Saturday , April 27 2024
Refugees from Tigray queue for food at a refugee camp in Sudan.(AP Photo/Nariman El-Mofty, File) AMB115

ኢትዮጵያ . . . ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ተለቒቖም

ዝሓለፈ ሰሙን፡ ኣብ ኢትዮጵያ ተኣሲሮም ዝጸንሑ 70 ዝኾኑ ሰራሕተኛታት ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ (WFP)፡ ትማሊ ሓሙስ ከምዝተለቐቑ ወሃብ ቃል ውድብ ሕቡራት ሃገራት ሓቢሩ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ኣቃሊሑ።

እዞም ሰራሕተኛታት ዓለማዊ ፕሮግራም መግቢ ዝኾኑ መራሕቲ መካይን፡ ኣብታ እንኮ ካብ ክልል ዓፋር ናብ ክልል ትግራይ ተእቱ መንገዲ እናሰርሑ እንከለዉ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣትዉ ይዝከር።

ቅድሚ እዞም መራሕቲ መካይን፡ ኣብ ኣዲስ ኣበባ፡ ሰራሕተኛታት ውድብ ሕቡራት ሃገራት ዝኾኑ ትግራዎት ውን፡ መንግስቲ ብዘካየዶ ዓሌታዊ ሃድን፡ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ከምዝኣተዉ ይዝከር።

ኣብዚ ቅልውላው ተኸሲትሉ ዘሎ እዋን፡ ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ውድብ ሕቡራት ሃገራት ወጥሪ ተፈጢሩ ከምዘሎ ይፍለጥ።

ውድብ ሕቡራት ሃገራት፡ ብጉዳይ ኲናት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ፡ ናይ ኲናት ገበናትን ምግሃስ ሰብኣዊ መሰላትን ዝኣመሰሉ ገበናት ይካየዱ ከምዘለዉ ብቐጻሊ ክገልጽ ምጽንሑ ይዝከር።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com