Tuesday , March 19 2024
Wiktor Nummelin/TT

ሩስያ ኣብ ጸዓት ዝዓለመ እገዳ ክግበር ጻውዒት ቀሪቡ።  

ኣውሮጳዊ ሕብረት ኣብ ልዕሊ ሩስያ ዝያዳ እገዳታት ክጽዕን እዩ ዝብል ትጽቢት እኳ እንተሃለዎ እዚ እገዳታት ንጽላት ጸዓት እታ ሃገር ሸቶ ዝገብር ድዩ ኣብ ዝብል ግና ጥርጣረ ከም ዘለዎ ሚኒስተር ፋይናንስ ሽወደን ሚካኤል ዳምበርግ ገሊጹ። ዳምበርግ ብዛዕባ ኣብ ሩስያ ክጸዓን ዝኽእል ተወሰኽቲ እገዳታት ምስ ሚኒስተራት ፋይናንስ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንምዝታይ ትማል ሰሉስ ናብ ላክሰምበርግ ምኻዱ ሬድዮ ሽወደን ጸብጺባ።.

ሩስያ ኣብ ዓለምና ካብተን ዝዓበያ ጋዝን ነዳዲ-ዘይትን ንሰደድ ዘቕርባ ሃገራት ኮይና፡ ገለ ሃገራት ኣውሮጳዊ ሕብረት ንጸዓት ኣብ ሩስያ ከም ዝምርኮሳ ዝፍለጥ እዩ። እዚ እናኾነ ሽወደን ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ንዝበለቶም ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ሩስያ ክትሰጒግ ምዃና ሬድዮ ሽወደን ሓቢራ’ላ። ሚኒስተር ጒዳያት ወጻኢ ሽወደን ኣን ሊንድ ነዚ ኣመልኪታ ኣብ ዝሃበቶ ጋዜጣዊ ዋዕላ እዞም ሰለስተ ዲፕሎማሰኛታት ካብ ስምምዕ ቪዬና ወጻኢ ኣብ ዘይሕጋዊ ንጥፈታት ተዋፊሮም ምጽንሖም ኣመልኪታ።.

 


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com