Saturday , May 18 2024

ፖሎቲካ

UN: ኣፍሪቃዊ ሕብረት፡ ኣብ ጉዳይ ፈለግ ኒል፡ ክሽምግል ከም ዝሰማማዕ ኣፍሊጡ

ኣብ መንጎ ኢትዮጵያ፡ ግብጽን ሱዳንን ብጒዳይ ፈለግ ኒል ዝተኽስተ ምስሕሓብ፡ ኣፍሪቃዊ ሕብረት ንኽሽምግል ከም ዝሰማማዕ፡ UN ገሊጹ። ኣባል ሃገራት UN፡ ትማሊ ሓሙስ ኣብ ዝካየደኦ ኣኼባ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ነቲ ቅድሚ ዓሰርተ ዓመት ዝጀመረ ግን መፍትሒ ዘይተረኽቦ ሽግር፡ ክሽምግላ ተሓቲተን ምንባረን ዝፍለጥ እዩ። ኣምባሳደር ኣመሪካ ኣብ UN፡ ሊንዳ ታመስ ግሪንፊልድ፡ ሰለስቲአን ሃገራት ኣብ ትሕቲ ሸምግልነት ኣፍሪቃዊ ሕብረት ኣብ ዝቐልጠፈ እዋን ክጋብኣ ጸዊዓ’ላ። …

Read More »

ጋናውያን፡ ንበዓልቲ ቤት ፕረሲደንት ደሞዝ ክኽፈላ እዩ ንዝብል ውሳነ ባይቶ ብትሪ ይቃወሙ

ኣንስቲ ፕረሲደንትን ምክትልን፡ ደሞዝ ክሕሰበለን ንዝብል ውሳነ ባይቶ፡ ዜጋታት ጋና፡ ብትሪ ይነቕፍዎ ምህላዎም ተገሊጹ። እዘን ኣንስቲ፡ ኣብ ብርቱዕ ስራሕ ንዝርከቡ ሰብኡተን ድጋፍ ዝህባ ብምዃነን እዂል ደሞዝ ይግብአን እዩ ዝብል ቀንዲ ስነመጎት እቲ ባይቶ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ብመሰረት ቢቢሲ፡ እዘን ኣንስቲ፡ ማዕረ ካቢነ ሚኒስተራት ዝዳረግ ደሞዝ ክሕሰበለን እዩ። ቀዳመይቲን ካልአይቲን እምቤት ከም ሓለፋ ፈጸምቲ ኣካል ገለ ድጎማታት ክወሃበን ከም ዝጸንሐ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ …

Read More »

ጆ ባይደን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጽኡ ቅኑዕ እዩ ክብል ይምጒት

ስርሒት ኣመሪካ ኣብ ኣፍጋኒስታን፡ 31 ነሓሰ ከም ዘብቅዕን ክሳብ ሽዑ እቲ ሰራዊት ካብታ ሃገር ክወጽእ ቅኑዕ ውሳነ ምዃኑን፡ ፕረዚደንት ኣሜሪካ፡ ጆ ባይደን፡ ገሊጹ። ሰራዊት ኣመሪካ፡ ናብ ኣፍጋኒስታን ድሕሪ ምእታዉ፡ ዝመጸ ራብዓይ ፕረዚደንት ዝኾነ ባይደን፡ ሰራዊት ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ምውጽኡ ህይወት ንምዕቃብ ኣድላዪ እዩ ክብል ገሊጹ’ሎ። እዚ እናኾነ፡ ጒጅለ ጣሊባን ኣብ ኣፍጋኒስታን ሰፋሕቲ ከባቢታት ደጊሙ ይቈጻጸር ምህላዉ ተፈሊጡ። ይዂንምበር ኣብ ኣፍጋኒስታን …

Read More »

ሙሰቨኒ፡ ቋንቋ ስዋሂሊ፡ ንኣፍሪቃ ከሕብራ እዩ ይብል

ኣፍሪቃውያን፡ ንቋንቋ ስዋሂሊ እንተዝመልኩ፡ ሕብረት ኣፍሪቃ ኣብ ምግሃድ ዓቢ ተራ ምተጻወተ፡ ክብል ፕረሲደንት ኡጋንዳ፡ ዩወሪ ሙሰቨኒ፡ ገሊጹ። ንሱ፡ ኣብ መዓልቲ ምውህሃድ ኣፍሪቃ፡ ኣብ ዘስመዖ መደረ፡ ቋንቋ ስዋሂሊ፡ ናይ ዝኾነ ብሄር ወይ ህዝቢ ቋንቋ ኣይኮነን፡ ናይ ኲልና እዩ፡ ስለዚ ድማ ንኽንሓብር ንስርሓሉ ክብል ተላብዩ። ንሱ ወሲኹ፡ ኣፍሪቃውያን ሓደ ኢና፡ ስለዚ ድማ ዘይንሓብረሉ ምኽንያት የለን ኢሉ። ካብ ኣውሮጳውያን ንላዕሊ ክንሓብር ተኽእሎታት እናሃለወና፡ …

Read More »

ጃኮብ ዙማ፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ኣትዩ

ፕረሲደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር፡ ጃኮብ ዙማ፡ ብቤት ፍርዲ ደቡብ ኣፍሪቃ ዝተዋህቦ ናይ ማእሰርቲ ፍርዲ ንምፍጻም ንገዛእ ርእሱ ንፖሊስ ምስትላሙ ተገሊጹ። ዙማ፡ ኣብቲ ዝነበረሉ ኣውራጃ፡ ክዋዙሉ ናታል፡ ኣብ ጥቓ ቤቱ ኣብ ዝርከብ መደበር ፖሊስ ትማሊ ረቡዕ ተረኺቡ ኣሎ ክብል፡ ፋውንዴሽን ዙማ፡ ገሊጹ። 79 ዝዕድሜኡ ዙማ፡ እንድሕሪ ናብ እንዳ ፖሊስ ዘይተረኺቡ ናብ ቤቱ መጺኦም ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከእትዉዎ ምዃኖም ናይ ግዜ ገደብ …

Read More »

ስቴፋን ሎቪን፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ንምዃን፡ ተመሪጹ

ባይቶ ሽወደን፡ ትማሊ ረቡዕ ሰዓት 3፡00 ናይ ምሸት ኣብ ዘካየዶ ምርጫ፡ መራሒ ሰልፊ ሶሻል ዲሞክራትና፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ክሳብ ኣብ ዓመተ 2022 ዝካየድ ሃገራዊ ምርጫ፡ ከም ቀዳማይ ሚኒስተር ሽወደን ኮይኑ ከገልግል ከምዝመረጾ ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብቲ ዝተኻየደ ምርጫ፡ ስቴፋን ሎቪን፡ ብጸቢብ ቁጽሪ ማለት ብ176 እወ ብ173 ኣይፋል ዝብል ድምጺ ከምዝተዓወተ ተገሊጹ። ኣብ ባይቶ ሽወደን፡ ሓደ ንቀዳማይ ሚኒስተር ዝተሓጽየ  ሰብ፡ 175 …

Read More »

ኢራን፡ ዝበልጸገ ዩራንዬም ከም ዘፍረየት ትገልጽ

ኢራን፡ ዝበልጸገ ዩራንዬም ከም ዘፍረየት ንዓለምለኸ ምክትታል ኑክሌር ኣፍሊጣ። ቴህራን፡ ንወኪል ኣህጒራዊ ኣቶማዊ ጸዓት፡ ኣብ ዝሃበቶ መግለጺ፡ እዚ መስርሕ ጸዓት መርመራ ሪኣክተር ንምምጋብ ዝውዕል እዩ ኢላ’ላ። እንተኾነ ግን፡ ዩራንዬም ሕመረት ኑክሌራዊ ቦምብ ንምስራሕ እውን ከም ዝውዕል እዩ ዝግለጽ። ተግባራት ኢራን፡ ንውዕል ኑክሌር ዘፍርስን ነቲ ዘተ ከይበራበር ዝዕንቅፍን እዩ ክብላ ኣውሮጳውያን ሓይልታት ክገልጻ እንከለዋ፡ ኣመሪካ ድማ “ንድሕሪት ዝመልስ ዘሕዝን ተግባር” እዩ …

Read More »

ፕረዚደንት ኬንያ፡ ሕግታት እዋን ሕላፍ ሰዓት ብምጥሓሱ ተወቒሱ

ፕረዚደንት ኬንያ፡ ኡሁሩ ኬንያታ፡ ኣብ እዋን ሕላፍ ሰዓት፡ ሓድሽ ፕሮጀክት ሆስፒታል ብምምራቑ፡ ካብ ኬንያውያን ከቢድ ነቐፌታ ይወርዶ ምህላዉ ተገሊጹ። ንሱ ትማሊ ምሸት፡ ሆስፒታል ኣብ ዘመረቐሉ እዋን፡ እዚ ምግባር፡ ኣብ ምሃብ ኣገልግሎት ዘለዎ ስሉጥነት ንምርኣይ ሓጋዚ እዩ ኔሩ፡ ብኻልኣይ ደረጃ ቀትሪ ምብጻሕ ፈጺመ እንተዝነብር ነቲ ርሕቀትካ ምሕላው ዝብል ሕጊ ምጠሓስኩ ክብል ንጋዜጠኛታት ኣመኻንዩ’ሎ። እዚ ይዂን እምበር፡ ኬንያውያን ኣብ ዝተፈላለያ መራኸቢ ብዙሃን፡ …

Read More »

ኣመሪካ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብ ትግራይ ክወጹ ኣጠንቂቓ

ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ ኣመሪካ፡ ኣንቶኒ ብሊንከን፡ ትማል ሰሉስ ምስ ኣብይ ኣሕመድ ብስልኪ ኣብ ዝገበሮ ርክብ ቅልውላው ትግራይ፡ ተዂሲ ብምቊራጽን ናብ ዘተ ብምቕራብን ጥራይ ክፍታሕ ዘለዎ እዩ ብምባል ድሕሪ ምግላጽ፡ ሓይልታት ኣምሓራን ኤርትራን ካብቲ ሒዞሞ ዘለዉ መሬት ክለቁን ሰብኣዊ ሓገዛት ብዘይ ሽግር ናብቲ ዝደልዮ ህዝቢ ክባጻሕን ኣተሓሳሲቡ። ብዘይካ’ዚ፡ ኣብ ውሽጢ ኢትዮጵያ ዘሎ ዓሌታውን ፖለቲካዊን ፍልልያት ኲሉ ብፖለቲካዊን ዘተ ክፍታሕን ነዚ ዝኸውን …

Read More »

መራሒ ሰልፊ ሞደራትና፡ ጉዳይ ስደተኛታት ዓቢ ተጽዕኖ ኮይኑና ኣሎ ይብል

ጉዳይ ስደተኛታት፡ ከቢድ ሓላፍነት ኣብ ልዕሊ ምዃኑ ብዙሕ ሽግራት ዝፈጥር እዩ ክብል ሓላፊ ሰልፊ ሞደራትና፡ ኡልፍ ክሪስተርሾን፡ ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ኣብ ሽወደን፡ ጉዳይ ስደተኛታት ዓቢ ተጽዕኖ ኮይኑ ኣሎ ጥራይ ዘይኮነ፡ ገበናት፡ ምግሃስ ክብርታት፡ ማሕበራዊ ጸገማትን ጻዕቂ ሰብን ዝኣመሰሉ ሽግራት ዝፈጥር እዩ ክብል ክሪስተርሾን ንሬድዮ ሽወደን P1-Morgon ሓቢሩ። ገበናውያን ጉጅለታትን ቶኽስን ኣብተን ትሑት ቁጠባዊ ዓቕሚ ዘለወን ከባቢታት ይበዝሕ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com