Sunday , May 5 2024

ፖሎቲካ

ስሪ ላንካ፡ ዕዳታታ ብቆጽሊ ሻሂ ክትከፍል ድሌት ከምዘለዋ ገሊጻ

ስሪ ላንካ ኣብ ዝሓለፉ እዋናት ካብ ኢራን ንዝዓደገቶ ነዳዲ ቅድሚ ሕጂ ብዘይተለምደ ሓድሽ ዓይነት ብዝኾነ ኣገባብ ክትከፍሎ ተስፋ ከምዘለዋ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ተስፋ’ዚ ድማ ኣብ ወርሒ 46 ሚልዮን ክሮኖር ዝግመት ዋጋ ዘውጽእ ቆጽሊ ሻሂ፡ ነቲ ዳርጋ 2.3 ቢልዮን ክሮኖር ዝበጽሕ ዕዳ ናይ ኢራን ንምኽፋል የኽእለኒ እዩ ትብሎ ተስፋ ምዃኑ ቢቢሲ ጸብጺቡ። ከም ቤት ምኽሪ ቆጽሊ ሻሂ …

Read More »

ደቡብ ኮርያ፡ መንግስታዊ ምሕረት ትገብር

ፕረዚደንት ደቡብ ኮርያ፡ ሙን ዠ ኢን፡ ንፕረዚደንት ነበር፡ ፓርክ ግወን-ህየ፡ መንግስታዊ ምሕረት ከም ዝገበረላ ተፈሊጡ። ግወን-ህየ ኣብ ስልጣን ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ብሰንኪ ዝፈጸመቶ ብልሽውናን ምስግዳድን ን 22 ዓመታት ማእሰርቲ ተፈሪዳ ምጽንሓ ዝፍለጥ እዩ። ግወን-ህየ ብዴሞክራሲያዊ ኣገባብ ተመሪጻ ካብ ስልጣን እተኣልየት ፋልመይቲ ፕረዚደንት እታ ሃገር እያ። ንሳ ኣብዛ ዓመት ጥራይ ሰለስተ ሳዕ ብሕዱር ቃንዛ መንኲብን ታሕተዋይ ሕቖን ኣብ ሆስፒታል ሕክምና ክትከታተል …

Read More »

መንግስቲ ሽወደን፡  ንሩስያውያን ዕሱባት፡ ኣምሪሩ ነቒፉ

ሽወደን ነቶም ኣብ ማሊ ዝዋግኡ ዘለው ዕሱባት ሩስያውያን ብዕሊ ከምዝነቐፈት ተፈሊጡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዋግነር ተባሂሉ ዝፍለጥ ናይ ሩስያ ኩባንያ፡ ናብታ ብናይ ጥቕሚ ግርጭት ትንኖ ዘላ ሃገር፡ ዕሱባት ከምዝሰደደ ምስተፈልጠ ናይ ብዙሓት ሃገራት ኩነኔ ካምዝበጽሓ ክፍለጥ ተኻኢሉ ኣሎ። ፈረንሳ እያ ንኻልኦት ምዕራባውያን ሃገራት ኣብ ጎና ብምስላፍ ነቲ ዕላዊ መግለጺ ኩነና ኣብ ምውጻእ ርኡይ ተራ ትጻወት ዘላ። ካብተን ነዞም …

Read More »

ኣመሪካን ሩስያን ብጒዳይ ዩክሬይን ክዘራረባ ተሰማሚዐን

ሩስያ፡ ኣብ ዶብ ሃገረ ዩክሬይን እትገብሮ ዘላ ምጽጋዕ ገዚፍ ሰራዊት፡ ኣመልኪተን ኣመሪካን ሩስያን ቅድሚ ክኣቱ ሒደት መዓልታት ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዘሎ ሓድሽ ዓመት ክዘራረባ ምዃነን ሰብመዚ ኣመሪካ ገሊጾም። ፕረዚደንት ፑቲን እውን ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ጀነቫ ክራኸቡ ተስፋ ከም ዘለዎ ክገልጽ ጸኒሑ እዩ። መራሒ ሩስያ፡ ቭላድሚር ፑቲን፡ ቀጻልነት ሓይልታት ኪዳን ኣትላንቲክ (Nato) ነዚ ቅልውላው ኣብ ምብታን ክምርኮስ ህጹጽ ውሕስነት ክወሃቦ ጠሊቡ’ሎ። …

Read More »

ቻይና: ነቲ ብሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ ዝተነብረ እገዳታት: ግብረ- መልሲ ሂባ

ቻይና ኣብ ልዕሊ 4 ዜጋታት ኣመሪካ እገዳ ኣንቢራ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ እዚ ስጉምቲ’ዚ፡ ነቲ ሕ. መ. ኣ. ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ልዕሊ ሺንጅያንግ ዝግበር ዝነበረ ንጥፈታት ቻይና ንምቁጽጻር ዘንበረቶ እገዳታት ግብረ- መልሲ ንምሃብ’ዩ ተባሂሉ፡፡ ሕ.መ.ኣ. ነቶም ሰዓብቲ ሃይማኖት ምስልምና ዝኾኑ ውሑዳት ኡጉራውያን ዓሌት ግዳይ፡ ጃምላዊ መቕተልቲ ከምዝኾኑ’ያ ትኣምን፡፡ እቶም 4 እገዳ ዝተነብረሎም ኣመሪካውያን፡ ምስ’ቲ ኣብ መላእ ዓለም፡ ንሃይማኖታዊ …

Read More »

ሽወደን ኣብ ዓለም . . . 1ይ ክፋል . . . ሽወደንን ኤውሮጳዊ ሕብረትን

ሽወደን፡ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ካብ ትኸውን፡ ምስ ዓለምለኻውን ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተሓሓዙ ስራሓት እንዳበዝሑ እዮም መጽዮም። ኩለን ኣብያተ ጽሕፈት ሚኒስትሪታት ሽወደን፡ ምስ ኤውሮጳዊ ሕብረት ዝተሓሓዙ ስራሓት ይዓያ፣ ናይ ሽወደን መገጺታት የዳልዋ፡ ከምኡ ድማ፡ ኣብቲ ቤት ፍርዲ ኣውሮጳ ሕብረት ዝላዓሉ ጉዳያት ይከታተላ። ኣብ ዓመተ 1994 ድሕሪ ዝተኻየደ ረፈረንደም፡ ሽወደን፡ ካብ ዕለት 1 ጥሪ 1995 ጀሚራ፡ ኣባል ኤውሮጳዊ ሕብረት ክትከውን በቒዓ። ኣባል …

Read More »

በዓል መዚ ውሕስነት መድሕን ሽወደን …ንኣሽሓት ሰባት ብዘይክፍሊት የጸብዮም!

ኣስታት 6,000 ሰባት ካብ ፎርሼክሪንካሳን ክረክብዎ ዝግበኦም ናይ ካሕሳ ክፍሊት ቕድሚ በዓል ልደት ክቕበልሉ ዝክእሉ ግዜ ከምዘይብሎም፡ ሬድዮ ሽወደን  P4 ዮቶቦሪ ጸብጺቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ከኣ፡ ብምክንያት እቲ በዓል መዚ፡ ንኩሎም ጉዳያት ከማሕድሮም ስለዘይከኣለ’ዩ። በዓል መዚ ውሕስነት መድሕን ሽወደን፡ ምስ ናይ ዝሓለፈ ዓመት ተመሳሳሊ ግዜ ብምንጽጻር፡ ካብ ጥቅምቲ ንደሓር ጥራይ፡ ከባቢ 500,000 ተወሰክቲ ምልክታታት ካብ ንግዜኡ ናይ …

Read More »

ሊብያ . . . ፕረዚደንታዊ ምርጫ፡ ክናዋሕ እዩ ተባሂሉ

ጽባሕ ዓርቢ ክካየድ ተሓሲቡ ዝነበረ ፕረዚደንታዊ ምርጫ ሊብያ፡ ንሓደ ወርሒ ክናዋሕ ምዃኑ ኮሚሽን ምርጫ ሊብያ ገሊጹ። እቲ ኮሚሽን፡ ምስ ባይቶ እታ ሃገር ድሕሪ ዘካየዶ ልዝብ፡ ነቲ መዓልቲ ምርጫ ናብ 24 ጥሪ ክሰግር ምግባሩ ኣመልኪቱ’ሎ። እቲ ባይቶኣዊ ኮሚቴ፡ ኣቐድም ኣቢሉ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጽባሕ ዓርቢ ምርጫ ምክያድ ዘይከኣል እዩ ምባሉ ዝዝከር እዩ። እዚ ምርጫን ሕጹያትን ሕጋውያን ድዮም ዝብል ክርክራት ከምኡውን ናይ …

Read More »

ኣብ ሆንግ ኮንግ ዝነበረ ሓወልቲ፡ ህልቂት ኣደባባይ ታያናንመን፡ ተኣልዩ

ኣብ ቀጽሪ ዩኒቨርሲቲ ሆንግ ኮንግ ዝነበረን ንዝኽሪ ህልቂት ኣደባባይ ታያናንመን ተባሂሉ ዝቖመን ሓወልቲ ትማል ረቡዕ ካብቲ ዝነበሮ ክእለ ከም እተገብረ ቢቢሲ ሓቢራ። እቲ ሓወልቲ ኣብ 1989 ዴሞክራሲ ብምጥላቦም ኣብ ኣደባባይ ታያናንመን ብሰብ መዚ ቻይና ናይ ዝተረሸኑ ተመሃሮ መዘከርታ ኮይኑ፥ ኣብ ርእሲ ርእሲ እተደራረበ ሬሳታት እቶም ተመሃሮ ዘርኢ እዩ። ኣብ ሆንግ ኮንግ ካብ ዝነበራ ሒደት ህዝባዊ መዘክራት ሓደ ምንባሩ ዝንገረሉ እዚ …

Read More »

ልዕሊ 160 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም

ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ልዕሊ 160 ዘይሕጋውያን ስደትኛታት፡ ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ንኽበጽሑ፡ ውሕስነት ብዘይብለን ጀላቡ ተጠቂሞም ክሰግሩ ይፍትኑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ብዘጋጠሞም ሓደጋ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ኣስታት 1500 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዘምርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ከምዝሞቱ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com