Friday , May 3 2024
Boat with migrants trying to cross the Atlantic. In November, 10 people were found dead in the boat. (AP Photo/Renata Brito) XRB210

ልዕሊ 160 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም

ዝሓለፈ ሰሙን ጥራይ፡ ልዕሊ 160 ዘይሕጋውያን ስደትኛታት፡ ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ንኽበጽሑ፡ ውሕስነት ብዘይብለን ጀላቡ ተጠቂሞም ክሰግሩ ይፍትኑ ኣብ ዝነበርሉ እዋን፡ ብዘጋጠሞም ሓደጋ፡ ኣብ ባሕሪ ጥሒሎም ከምዝሞቱ ኣህጉራዊ ውድብ ስደተኛታት (IOM) ገሊጹ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ።

ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ፡ ኣስታት 1500 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ካብ ገማግም ሊብያ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ኣብ ዘምርሕሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብዘጋጠሞም ሓደጋ ከምዝሞቱ ወሃቢት ቃል እቲ ውድብ፡ ሳፋ ምሰህሊ፡ ገሊጻ።

ካብ ዕለት 12 ክሳብ 18 ታሕሳስ ኣብ ዝነበረ ግዜ፡ 466 ዘይሕጋውያን ስደተኛታት፡ ካብ ገምግም ሰሜን ኣፍሪቃ ተበጊሶም ናብ ኤውሮጳ ክሰግሩ ኣብ ዝፍትንሉ ዝነበሩ እዋን፡ ብሓለዋ ገማግም ባሕሪ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ድሕሪ ምእታዎም፡ ናብ ሊብያ ከምዝምለሱ ኮይኖም።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com