Sunday , May 19 2024

ፖሎቲካ

ሳቡኒ ስልጣና ምሕዳጋ ንሰልፊ ሊበራል ዓብዪ ሃስያ ምኹኑ ይግለጽ ኣሎ።

ንያምኮ ሳቡኒ ብፍቓዳ ካብቲ ንሰለስተ ዓመታት ዝመርሓቶ ሊበራላዊ ሰልፊ ብዓርቢ ምውራዳ ፖለቲካ ሽወደን ሓድሽ ቅርጺ ንኽሕዝ ዝድርኽ እዩ ይበሃል ኣሎ። እቲ ሰልፊ ኣብ መስከረም ኣብ ዝካየድ ሓፈሻዊ ምርጫ እታ ሃገር ብምክትል ጸሓፊኡ ጆሃን ፐርሶን ኣቢሉ ክውከል እዩ ። እንተኾነ ኣብ ኣፋን ዕርበታን ምርጫ እዚ ሰልፊ ብሓድሽ መራሒ ክውከል ምግባር ንፖለቲካዊ ዕድሉ ዘመሓይሽ ድዩ ዝብል ሕቶ ኣለዓዒሉ’ሎ። ምናልባት ነቲ ስልፊ ህላዌኡ ዝፈታተን ብድሆ ክኸውን …

Read More »

ሰልፊ ቦርድ ዴሞክራት— ሽወደን ኣባል ኔቶ ክትከውን ድሌት ኣለዎ ተባሂሉ።

ፊንላንድ ኣባል ነቶ ንምዃን እንድሕሪ ሓቲታ ሽወደን እውን ተመሳሲሊ ውሳነ ንኽትወስድ ናይ እወ ድምጺ ክህብ ምዃኑ ቦርድ ዴሞክራስያውያን ዝተባህለ ሰልፊ ኣፍሊጡ ክብል ኤክስፕረሰን ዝተባህለ ጋዜጣ ጸብጺቡ። እቲ ሰልፊ ነዚ ዝወሰነ ትማል ሰኑይ ኣብ ዝተገብረ ተወሳኺ ጒባኣኤ ኦይኑ መራሒ እቲ ሰልፊ ጂሚ ኤክሰን ኣብ ዝሓለፈ ቀዳመ ሰንበት ሰልፉ ከምዚ ዝበለ ስጒምቲ ክወስድ ከም ዝደሊ ምፍላጡ ሬድዮ ሽወደን ኣቢራ። እዚ እናኾነ ድሕሪ ወራር ሩስያ …

Read More »

ዜግነት ዩክሬይን ዘለዎም ቀዳምነት ክወሃቦም እዩ ተባሂሉ።

ብመሰረት ግዜያዊ መምርሒ ሓለዋ ኣውሮጳዊ ሕብረት፡ ዝበዝሑ ስደተኛታት ዩክሬይን ኣብ ሽወደን ግዜያዊ ፍቓድ መንበሪ እዮም ተዋሂቦም ዘለዉ። እንተኾነ ግና ናይ ዩክሬይን ዜግነት ዘይብሎም ወይ ኣብ እዋን ስደት ናይ ስደተኛ ፍቓድ መንበሪ ዘይጸንሖም በዚ መምርሒ ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣይተረቚሑን ኣለዉ። "ኣብታ ዜጋ ዝኾኑላ ሃገር ናይ ሓለዋ ጒዳይ የድልዮም ድዩ ዝብል ጒዳይ ክንርኢ ከድልየና እዩ," ክትብል ኣብ አጀንሲ ስደተኛታት ሽወደን ኣፈኛ ፕረስ ኣኒካ ዳልቪስት ገሊጻ’ላ።

Read More »

ንያምኮ ሳቡኒ ብፍቓዳ ተሰናቢታ።

ሓፈሻዊ ምርጫ ሽወደን ክካይድ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ጥራይ ተሪፍዎ ኣብ ዝበሃለሉ ዘሎ እዋን፡ መራሒት ሊበራላዊ ሰልፊ ንያምኮ ሳቡኒ ብፍቓዳ ካብ መዝነታ ምስንባታ ኣዘራራቢ ኮይኑ’ሎ። ሰልፋ ኣብ ሽወደናውያን ደገፍ ንምርካብ ጽዑቚ ጎስጓስ ክሃንጽ ዝጸንሐት ሳቡኒ ነዚ ውሳነ ኣመልኪታ ንጋዜጣዊ ዋዕላ ኣብ ዝሃበቶ ቃል ደጊም ነቲ ሰልፊ ኣብ ሓፈሻዊ ምርጫ ናይ ምምራሕ ብቕዓት ኣሎኒ ኢላ ከም ዘይትኣምን ገሊጻ’ላ። ብዛዕባኣ ከም ሰብ ዝቐርቡ ኮኑ ሕጂ ሽወደን ከም …

Read More »

ንወራር ሩስያ ዝዂንን ሰልፊታት ይካየድ ኣሎ።

ረቡዕ ረቡዕ ብዘይምቊራጽ ኣብ ስቶክሆልም ፊት ኤምባሲ ሩስያ ንኲናት ዝዂንን ሰልፊታት ይካየድ ኣሎ። ካብዞም ኣብ ዝሓለፈ ሳምንትታት ኣንጻር ኲናት ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ብዓወታ እተቓወሙ ሰባት ፖለቲከኛታት ሽወደን፡ ኣክቲቪስታትን ማሕበራት ንግድን ከምኡ’ውን ኣብ ሽወደን ዝቕመጡ ዩክሬናውያን እዮም። ብዘይካዚ ኣብ ሽወደን ዝነብሩ ሩስያውያን ንኲናት እትዂንን ኮሚተ ብምቛም ኣብ ዩክሬይን ስድራቤት ከም ዘለዉዎምን በቲ ኲናት ኣዝዮም ከም ዝሓዘኑን ክገልጹ ምጽንሖም ዝፍለጥ እዩ።

Read More »

መንግስቲ ኖርወይ ወደባቱ ን መራኽብ ሩስያ ክዓጹ መደብ ኣለዎ ተባሂሉ።

ከም ኣካል ናይቲ ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝግበር ዘሎ እገዳታት ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣባል ሃገራቱ ንመራኽብ ሩስያ ወደባተን ክዓጽዋ እማመ ምቕራቡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ መንግስቲ ኖርወይ ነዚ እማመ የጽንዖ ምህላዉ ተገሊጹ። ብሰሉስ ኮሚሽን ኣውሮጳ ንሩስያ ሸቶ ዝገብር ሓሙሻይ ፓኬጅ እገዳታት ምውጽኡ ዝፍለጥ ኮይኑ፡ እዚ ፓኬጅ ኣባል ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንመራኽብ ሩስያ ወደባተን ክዓጽዋ ዝጽውዕ እዩ። እዚ እማመ ብዂለን ሃገራት እቲ ሕብረት ክሓልፍ ከም ዝግብኦ ዝገለጸ ጸብጻብ …

Read More »

ሽወደንን ፊንላንድን ብሓባር ኣባልነት ኔቶ ክሓታ ጻውዒት ቀሪቡ።

ወተሃደራዊ ኪዳን ሰሜን ኣትላንቲክ–ኔቶ ዝመጽእ ወርሒ ሰነ ጒባኤኡ ኣብ ዘካይደሉ ኣጋጣሚ ሽወደን ምስ ፊንላንድ ብሓባር ኣባልነት ኔቶ ክሓታ ከም ዝግባእ መራሒ ሰልፊ ሞደራትና ኡልፍ ክሪስተርሰን ጸዊዑ። ንሱ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ምክልኻል ሽወደን ተረኺቡ ኣብ ዝሃቦ መደረ እዩ እዚ ዝበለ። ንሽወደን ዝመርሕ ዘሎ ሰልፊ ማሕበራዊ ዴሞክራሲ— ሽወደን ኣባል ናይዚ ኪዳን ክትከውን የብላን—ዝብል መርገጺ እኳ እንተጸንሖ፡ ሩስያ ኣብ ልዕሊ ዩክሬይን ዝፈጸመቶ ወራር ነዚ ጒዳይ ዳግማይ ንኽግምግሞ ይዝትየሉ …

Read More »

ሩስያ ኣብ ጸዓት ዝዓለመ እገዳ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ።  

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ እገዳታት ክጽዕን እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተሃለዎ እዚ እገዳታት ንጽላት ጸዓት እታ ሃገር ሸቶ ዝገብር ድዩ ኣብ ዝብል ግና ጥርጣረ ከም ዘለዎ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ሚካኤል ዳምበርግ ገሊጹ። ዳምበርግ ብዛዕባ ኣብ ሩስያ ክጸዓን ዝኽእል ተወሰኽቲ እገዳታት ምስ ሚኒስተራት ፋይናንስ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምዝታይ ትማል ሰሉስ ናብ ላክሰምበርግ ምኻዱ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።. ሩስያ ኣብ ዓለምና …

Read More »

 ጎደና ኤምባሲ ሩስያ ስሙ ክቕየር ንዝብል ሕቶ ኮሚተ “ኣይፋል” መሊሱሉ። 

ቆንስል ኮሚተ ምስያም፡ ነቲ ስም ጎደና ኤምባሲ ሩስያ ክቕየር ዝብል ሕቶ ኣይፋል ብምሃብ እቲ ጎደና ስሙ ሒዙ ክቕጽል ምውሳኑ ተገሊጹ። እቲ ጎደና ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ኮይኑ በቲ ኤምባሲ ከም ዝጽዋዕ ዝፍለጥ እዩ። ግዮርቨልጋታን ስሙ ን ዩክሬይን ወይ ፕረሲደንት እት ሃገር ክብሪ ብዝህብ ካልእ ስም ክትካእ ኣለዎ ዝብል ህዝባዊን ፖለቲካዊን ጸቕጢ ነቲ ኮሚተ ምስያም በጺሕዎ ምንባሩ ሬድዮ ሽወደን ኣመልኪታ።  ኣቦ መንበር …

Read More »

ኣባል ኔቶ ንምዃን ዘድሊ ሰፊሕ ደገፍ ባይቶ ከም ዘየለ ተገሊጹ። 

ኣብ ባይቶ ሽወደን ናብ ኔቶ ንጸንበር ዝብል ድምጺ ገና ኣብ ዝወሓደ ደረጃ ብምህላዉ ነዚ ኣጀንዳ ኣብ ምግዋሕ ዝያዳ ምትብባዕ ትጠልብ ምህላዋ መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኤባ ቡሽ ገሊጻ።  ንሳ ምስ ሬድዮ ሽወደን P1– ፕሮግራም ወጋሕታ– ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ውሳነ ንኽብጻሕ ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ ደገፍ ክትረክብ ከም እትደሊ ወሲኻ ገሊጻ።  “ንኣና ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ እዚ ኣገዳሲ ጒዳይ እዩ፡ …

Read More »

Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com