Thursday , May 2 2024
Austria's Chancellor Alexander Schallenberg (Johanna Geron, Pool Photo via AP) FS117

ኦስትርያ . . . ዕጽዋ ናይ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ዝድንግግ ሕጊ ኣመሓላሊፋ

ካብ ሰኑይ ጀሚራ፡ ሃገረ ኦስትርያ፡ ኣብ ልዕሊ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ካብ ገዛ ንኸይወጹ ዝግድድ ሓድሽ መምርሒ ከምዘመሓላለፈት ብመንገዲ ቻንይስለር ኣለክሳንደር ሻለንበርግ ኣቢላ ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ልዕሊ 12 ዓመት ዝዕድሚኦም ሰባት ኮይኖም፡ ናይ ክታበት ሰርቲፊከት ይኹን ሕማም ኮቪድ-19 ተታሒዞም ከምዝነበሩ ዝሕብር ሰርቲፊኬት ከቕርቡ እንተዘይክኢሎም፡ ኣብ ገዝኦም ክጸንሑ፡ እቲ ሓድሽ ሕጊ፡ ዝግድድ እዩ። ይኹን እምበር፡ ኣብ ውሽጢ እዚ ሕጊ፡ ከም ናይ ሓኪም ቆጸራታት፡ ክታበት ንምውሳድ ካብን ናብን ሕክምና ምንቅስቓስ ዝኣመሰሉ ዝተወሰኑ ሓለፋታት ከም ዘለዉ ተገሊጹ። ሃይማኖታውያን ንጥፈታት ውን ንግዚኡ ክድስክሉ ምዃኖም እቲ ሓድሽ ሕጊ ሓቢሩ ኣሎ ክብል ጸብጻብ ማዕከን ዜና APA ገሊጹ።

ኣቐድም ኣቢሉ፡ ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ናብ ኣብያተ ምግብታት ይኹን ናብ እንዳ መስተኻኸሊ ጸጉሪ ርእሲ ከይኣትዉ ተኸልኪሉ ምጽንሑ ይዝከር።

በዚ ን 10 መዓልታት ዝጸንሕ ሓድሽ ሕጊ ዕጽዋ፡ ኣስታት 2 ሚልዮን ዘይተኸትቡ ሰባት፡ ክጽለዉ ምዃኖም ተሓቢሩ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com