Thursday , May 9 2024
Foto: Johan Nilsson / TT / kod 50090

ስቶክሆልም ን ፓርክ ኤምባሲ ሩስያ ስሙ ክትቅይሮ እያ።

ኤምባሲ ሩስያ ዝርከበሉ ፓርክ፡ ስሙ ናብ ጎደና ዘለንስኪ ክቕየር ብ ቆንስል ሰብመዚ ለበዋ ድሕሪ ምቕራቡ፡ ኣብ ክፍሊ ውጥን ዘለዉ ቆንስለኛታት፡ ነቲ ፓርክ ስሙ ክቕየር ምውሳኖም ይግለጽ ኣሎ።

ኣብ ስቶክሆልም ዝመደብራ ሬድዮ ሽወደን ሎቻል ፒ 4፡ እዚ ጎደና ስሙ ናብ “ፓላስ ናጻ ዩክሬይን” ክቕየር ምዃኑ ኣፍሊጣ’ላ። እዚ ድማ፡ ህዝቢ ሽወደን ንግዳያት ወራር ኮይኖም ዘለዉ ዩክሬናውያን ዘለዎ ደገፍ ንምግላጽ እተገብረ ምቕያር ስም ምዃኑ፡ እታ ሬድዮ ወሲኻ ገሊጻ’ላ። እዚ ውሳነ፡ ጎነጻዊ ወራር ሩስያ ንምቅዋም እተገብረ እዩ፡ ክትብል ከንቲባ ስቶክሆልም ኣና ኮኒግ ጀርልሚር፡ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢ ብዙሃን ኣብ ዝኸተበቶ ጽሑፍ ኣፍሊጣ’ላ።


Social Media Auto Publish Powered By : XYZScripts.com