Saturday , May 18 2024

ፖሎቲካ

ሃይቲ … ተጨውዮም ዝጸንሑ ሚስዮናውያን ኣምሊጦም

ኣብ ሃገረ ሃይቲ ተጨውዮም ኣብ ማሕዩር ዝጸንሑ ዓሰርተ-ኽልተ ሚስዮናውያን ምምላጦም ኣብ ኣመሪካ ዝመደብራ ሓንቲ ቤተክርስትያን ኣፍሊጣ። እዞም ሚስዮናውያን ብለይቲ ኣንፈት ከዋኽብቲ እናሰዓቡ በረኻን ጣሻን እናጣሕሰሱ ከም ዝሃደሙ ኣፈኛ እታ ቤተክርስትያን ን ጋዜጠኛታት ሓቢሩ’ሎ። እዞም Christian Aid Missionaries ተባሂሎም ዝፍለጡ ጒጅለ ካብ ወርሓ ጥቅምቲ ኣትሒዞም ኣብ ትሕቲ ማሕዩር ጨወይቶም እዮም ጸኒሖም። ጨዋዪኦም ኣብ ፈለማ ንነፍሲ ወከፎም ናይ ሓደ ሚልዮን ዶላር በጃ …

Read More »

ሱዳን: ንዕልዋ መንግስቲ ዝቃወም: ህዝባዊ ሰልፊ ተኻዪዱ

ሱዳናውያን: ንወተሃደራዊ ዕልዋ መንግስቲ ብምቅዋም: ኣብ ጎደናታት ከተማ ካርቱም ሰልፊ ኣካዪዶም። ፖሊስ እታ ሃገር ኣብ ልዕሊ እዞም ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቚጸሩ ሰልፈኛታት ዘንብዕ ጋዝ ምትኳሶም እውን ተሓቢሩ። ኣቐዲሙ ኣብ 2019 ኣብ ዝተኻየደ ህዝባዊ ተቓውሞ: ነታ ሃገር ንንውሕ ዝበለ ግዜ ንዝመርሐ ፕረሲደንት ዑመር ኣልበሽር ካብ ስልጣን ምእላዩ ዝፍለጥ እዩ። ድሕሪኡ ሲቪላዊን ወተሃደራዊን መራሕቲ ስልጣን ናይ ምክፍፋል ኪዳን እኳ እንተኣተዉ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ …

Read More »

ቺሊ …. መራሒ ጸጋማይ ሰልፊ: ገብርኤል ቦሪስ: ተዓዊቱ

ኣብ ቺለ ኣብ ዝተኻተደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ: ጸጋማዊ ሕጹይ ተወዳዳሪ: ገብርኤል ቦሪስ ተዓዊቱ’ሎ። እዚ ዝኸውን ዘሎ: ሕሉፍ የማናዊ ሕጹይ: ኣንቶንዮ ካስት: ካብቲ ውድድር ድሕሪ ምንስሓቡ እዩ ተባሂሉ’ሎ። ናይ ምርጫ ነቚጣታት ተዓጽዮም ፍርቂ ስራሕ ምቚጻር ካርድ ድሕሪ ምውዳኦም ሓደ ሰዓት ጸኒሑ እዩ ካስት ስዕረቱ ክቕበል ተራእዩ። ዝበዝሐ ካርድ ኣብ ዝተቖጽረሉ ድማ 56% ድምጺ ብ ቦሪስ ከም እተዓወተ ክፍለጥ ተኻኢሉ’ሎ። ኣብ ዝሓለፈ ዓሰርታት …

Read More »

ሽወደናዊ ማሕበራዊ ሞዴል … 7ይ ክፋል … ንህዝቢ ፍቑድ ናይ ምዃን ተኽእሎ

መትከላት ‘ንህዝቢ ፍቑድ ናይ ምዃን ተኽእሎ’ ማለት ብዝተኻእለ መጠን፡ ንጥፈታት ናይ መንግስታዊ ትካላት፣ ናይ ባይቶን ናይ ዞባ ወሰንቲ ኣካላት ናይ መንግስቲን ንህዝቢ ክፉት ክኸውን ምፍቃድ ማለት እዩ። ኣብዞም ንጥፈታት እዚኦም ድማ ግልጽነት ንምስፋን፡ ህዝቢ ነቶም ክፍትሾም ዝደልዮም መንግስታዊ ሰነዳት ክረኽቦም ተኽእሎን ፍቓድን ዝህብ መሰል ኣብቲ ‘ናጽነት ናይ መራኸቢ ብዙሓን (Freedom of the Press Act)’ ኣብ ዝብል መስርሕ ካብቶም መሰረታዊያን ሕግታት …

Read More »

ምያንማር: ጃምላዊ መቕተልቲ ከም እተፈጸመ ተቓሊዑ

ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይዚ ዓመት: ሰራዊት ምያንማር: ኣብታ ሃገር: ጃምላዊ መቕተልቲ ሲቪላውያን ብምክያድ ብውሕዱ 40 ሰባት ከም ዝረሸነ ቢቢሲ ዘካየዶ መርመራ ኣቃሊዑ። ሰራዊት እታ ሃገር: ዓዲታት ብምኽባብ ንሰብኡት ጥራይ ፈልዮም ከም ዝቐተሉ ብህይወቶም ዝወጹን ናይ ዓይኒ መሰኻኽርን ገሊጾም። እዞም ዝተቐትሉ ፈለማ ዘስካሕክሕ ምስቓይ ከም እተኻየደሎምን ድሕሪ ምርሻን ድማ ከም ዝቐበርዎምን ክፍለጥ ተኻኢሉ። እዚ መርሸንቲ ኣብ ወርሒ ሓምለ: ኣብታ ምንጪ ተቓወምቲ …

Read More »

Harmony Media News 17/12/2021

Read More »

ፈረንሳ፡ ካብን ናብን ዓባይ ብሪጣንያ ዝግበር ጉዕዞታት ኣቋሪጻ

ናይ ኦሚክሮናዊ ጅር ቫይረስ ምስፍሕፋሕ ንምቕናስ ብዝብል፡ መንግስቲ ፈረንሳ ካብን ናብን ዓባይ ብሪጣንያ ንዝግበሩ ኩሎም ዓይነታት ዘየድልዩ ወይ ድማ ኣገደስቲ ዘይኮኑ ጉዕዞታት ንግዚኡ ከምዘቋረጸት ገሊጻ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ። እቶም እገዳታት ድማ ካብ ቀዳም ፍርቂ ለይቲ ጀሚሮም ተግባራዊ ክኾኑ እዮም ተባሂሉ። ንቱሪዝምን ንስራሕ ዝግበሩ ምንቅስቓሳት ከም ኣገደስቲ ጉዕዞታት ኣይቁጸሩን እዮም። ይኹን እምበር ናይ ፈረንሳን ሕብረት ኣውሮጳን ዝኾኑ ዜጋታት ካብ …

Read More »

ማሕበራዊ ሞዴል ሃገረ ሽወደን . . . 6ይ ክፋል . . . ስልጣንን ጽልውኡን

ድሕሪ መፋርቕ 1960’ታት፡ ተሳትፎ መጠን ደቂ ኣንስትዮ፡ ኣብ ናይ ሽወደን ናይ ስራሕ ዕዳጋ ብቕልጡፍ እንዳወሰኸ ዝመጸ ኾይኑ፡ ኣብዚ ሕጂ እዋን ምስ ደቂ ተባዕትዮ ማዕረ ብዝኾነ መጠን፡ ኣብ ስራሕ ዓለም ተዋፊረን ይርከባ።  ኮይኑ ግና ኣብ ዝተፋላለዩ ንጥፈታት ኣብ ሞንጎ ደቂ ኣንስትዮን ደቂ ተባዕትዮን ዘሎ ሚዛን ናይ ስልጣንን ጽልዋታትን ክሳብ ሕጂ ኣይተመጣጠነን ዘሎ። ፖለቲካ፡ ካብቶም ክልቲኦም ጾታታት ብማዕረ ዕድል ዝሳተፉሎም ንጥፈታት እቲ …

Read More »

መንግስቲ ኣመሪካ፡ ንቻይናዊ ዓርምሾሽ ኩባንያ ሰብ ኣልቦ ነፈርቲ፡ ኣብ ዝርዝር ጸሊም መዝገብ ኣስፊሩ

መንግስቲ ኣሜሪካ፡ ንሸሞንተ ተወሰኽቲ ኩባንያታት ቻይና፡ ኣብ ዝርዝር ኣስማት ጸሊም መዝገብ ንምስፋር ተዳልዩ ከምዘሎ ጋዜጣ ፋይናንሽያል ታይምስን ክልተ ካለኦት ምንጭታትን ብምጥቓስ ጸብጺቡ ክብል ማዕከን ዜና ተተ ሓቢሩ፡፡ ሓንቲ ካብተን በዚ እገዳ ዝተጸልዋ ኩባንያታት ድማ፡ እታ ኣብ ዓለም ካብ ዘለዋ ቀንዲ ኣፍራይት ናይ ንግዲ ነፈርቲ ዝኾነት ዲ.ጀይ.ኣይ. ምዃና ተፈሊጡ፡፡ እቲ ጋዜጣ፥ ዲ.ጀይ.ኣይ.ን እተን ካለኦት ኩባንያታትን ኣብቲ ቻይና ኣብ ልዕሊ ኣብ ዞባ …

Read More »

ቻይና፡ ኣብ ልዕሊ 1000 ዓይነት ኣቑሑት፡ ናይ ቀረጽ ምጉዳል ገይራ

ብመሰረት መግለጺ ሚኒስትሪ ፋይናንስ ሃገረ ቻይና፡ ኣብ ዝመጽእ ዓመት፡ ኣብ ልዕሊ 1000 ዝኾኑ ናይ ንግዲ ኣቑሑት እንተላይ መሳርሒታት ሕክምናን ምስ ምቕናስ ጋዛት ዝተሓሓዙ ክፋላት መቀያየሪ ኣቑሑ መካይንን ዘጠቓልል  ናይ ቀረጽ ምጉዳል ክትገብር ምዃና ተፈሊጡ፡፡ እዞም ግዴታታት እዚኣቶም፡ ኣብ ክንድ’ቲ ዘሎ ወግዓዊ ሕግታት ንግዲ ዝትግበሩ ዘለዉ ግዝያዊ ናይ ግምሩክ ግዴታታት ምዃኖም ብተውሳኺ ተሓቢሩ፡፡ ቻይና ነቲ ኣብ ዓመተ 2021 ዝገበረቶ ምቕናስ ቀረጽ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com