Saturday , May 18 2024

ፖሎቲካ

ናይ ሕማም ረብሓታት ንኽውሰኽ፤ ሓድሽ እማመ ቀሪቡ

ብሕማም ምኽንያት ካብ ስራሕ ንዘቋርጹ ሰባት፤ ዝሓሸ ቁጠባዊ ደገፍ ንኽረኽቡ ዘኽእል መንግስታዊ እማመ ኣብቲ ናይ ዓመተ 2022 ባጀት ከምዝቐረበ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ቁጠባዊ ኩነታት ሃገርና ኣብ ሕማቕ ኣብ ዝህልወሉ እዋን፤ ኩነታት ዜጋታትና ግን ኣብ ዝሓሸ ንኽህሉ ተወሰኽቲ ስጉምታት ክትግበሩ ይግባእ ክትብል ሚኒስተር ጾታዊ ማዕርነትን ኣባይትን፤ ማርታ ስተኔቪ፤ ገሊጻ። ተወሳኺ ናይ ሕማም ረብሓታት ንምኽፋል፤ 2 ቢልዮን ክሮነር፤ ዝሓትት ሓድሽ …

Read More »

ኣብ ልዕሊ ኣንደርሾን ዘሎ ደገፍ ይዓቢ

ምምሕዳር ከተማ ካልማር፤ ነተን ብሶሻል ዲሞክርትና ዝምራሓ ካልኦት ምምሕዳራት ስዒባ፤ ከም መራሒት ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፤ ንስቴፋን ሎቪን ተካኢት ንኽትከውን ንሚኒስተር ፋይናንስ፤ ማግዳሊና ኣንደርሾን፤ ደገፋ ሂባ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ኣብቲ ኣብ ዓመተ 2022 ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፤ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና ንኽዕወት፤ ኣንደርሾን፤ ነቲ ሰልፊ ብብቕዓት ኣብ ምምራሕን ናብ ዓወት ኣብ ምብጻሕን ዓቢ ተራ ክትጻወት ከምእትኽእል፤ ኣብ ምምሕዳር ከተማ ካልማር ዝርከብ …

Read More »

ጳጳሳት ካቶሊክ ደቡብ ሱዳን፡ ትግባረ እተመሓየሸ ስምምዕ ሰላም፡ ብምብርዓኑ ቅሬታኦም ገሊጾም

እዚ ስምምዕ ሰላም ቅድሚ ሰለስተ ዓመታት ዝተኸተመ ኮይኑ ነቲ ንሓሙሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ግርጭት እታ ሃገር ክፈትሕ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሕዲሩ ምንባሩ እቶም ጳጳሳት ብምረት ገሊጾም ። ቀንዲ ምኽንያት ናይዚ ግርጭት ተፈሊቱ፡ ክፍታሕ ክኽእል ኣለዎ፡ ክብሉ እዞም ጳጳሳት ብሊቃነ ጳጳሳት ጁባ፡ ስቴፈን ማርቲን፡ እተኸተመ ደብዳቤኦም ልኢኾም ኣለዉ። መራሕቲ ደቡብ ሱዳን ልባቶም ክልውጡን ንህዝቦም ነጻነት ከይከልኡን ድማ ተማሕጺኖም ኣለዉ። ኣብ ሃገርና፡ ዝነበረ …

Read More »

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ዘተ ኢትዮጵያ፥ ሱዳንን ግብጽን ንክቕጸል ተላብዩ

ኢትዮጵያ፥ ሱዳንን ግብጽን ንሽግር ፈለግ ኒል፡ ኣብ ውሽጢ “ርትዓዊ ናይ ግዜ መጠን” ንምፍታሕ ልዝበን ክቕጽላ ኣተሓሳሲቡ። ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብረቡዕ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ እዘን ሃገራት፡ ብኣቦ መንበርነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ንዝቐረበ ናይ ዘተ ዕድመ ብምቕባል ኣብ ጒዳይ ኒል ዝጀምረኦ ዘተ ክቕጽላ ኣትሓሳሲቡ’ሎ። እዘን ሃገራት “ኣብ ምምላእን ስራሕን እቲ ሓጽቢ ብዂለን ተቐባልነት ዘለዎን ቀያዲን ስምምዕ ንኽብጻሕ” እየን እዚ ዘተ ከካይዳ …

Read More »

Harmony Media News 15/09/2021

Read More »

ፈረንሳ ንማሊ ኣጠንቂቓ

ማሊ ምስ ትካል ጸጥታ ሩስያ እትገብሮ ዘላ ውዕል ከተቋርጾ ሚኒስተር ምክልኻል ፈረንሳ ፍሎረንስ ፓኽሊ ኣጠንቂቑ። ኣዘዝቲ ዘራዊት ማሊ ካብ ጒጅለ ቫግነር ዕሱባት ሰራዊት ክሽምቱ ከም ዝደልዩ ገለ ምንጪታት ክሕብሩ ጸኒሖም እዮም። እዚ ኣዝዩ ኣሻቓሊ ውዕል እዩ ዝበለ ፓኽሊ ፈረንሳ ኣብቲ ዞባ ግብረሽበራዊያን ንምውጋድ እትገብሮ ዘላ ጻዕርታት ዘተኣጓጒል እዩ ክብል ወሲኹ ኣጠንቂቑ። ሩስያ ኣብ ኣፍሪቃ ዘለዋ ጽልዋ ንምውሳኽ ብመሰረት ዘለዋ ባህጊ …

Read More »

ስቶረ: ዝቅጽል ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርዌይ ክኸውን እዩ

ካብ ሰልፊ ዕዮ ስኾነ Jonas Gahr Støre ዝቅጽል ቀዳማይ ሚኒስተር ኖርዌይ ክኸውን እዩ። ምርጫ ድሕሪ ምዕዋቱ እዚ 61 ዝዕድሜኡ Støre ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ምስ ማእከላይን ዴሳዊን ሰልፊ ዝርርብ ጀሚሩ’ሎ።   እዚ ልዝብ ኣብ ዝቕጽላ መዓልታት እውን ከም ዝካየድ ትማሊ ቀትሪ ኣብ ዝሃቦ ጋዜጣዊ ዋዕላ ሓቢሩ’ሎ። ኣብ ሕድሕድና ጽቡቕ ምትእምማንን ምፍላጥን ስለዘሎ እቲ ልዝብ ብጽቡቕ ክካይድ እዩ ዝብል እምነት ኣሎኒ ኢሉ። …

Read More »

ዋና ጸሓፊ UN: ብዛዕባ ኣፍጋኒስታን መጠንቀቕታ ኣመሓላሊፉ

 ኣህጒራዊ ማሕበረሰብ ኣፍጋኒስታን ንምርዳእ ሓገዙ ከወፊ ዋና ጸሓፊ UN ኣንቶንዮ ጉተረዝ ጸዊዑ። ኣብታ ሃገር መጠን ድኽነት ምውሳኹን ኣብ ዝመጽእ ወርሒ ብዙሓት ሰባት ብዘይ መግቢ ክተርፉ ምዃኖምን እቲ ዋና ጸሓፊ ትማሊ ሰኑይ ገሊጹ’ሎ።   ኣፍጋኒስታን ንዓሰርተታት ዓመታት ዘይምርግጋእን ስቅያትን ድሕሪ ምሕላፋ ሕጂ ድማ ዝኸፍአ ኲነታት ብቕድሜኣ ይጽበያ ኣሎ ኢሉ።   ጣሊባን ንመላእ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምቊጽጻሮም ናብታ ሃገር ዋጋ መግቢ ብናብሪ ምውሳኹን …

Read More »

ኖርዌይ፥ ብምኽንያት ለበዳ: ውጽኢት ምርጫ ክደናጐ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

ብምኽንያት ለበዳ: ካርድ ምርጫ ዝቖጽሩ ዘለዉ ሰባት ኣብ መንጎ ሕድሕዶም ርሕቀቶም ክሕልዉን ኣድላዪ ዘበለ ጥንቃቐ ክገብሩን ኣለዎም። እዚ ማለት ውጽኢት ምርጫ ኖርዌይ ንኽግለጽ ግዜ ክወስድ ይኽእል እዩ ክብል ኣብ ሚኒስትሪ ምምሕዳር ከተማን ምዝማንን ሓላፊ ክፍሊ ሲሪ ዶልቨን ገሊጹ’ሎ።   ነዚ ስራሕ ቅልል ዝበለ ንምግባር: ምምሕዳራት ከተማ: ሓደ መዓልቲ ኣቐድም ኣቢሎም: ናይ ምቚጻር ካርድ ስርሖም ክጅምሩ እዮም ተባሂሉ’ሎ።   ኣብ ነቚጣታት …

Read More »

ሰሜን ኮርያ: ሓድሽ ፈተነ ሚሳይል ኣካዪዳ 

ሰሜን ኮርያ: ብምኽንያት መበል 73 ልደት እታ ሃገር: ፈተነ ነዊሕ ርሕቀት ዝኸይድ ሚሳይል ምክያዳ KCNA ዝተባህለ መንግስታዊ ማዕከን ዜና እታ ሃገር ኣፍሊጡ። ኣብ ዝሓለፈ ጥሪ: መራሒ ሰሜን ኮርያ “ኣብ ዓለም ኣዝዮም ዝሓየሉ” ምዃኖም ዝገለጾም ኣጽዋር ኣብ ምርኢት ሰልፊ ቀሪቦም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።   “እዚ ሰሜን ኮርያ ንጐረባብታን ኣህጒራዊ ማሕበረሰብን ጸጥታዊ ስግኣት ምዃና ዘርኢ ተግባር እዩ” ክብል ፔንታጎን ሓቢሩ’ሎ።   እዚ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com