሰር ዝበለ ንህይወት ኣብ ኣደጋ ዘውድቕ ሕማም ዘለዎም ተሓከምቲ ዘድሊ ክንክን ክወሃቦም ምዃኑ ዳይረክተር ጥዕና እታ ሃገር ወሲኹ ገሊጹ’ሎ። “ፖላንድ ዘድሊ ሓገዝ ክትገብር ትጽዕር ኣላ፡ እዚ ዝድገፍ እዩ። ጥቓ ዩክሬይን ዘለዋ ሃገራት ክሳብ ሕጅ ጽቡቕ ቊጽጽር ዘለወን ይመስላ፡ ኣዚ ግና ቀልጢፉ ክቕየር ይኽእል እዩ” …

Read More »

ንያምኮ ሳቡኒ "ምንም ዝሓፍረሉ ጒዳይ የብለይን"

ብዓርቢ ካብ መሪሕነት ሰልፊ ሊበራል ብፍቓዳ ዝወረደት ንያምኮ ሳቡኒ ድሕሪኡ ንመጀመራት ግዜኣ ን TV4 ኔስትሞርገን ቃለመጠይቕ ጌራ’ላ። ሳቡኒ ኣብ 2019 እያ መራሒት ሰልፊ ሊበራል ኮይና። ብዓርቢ ድማ መዝነታ ን ምክትል መራሒ እቲ ሰልፊ ዮሃን ፐርሶን ኣረኪባ’ላ። "በዚ ዝሓፍረሉ ምንም ምኽንያት የብለይን። ገለ ብጌጋ ዝተተርጎሙ ነገራት ኣለዉ፡ እዚ ድማ ንዂሎም መራHti ሰልፊ ዘጋጥም ነገር እዩ፡ ምንም ሓድሽ ነገር የብሉን " ድሕሪ ምባል ኲሎም መራሕቲ …

Read More »

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሎሚ ረቡዕ ናብ ሽወደን ምብጻሕ ክትፍጽም እያ።

ቀዳመይቲ ሚኒስተር ፊንላንድ ሳና ማሪን ሎሚ ረቡዕ ምስ መዘናኣ ማግዳሌና ኣንደርሾን ንምርኻብ ናብ ስቶክሆልም ክትኣቱ እያ። ሩስያ ዝሓለፈ ለካቲት ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ወራር ድሕሪ ምፍጻማ ኣባልነት ወተሃደራዊ ኪዳን (ኔቶ) ምዃን ኣብ ክልቲኣተን ሃገራት ኣካታዒ ዛዕባ ኮይኑ ምህላዉ ዝፍለጥ እዩ። ሎሚ ረቡዕ ን ባይቶ ፊንላንድ ሓድሽ ገምጋም ፖሊሲ ጸጥታ ቀሪቡሉ ኣባል ኔቶ ምዃን ዘለዎ ረብሓታትን ሒዝዎ ዝመጽእ ስግኣታትን ክዝርዘር እዩ ክትብል ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ’ላ።

Read More »

UN: ቊጽሪ ስደተኛታት ዩክሬይን 4.5 ሚልዮን በጺሑ

ኣብ 24 ለካቲት ወራር ሩስያ ድሕሪ ምጅማሩ ብውሕዱ 4.5 ሚልዮን ዩክሬናውያን ከም እተሰደዱ ላዕለዋይ ኮሚሽነር ውድብ ኡራት ሃገራት UNHCR ሓቢሩ። “ኲናት ዩክሬይን ናብ እናበርትዐ ምምጽኡ ሞት ሲቪላውያንን ትሕተ ቅርጺን ክበጽሕ ከም ዝገበረ UNHCR ወሲኩ ገሊጹ’ሎ። “እዚ ኲነታት ሰባት ዓኦም ገዲፎም መጽለሊ፡ ዕቚባን ሓገዝን ንምድላይ ክስደዱን ጌሩ እዩ” ክብል CNN ነቲ ውድብ ብምጥቃስ ጸብጺቡ፡ሎ። ዛጊት ፖላንድ ዝበዝሑ ካብዞም ስደተኛታት ማለት 2.6 ሚልዮን ወሲዳ ምህላዋን ዝገለጸ …

Read More »

ሳቡኒ ስልጣና ምሕዳጋ ንሰልፊ ሊበራል ዓብዪ ሃስያ ምኹኑ ይግለጽ ኣሎ።

ንያምኮ ሳቡኒ ብፍቓዳ ካብቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝመርሓቶ ሊበራላዊ ሰልፊ ብዓርቢ ምውራዳ ፖለቲካ ሽወደን ሓድሽ ቅርጺ ንኽሕዝ ዝድርኽ እዩ ይበሃል ኣሎ። እቲ ሰልፊ ኣብ መስከረም ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ብምክትል ጸሓፊኡ ጆሃን ፐርሶን ኣቢሉ ክውከል እዩ ። እንተኾነ ኣብ ኣፋን ዕርበታን ምርጫ እዚ ሰልፊ ብሓድሽ መራሒ ክውከል ምግባር ንፖለቲካዊ ዕድሉ ዘመሓይሽ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ’ሎ። ምናልባት ነቲ ስልፊ ህላዌኡ ዝፈታተን ብድሆ ክኸውን …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com