Saturday , May 18 2024

ፖሎቲካ

ኢትዮጵያ፥ ወተሃደራት ሱዳን ኣይቀተልኩን ትብል

ኣብ ዶብ ሱዳንን ኢትዮጵያን፡ ኣባላት ሰራዊት ሱዳን፡ ብሰራዊት ኢትዮጵያ ተቐቲሎም ንዝብል ዜና ኣመልኪቱ፡ ዋና ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ እዚ ካብ ሓቂ ዝረሓቐ እዩ ክብል ምግላጹ ኣብ ኣመሪካ ንዝመደብሩ ESAT ዝተሰምየ ማዕከን ዜና ብምጥቃስ ቢቢሲ ሓቢራ። ንሱዳን እነጥቅዓሉ ምኽንያት የብልናን፡ ብዘይብእኡ እውን ካብ ሰሜን ንዝመጹና ዕጡቃት ሰራዊት ትግራይ ኣብ ምምካት ኢና ንርከብ ዘለና ክብል ኣዛዚ ሰራዊት ኢትዮጵያ፡ ጀነራል ብርሃኑ ጁላ፡ ገሊጹ’ሎ። ንሱ፡ …

Read More »

ኣመሪካን ኢራንን ዝተጀመረ ዘተ ኑክሌር፡ ክቕጽል ድሌት ከም ዘለወን ይገልጻ

ድሕሪ ሓሙሽተ ኣዋርሕ፡ ዘተ ውዕል ኑክሌር ኣመሪካን ኢራንን ኣብ ቪዬና ኦስትርያ ክቕጽል እዩ ተባሂሉ። ኣብዚ ዘተ፡ ኣመሪካ ናብቲ ኣብ 2015 ዝኣተወቶ ውዕል ክትምለስን ኣብ ልዕሊ ኢራን ዝተጻዕነ እገዳ ኸኣ ክለዓልን ዝብሉ ጒዳያት ብሰብመዚ ክለዓሉ ከም ዝኽእሉ ትጽቢት ተጌሩ’ሎ። ፕረዚደንት ትራምፕ፡ ካብ ውዕል 2015 ድሕሪ ምስሓቡ፡ ኢራን እውን ኣብቲ ውዕል ዘለዉ ወሰንቲ ሕጊታት ብምጥሓሳ ኣብ ልዕሌኣ እገዳ ተጻዒኑ ምጽንሑ ዝፍለጥ እዩ። …

Read More »

ንጉዳይ ኦሚክሮን ኣመልኪተን፡ ሃገራት G7፡ ክጋበኣ እየን

ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ፡ ኣቦ ወንበር ናይ ሃገራት G7 ብምዃና፡ ንጉዳይ ሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ንምዝታይ ሎሚ ሰኑይ፡ ብደረጃ ሚኒስተራት ጥዕና እተን ሃገራት፡ ኣኼባ ንምክያድ ጸዊዓ ከምዘላ ሚኒስትሪ ጥዕና እታ ሃገር ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሃገረ ዓዲ እንግሊዝ፡ ጀርመን፡ ጣልያንን ሆላንድን፡ ብሓድሽ ጅር ኦሚክሮን ዝተለኽፉ ሰባት ከምዝተራእዩወን ገሊጸን። ሃገራት G7 ዝበሃላ፡ ናይ ዓለምና ዝዓበየ ቁጠባ ዘለወን ሃገራት ኮይነን፡ ንፈረንሳ፡ ጣልያን፡ …

Read More »

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ … ሽወደናውያን ካብ ኢትዮጲያ ንኽወጹ ተማሕጺኑ

ሚኒስትሪ ጉዳያት ወጻኢ ሽወደን፡ ኣብ ኢትዮጲያ ዝርከቡ ሽወደናውያን፡ ካብታ ሃገር ክወጽኡ መጸዋዕትኡ ቐጺሉ። ኣማኢት ሽወደናውያን፡ ኣብታ ሃገር ተሪፎም ከምዘለዉ እቲ ሚኒስትሪ ብምውሳኽ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ ኢትዮጲያ ዘሎ ግጭት እናበኣሰ ይኸይድ ምህላዉ፡ እቲ ሚኒስትሪ፡ ብምውሳኽ ገሊጹ። እቲ ሚኒስትሪ ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ “ካብ ኢትዮጲያ ዝብገሳ ናይ ንግዲ በረራታት፡ ክሳብ ሕጂ ከምዘለዋን፡ ግን ከኣ ካብታ ሃገር ናይ ምውጻእ ዕድል …

Read More »

ሱዳናውያን ፖለቲከኛታት፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ ነጻ ተለቒቖም

ኣብቲ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ሱዳን፡ ብርክት ዝበሉ ናይ ሱዳን ላዕለዎት ሰበ-ስልጣን ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዮም ምንባሮም ይዝከር። እዞም ሰበ ስልጣን፡ ኣድማ ምሕሳም መግቢ ምስ ጀመሩ፡ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዘይኣክል፡ ካብ ትሕቲ ቀይዲ ከም ዝልቀቑ ከምዝተገብረ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብ መንጎ ቀዳማይ ሚኒስተር ሱዳን፡ ዓብደላ ሓምዶክን መራሒ ወተሃደራዊ ሓይልታት ሱዳን፡ ዓብዱልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ንምፍታሕ ናይ …

Read More »

ዮቶቦሪ …. ድሕሪ ንዓሌትነት ዝቓዎም ሰልፊ፡ ሰለስተ ተፈሪዶም

ምስ ኣብ ዝሓለፈ ክረምቲ ኣብ ዝተገብረ ናይ “ብላክ ላይቭስ ማተር ” ተቓውሞ ብዝተሓሓዝ ገበን፡ ሰለስተ ተወሰክቲ ሰባት ተፈሪዶም። ሓደ ካብኣቶም ንኣርባዕተ ኣዋርሕ ኣብ ቤት -ማእሰርቲ ክፍረድ ከሎ፡ እቶም ዝተረፉ ክልተ ከኣ ኣብ ማሕበራዊ ዕዮ ከገልግሉ ከምዝተወሰነሎም ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እዚ ካልኣይ መስርሕ ፍርዲ፡ ኣብ ኮማዊ ቤት -ፍርዲ ዮቶቦሪ፡ 36 ሰባት ብዝተፈልላለዩ ነገራት ዝተከሰሱሉ ‘ዩ። ኣብ ሞንጎ እቶም …

Read More »

ፖላንድ፡ ንተወሳኪ እገዳታት ትዳሎ

ፖላንዳዊ ቀዳማይ ሚኒስተር፡ ማተዩዝ ሞራወስኪ፡ ድሕሪ ምስ ናይ ጀርመን ቻንስለር ነበር ኣንጀላ መርከል ኣብ በርሊን ኣብ ዝገብሮ ዝርርብ፡ ኣብ ዶብ ፖላንድን ቤላሩስን ዘሎ ቅልውላው ንክብእስ ኣብ ሓደጋ ከምዘሎን፡ እዚ እንተ ደኣ ኣጋጢሙ ከኣ ኤውሮጳዊ ሕብረት ኣንጻር ስርዓት ሚንስክ ግድን ድምጹ ከትርር ክዳሎ ከምዘለዎ ተዛሪቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ንሱ ወሲኩ ከምዚ ክብል ተዛሪቡ “ግድን ንተወሳኪ እገዳታት ክንዳሎ ኣሎና፡ ንንግዲ …

Read More »

Harmony Media News 26/11/2021

Read More »

ፈረንሳ፡ ናብ ዓባይ ብሪጣንያ ትገብሮ ዝነበረት ናይ መራኽብ ኣገልግሎት፡ ኣቋሪጻ

ፈረንሳውያን ገፈፍቲ ዓሳ፡ ብመትረብ እንግሊዝ (ኢንግሊሽ ቻነል) ኣቢሎም ናብ 3 ወደባት ዓዲ እንግሊዝ ዘካይድዎ ዝነበሩ ኣገልግሎት ይኹን ብመንገዲ መራኽብ ዝካየድ ዝነበረ ናይ ኣቕሑት ምምልላስን ጉዕዞታትን፡ ክቋረጽ መደብ ተታሒዙ ከምዘሎ መንግስቲ ፈረንሳ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ዓባይ ብሪጣንያ፡ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረት ድሕሪ ምውጻኣ፡ ናይ ፈረንሳ፡ ዓሳ ናይ ምግፋፍ መሰላት ገደብ ስለዝተገብረሎም፡ እዚ ዝሕሰብ ዘሎ ውሳነ ድማ፡ ነዚ ዘሎ ወድዓዊ …

Read More »

ማግዳሌና ኣንደርሾን ብወለንትናኣ መዝነታ ኣረኪባ

እታ ብረቡዕ መዓልቲ፡ ሓዳሽ ቀዳመይቲ ሚኒስተር ናይ ሽወደን ዝኾነት፡ ማግዳሌና ኣንደርሾን፡ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት፡ ስልጣና ብድሌታ ሓዲጋቶ። ነዚ ከም ዋና ምኽንያት ዝቐረበ ድማ፡ እቲ ንሳ ዝተጸበየቶ ባጀት ስለዝተነጽገን ብተወሰኺ’ውን መላፍንቲ ናይቲ መንግስትነት ዝነበረ ሓደ ናይ ፖለቲካ ሰልፊ፡ ካብቲ መንግስቲ ብምልቃቑ ከምዝኾነ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ንሳ፡ ከም መራሒት ናይ ሓደ ውድብ ጥራሕ ኮይና ክትምለስ ድልየት ኣለዋ። ኣንደርሾን፡ “ብመሰረት ቅዋማዊ ልምዲ፡ እንድሕር …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com