Sunday , May 19 2024

ፖሎቲካ

Harmony Media News 12/11/2021

Read More »

ሱዳን . . . ኣልቡርሃን፡ ንገዛእ ርእሱ መራሒ ግዜያዊ መንግስቲ ጌሩ ሸይሙ

ኣብ ሱዳን ዝተገብረ ዕልዋ መንግስቲ ከም ዝመርሐ ዝንገረሉ ዓብደልፈታሕ ኣልቡርሃን፡ ንባዕሉ መራሒ ዝገብር ሓድሽ ቆንስል መሪሕነት ኣቚሙ’ሎ። ኣቐዲሞም ዝነበሩ ሲቪላውያን ኣባላት፡ ካብዚ ሓድሽ መሪሕነት ክወጹ ተጌሮም ምህላዎም እውን ተሓቢሩ። ሓሚቲ እናተባህለ ብቕጽል ስሙ ዝጽዋዕ ምክትሉ፡ ጀነራል መሓመድ ሓምዳን ዳጋሎ፡ ሓዊስካ ካልኦት ላዕለዎት ወተሃደራውያን መራሕቲ 25 ጥቅምቲ ዕልዋ መንግስቲ ቅድሚ ምክያዱ ዝነብሮም ስልጣን ክዕቅቡ ጌሩ’ሎ። 14 ሰባት ዘለዉዎ መሰጋገሪ ቆንስል፡ እቶም …

Read More »

ኢትዮጵያ … ውግእ ሕድሕድ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ጽልዋታት ክህልዎ ይኽእል እዩ ተባሂሉ

እዚ ዘሎ ውግእ ሕድሕድ፡ ኣዝዩ ሕማቕ ጽልዋታት ክህልዎ ይኽእል እዩ ክብል፡ ኣብ ኣፍሪቃ ዝርከብ ሓደ ላዕለዋይ ወተሃደራዊ በዓልመዚ ኣመሪካ ኣጠንቂቑ። ኢትዮጵያ፡ ኣንጻር ኣልሸባብ ዝቃለስን ንመንግስቲ ሶማል ዝሕግዝን ሰራዊት ኣብ ሶማል ኣዋፊራ ምህላዋ፡ ጀነራል ዊልያም፡ ምስ BBC ኣብ ዝገብሮ ጻንሒት ሓቢሩ። ኢትዮጵያ፡ ብዘለዋ ሽግራት ተደሪኻ እዚ ሰራዊት ካብቲ ቦታ ክወጽእ እንድሕሪ ጌራ፡ ኣልሸባብ ካብ ሶማል እናተበገሰ ኣብ ጐረባብቲ ሃገራት መጥቃዕቲ ንኸካይድ …

Read More »

ኢራን … ስምምዕ ፓሪስ ክንትግበር እንተኮይኑ: እገዳ ኣልዕሉ

እንድሕሪ ኣብ ልዕሊኣ ተጻዒኑ ዘሎ እገዳ ተላዒሉ: ኢራን: ንስምምዕ ፓሪስ ክትክትም ድልውቲ ከም ዘላ ሓደ ላዕለዋይ መራሒ እታ ሃገር ን BBC ሓቢሩ። ኢራን: ተሓዳሲ ምንጪ ጸዓት ከይትጥቀም ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑዋ ዘሎ እዚ እገዳ እዩ ክብል: ዓሊ ሳልጀገ: ሓቢሩ’ሎ። ኢራን ኣብ ዓለምና ብብዝሒ ካርቦን ዳዮክሳይድ ካብ ዝፍንዋ ሃገራት ኣብ ሻምናይ ደረጃ ትስራዕ እኳ እንተኾነት: ነዚ ስምምዕ ምፍራም ካብ ዘይተሰማምዓ ሃገራት ሓንቲ …

Read More »

ኣመሪካ፥ ሽግር ኢትዮጵያ: ብዲፕሎማሲ ክፍታሕ ተስፋ ኣሎና ትብል  

ኣመሪካ: ሽግር ኢትዮጵያ: ብዲፕሎማሲ ክፍታሕ ተስፋ ከም እትገብር ጸሓፊ ጒዳያት ወጻኢ: ኣንቶኒ ብሊንከን: ገሊጹ። ንሱ ምስ ፍሉይ ልኡኽ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ፕረዚደንት ናይጀርያ ነበርን: ኦሊሰጒን ኦባሳንጆ: ከምኡውን ዞባዊ ልኡኽ ኣመሪካ: ጀፍሪ ፌልትማን: ከም እተራኸበን ድሕሪ ምግላጽ “ኦባሳንጆ ዝገብሮ ዘሎ ኣገዳሲ ጻዕርታት ኣብ ግምት ብምእታው: እዚ ጒዳይ: ኣብ ዝሓሽ መንገዲ ክኣቱ እዩ ዝብል ተስፋ ኣሎና” ኢሉ። ብዘይካዚ: ብሊንከን ምስ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስተርን …

Read More »

ኣመሪካን ቻይናን ኣብ ጒዳይ ክሊማ ተሰማሚዐን

ብዙሕ ሰብ ዘይተጸበዮ ስምምዕ ክሊማ ኣመሪካን ቻይናን ምስናይ ኣሕዲርዎ ዘሎ ጠርጠራ ብሓጎስ ከም ዝቕበልዎ ተሳተፍቲ ዋዕላ COP26 ገሊጾም ኣለዉ። እዚ ስጒምቲ ብሓቂ ዘተባብዕን ኣዝዩ ኣገዳሲን እዩ ክብሉ ኣውሮጳዊ ሕብረትን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን እኳ እንተገለጹ: ግሪንፒስ ግና: እዚ ውዕል ብግብራዊ ስጒምቲታት ክስነ ኣተሓሳሲቡ’ሎ። ቻይናን ኣመሪካን ብወገነን ነቲ ኣብ 2015 ኣብ ፓሪስ እተኸትመን ሙቐት ዓለምና ኣብ 1.5°C ክጸንዕን ዝድንግግ ስምምዕ ተግባራዊ ከም …

Read More »

ዘብኮረ ኣባል ባይቶ፡ ዝተዋህቦ ገንዘብ ከመልስ እዩ

ኣባላት ባይቶ ሽወደን፡ ኣብ ናይ ባይቶ ስራሓት ከይተሳተፉ፡ ክፍሊት ክኽፈሉ ምጽነሖም ዝፍለጥ እዩ። ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋናት ግን፡ እዚ ጉዳይ፡ ኣቓልቦ ስሒቡ ምጽንሑ ይፍለጥ። ኣብ ዝቕጽል እዋን ግን፡ ኣብ ልዕሊ እዞም ኣብ ስራሓት ባይቶ ዘይሳተፉ ኣባላት፡ ቀይዲ ክተኣታቶ ምዃኑ ተገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። ሓደ ኣባል ባይቶ፡ ኣብ ባይቶ ኣብ ዝጸነሓሉ እዋን፡ ንልዕሊ 60% ካብ ኣኼባታት ምድማጽ  እንተዘይተረኺቡ፡ እቲ …

Read More »

ዳኛ: ንሕቶ ትራምፕ ነጺግዎ

ዕግርግር ካፒቶል ንምምርማር ዝቖመት ሽማግለ ባይቶ: ኣብ ዋይት ሃውስ ንዘሎ ሰነዳት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ንኽትርኢ ዳኛ ምሉእ ፍቓድ ሂቡ። ትራምፕ ፕረዚደንታዊ ሰነዳት ከይትንከፉ ንዝድንግግ ሓላፋታት ብምልዓል ነብሱ ክከላኸል ምፍታኑ ጽብጻብ ቢቢሲ ኣመልኪቱ። ትራምፕ ብዛዕባቲ ዕግርግር ኣቐዲሙ ይፈልጥ ኔሩዶ ኣይነበረን ንምፍላጥ እቲ መርመራ ይካየድ ምህላዉ እቲ ዜና ወሲኹ ኣመልኪቱ። ብ 6 ጥሪ ባይቶ ኣመሪካ ንዓወት ምርጫ ጆ ባይደን ኣብ …

Read More »

ፖሊስ ምክትታል ዶባት. . . ምስርሕ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ሰባት ንምዕጋት፡ ኣሸጋሪ ኮይኑ

ካብ ዴኒማርክ ናብ ሽወደን ዝካይዱ መስርሕ ምስግጋር ዘይሕጋውያን ሰባት፡ ክዓግት ከምዘይክእል፡ ፖሊስ ሓለዋ ዶባት ሽወደን ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ። ካብ ዴኒማርክ ናብ ሽወደን ዝኣትዉ ዘይሕጋውያን ሰባት ንምልላይ ዘኽእል እኹል ተክኒካዊ ዓቕሚ ከምዘይብሉ ዝገለጸ ቤት ጽሕፈት ፖሊስ ምክትታል ዶባት፡ ኣብ ዝተፈላለየ ግዜ፡ ንብዙሓት ዘይሕጋውያን ሰባት ክረክብ ከምዝኸኣለ ንሬድዮ ሽወደን ገሊጹ። ኣብ ድልድል ኦሪሰን ዝርከቡ ፖሊስ ምክትታል ዶባት፡ ብጥርጣረ ንዝሓዝዎ …

Read More »

ህጻናት፡ ጾታዊ መንነት ክቕይርሉ ዝኽእሉ ግዜ ንምውሳን ሓድሽ እማመ ቀሪቡ

ሓደ ሰብ፡ ጾታዊ መንነቱ ዝቕይረሉ ግዜ፡ ዕድሚኡ 18 ዓመት ምስ ኣኸለን፡ ናይ ሕክምና መረጋገጺ ምስ ዝህልዎን ምዃኑ ሕጊ ሽወደን ይሕብር። ሓደ ሰብ፡ ጾታዊ ዝምባለኡ ብዝመርሖ ስምዒት መሰረት፡ ዕድሚኡ 12 ዓመት ምስ ኣኸለ፡ ብናይ ተሓታቲኡ ፍቓድ፡ ብዘይዝኾነ ናይ ሕክምና መረጋገጺ፡ ኣብቲ ናይ ነባርነት ወረቐቱ ዝርከብ ጾታዊ መንነቱ፡ ክቕይርን ኣብ ጾታዊ ኣካላቱ/ታ መጥባሕቲ ክገብርን/ ክትገብርን ዘኽእሎ መሰል ንኽረክብ፡ ትማሊ ሰሉስ፡ ብሚኒስትሪ ማሕበራዊ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com