Thursday , May 2 2024

ኣባል ኔቶ ንምዃን ዘድሊ ሰፊሕ ደገፍ ባይቶ ከም ዘየለ ተገሊጹ። 

ኣብ ባይቶ ሽወደን ናብ ኔቶ ንጸንበር ዝብል ድምጺ ገና ኣብ ዝወሓደ ደረጃ ብምህላዉ ነዚ ኣጀንዳ ኣብ ምግዋሕ ዝያዳ ምትብባዕ ትጠልብ ምህላዋ መራሒት ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ ኤባ ቡሽ ገሊጻ። 

ንሳ ምስ ሬድዮ ሽወደን P1– ፕሮግራም ወጋሕታ– ኣብ ዝገበረቶ ቃለመሕትት፡ ከምዚ ዝበለ ዓብዪ ውሳነ ንኽብጻሕ ኣብ ባይቶ ዝበዝሐ ደገፍ ክትረክብ ከም እትደሊ ወሲኻ ገሊጻ። 

“ንኣና ሰልፊ ክርስትያናዊ ዴሞክራሲ እዚ ኣገዳሲ ጒዳይ እዩ፡ ስለዚ ድማ ኣብ ባይቶ ክንዲ ዝከኣል ደገፍ ንኽረክብ ክንሰርሕ ኢና” ክትብል ኤባ ቡሽ ኣብሪሃ’ላ።  


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com