Sunday , May 5 2024

ፖሎቲካ

ኦስትርያ . . . ዕጽዋ ናይ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ዝድንግግ ሕጊ ኣመሓላሊፋ

ካብ ሰኑይ ጀሚራ፡ ሃገረ ኦስትርያ፡ ኣብ ልዕሊ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ካብ ገዛ ንኸይወጹ ዝግድድ ሓድሽ መምርሒ ከምዘመሓላለፈት ብመንገዲ ቻንይስለር ኣለክሳንደር ሻለንበርግ ኣቢላ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ኮይኖም፡ ናይ ክታበት ሰርቲፊከት ይኹን ሕማም ኮቪድ-19 ተታሒዞም ከምዝነበሩ ዝሕብር ሰርቲፊኬት ከቕርቡ እንተዘይክኢሎም፡ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ዝግድድ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ሕጊ፡ ከም …

Read More »

Harmony Media News 19/11/2021

Read More »

ኢትዮጵያ . . . ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተለቒቖም

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 70 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ (WFP)፡ ትማሊ ሓሙስ ከምዝተለቐቑ ወሃብ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። እዞም ሰራሕተኛታት ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ዝኾኑ መራሕቲ መካይን፡ ኣብታ እንኮ ካብ ክልል ዓፋር ናብ ክልል ትግራይ ተእቱ መንገዲ እናሰርሑ እንከለዉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ይዝከር። ቅድሚ እዞም መራሕቲ መካይን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ሰራሕተኛታት …

Read More »

ዘይርጉእ ኩነታት ሱዳን

ብረቡዕ፡ ብኣባላት ጸጥታ ሃገረ ሱዳን ብዝተቶከሰ ጠያይት፡ 15 ሰልፈኛታት ድሕሪ ምሟቶም፡ ብሓሙስ፡ ኣብ ርእሲ ከተማ ሃገረ ሱዳን፡ ካርቱም፡ ሓድሽ ናዕቢ ቀጺሉ ከምዝወዓለ ካብታ ሃገር ዝተረኽቡ ጸብጻባት ሓቢሮም ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ትማሊ ሓሙስ ንግሆ፡ ነቶም ኣብ ጎደናታት ዝሓደሩ ሰልፈኛታት ንምብታን፡ ፖሊስ፡ ዘንብዕ ጋዝ ከምዝተጠቀመን ድሒሩ ግን፡ እቶም ሰልፈኛታት፡ ከምእንደገና ከምዝተኣኻኸኡን፡ ናብ ፖሊስ ድማ፡ ኣእማን ክድርብዩ ከምዝተራእዩን እቲ ጸብጻብ ገሊጹ። …

Read More »

ኬንያ፥ ሚስጥራዊ ፍቕሪ ንዝእግድ ሕጊ ከተጽድቕ እያ። 

ኬንያ ሚስጥራውያን ኣፍቀርቲ ድሕሪ ሞት ኣፍቃሪኦም ክወርሱ ዝገብር ልማድ ብሕጊ ክትእግድ ምብጋሳ ኣብ ብዙሓት ዜጋታት ብሓጎስ ከም እተቐበልዎ ተገሊጹ። ብመሰረት’ዚ ብኣባል ባይቶ፡ ፒተር ካሉማ፡ እተላዕለ እማመ ድሕሪ ሞት በዓልሓዳር ናይ ምውራስ መሰል ዝህልዎም እቶም ብሕጋዊ መርዓ እተወልዱ ቆልዑ ጥራይ ክኾኑ እዮም። በዚ ድማ ሃብቲ ሚስጥራዊ ኣፍቃሪአን ክወርሳ ዝጽበያ ኣፍቀርቲ ምንም ዝወርሳኦ ኣይክህልወንን እዩ። ብዙሓት ኬንያውያን በዚ እማመ ከም እተሓጎሱ ብ …

Read More »

ፓስፖርትን መንነትን ሓድሽ መልክዕ ሒዞም ክቀርቡ እዮም

ካብ ዕለት 1 ጥሪ 2022 ጀሚሩ፡ ናይ ሽወደን ካርድ መንነትን ፓስፖርትን፡ ሓድሽ መልክዕ ሒዞም ክቀርቡ ምዃኖም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ዝኾነሉ ዘሎ ምኽንያት ድማ፡ ናይ ሽወደን ካርድ መንነትን ፖስፖርትን ዝለዓለ ብቕዓት፡ ውሕስነትን ዓለምለኻዊ መለክዕታት ዘማለአ ንኽኸውን ተባሂሉ ዝተገብረ ምዃኑ ተሓቢሩ። በዚ መሰረት፡ ናይ ሽወደን ካርድ መንነትን ፓስፖርትን፡ ኣብ ዓለም ናይ ፈለማ ተባሂሉ ዝንገረሉ ብ “ኣንሳፋፊ ስእሊ (floating …

Read More »

ኩስታርድ፡ ፍርያቱ ንኽምለስ ወሲኑ

ኩባንያ ፍርያት መግቢ፡ ኦኣትሊ ኩስታርድ (Oatly custard)፡ ነቲ ኣብ ትካላት ኢካ ዝሽየጥ ዘሎ ናይ 250 ሚ. ሊትሮ ዓቐን ዘለዎ፡ ዕለተ ጥቕሙ ክሳብ 5 ወርሒ ሰነ 2022 ዝኾነ ፍርያቱ፡ ጭልፍላፍ ሓጺን ስለዘለዎ ናብ ኩባንይኡ ንኽምለስ፡ ጸዊዑ ኣሎ ክብል ኣህጉራዊ በዓል መዚ መግቢ፡ ኣብ ዘካየዶ ጋዜጣዊ መግለጺ ሓቢሩ።

Read More »

Harmony Media News 17/11/2021

Read More »

ኢትዮጵያ፥ ጃማላዊ ግፋ ተጋሩ ይቕጽል

መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ብዕለት 2 ሕዳር፡ ናይ ህጹጽ እዋን ካብ ዝእውጅ ንደሓር፡ ብውሕዱ 1000 ዝኾኑ ተጋሩ ተገፊፎም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ መንግስቲ ምውዓሎም ወኪል ሰብኣዊ መሰላት ዘውጽኦ ጸብጻብ ኣረዲኡ። ኣብዚ ንሽዱሽተ ኣዋርሕ ክጸንሕ እዩ ዝበሃል ዘሎ ኣዋጅ ህጹጽ እዋን፡ ሰብ መዚ ንዝጠርጠርዎም ሰባት ብዘይፍቓድ ቤትፍርዲ ክፍትሹ ክኣስሩን ክሕይሩን ስልጣን ከም እትዋህቦም ጸብጻባት የመልክቱ። ክሳብ ሕጂ ብውሕዱ 1000 ዝኾኑ ሰባት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን …

Read More »

ህንዲ፥ ብሰንኪ ምብካል ኣየር ከተማ ደልሂ: ኣብያተ ትምህርቲ ትዓጹ

ሰብመዚ ርእሰ ከተማ ህንዲ–ደልሂ ብሰንኪ እናኸፍአ ዝመጸ ብከላ ኣየር ኣብያተ ትምህርቲን ኮሌጃትን ክዓጽዉ ምውሳኖም ገሊጾም። ብዘይካዚ ክሳብ ዕለት 21 ናይዚ ሒዝናዮ ዘለና ወርሒ ስርሓት ህንጻ ከም እተኸልከለ ተሓቢሩ። ኣብ ጽላታት መጓዓዝያን ምክልኻል ሃገርን ዝተዋፈሩ ናይ ህንጻ ስርሓት ገዲፍካ ኣብ ካልኦት ደው ክብል ተጌሩ’ሎ። ኣብታ ከተማ ካብ ዝዓያ 11 ብከሰል ዝሰርሓ ትካላት ጸዓት እተን ሓሙሽተ ጥራይ ክዓያ ተፈቒዱለን ኣሎ። ካብ ፈስቲቫል …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com